ቅነ መንእሰያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ - 'ኣብ ዓለም ሰላም ንምህናጽ ዝግበር ስጕምቲ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኢዮቤል ናይቶም ጸለውቲ ሰባትን ስዒቡ ኢዮቤል መንእሰያትን እቲ ኣብዚ ዓመት ኢዮቤል ክካየዱ ተራሒዞም ዘለዉ መደብ ኢዩ። ቅድሚ እቲ ኻብ ዕለት 28 ሓምለ ክሳዕ ዕለት 3 ነሓሰ ዝካየድ ኢዮቤል መንእሰያት እቶም ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሪኖ ፊዚኬላ፣ ብዛዕባ እቲ ነዛ ዓመት ኢዮቤል ዜቝሙ እተፈላለዩ መንፈሳውን ባህላውን መደባት መግለጺ ኣቕረቡ።
ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መንእሰያት ኣብቲ ብፁዕ ሊቀ -ጳጳሳት ፊዚኬላ ኣብዛ ዓመት እዚኣ "ምናልባት እታ ልዕሊ ዅሉ ትጽቢት እተገብረላ እዋን ክኸውን እኽእል ኢያ" ብምባል ዝገለጽዋ መደብ ኢዮቤል ንምስታፍ ናብታ መዲና ክርስትና ዝኾነት ከተማ ሮማ ክተኣኻኸቡ ተመዲቡ ኣሎ።
ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ንልዕሊ 146 ዝዀና ሃገራት ዝክሉ መንእሰያት ኣብዚ ኢዮቤል ክሳተፉ ኢዮም። ካብዚኣቶም 78 ሚእታዊት ከኣ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝመጹ ክኾኑ ኢዮም። እቶም ዝተረፉ 22 ሚእታዊት ከኣ ካብ መላእ ዓለም እንተላይ ከም ካብ ዒራቕ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሊባኖስን ዝኣመሰላ ዞባታት ውግእ ዝኾና ሃገራት ዝመጹ መንእሰያት ንግደት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ንመንእሰያት ክሳተፉ ኢዮም።
ብፁእ ሊቀ - ጳጳሳት ፊዚኬላ ከምዚ ብምባል ይገልጹ - "ብመሰረቱ ኣብዚ ናይ ጽምብል እዚ ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ንዝመጹ ብዙሓት መንእሰያት ነቶም ኣብ ዙባታት ውግዕን ግጭታትን ዝርከቡ ደቂ ሰባት ቅርበትን ፍቕርን ንኸቕርቡሎም ተባሂሉ ኢዩ ተሰናድዩ፣ እዚ ድማ ሓቀይና እዋን ሰላም ንምምልካት ከምኡውን ኣብ ዓለም ሰላም ንምህናጽ ስጕምቲ ንምግባር ዝካየድ መደአባት ክኸውን ኢዩ ።
ነቶም በአማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ነጋድያን እተኸፍተ ኣፍደገ
እንተ ወሓደ ፍርቂ ሚልዮን ዝዀኑ መንእሰያት ብዕለት 28 ሓምለ ናብ ከተማ ሮማ ክመጹ ትጽቢት ይግበረሎም ኣሎ፣ እዚ ኸኣ "ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣሃዝ ክኸውን ኢዩ" ድማ በሉ። ነቶም ኣብዛ ዓመት ኢዮቤል እዚኣ ናብ ኸተማ ሮማ ንዝመጹ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ መንእሰያት 370 ኣብያተ-ክርስትያን፣ 400 ናይ ቤት ትምህርቲ ህንጻታትን፣ ኣራሻት ስፖርትን ከምኡውን ሓያሎ ኣባይቲ ስድራቤታት ኣፍ ደጌኦም ከፊቶም ክቕበልዎም ኢዮም።
ኣብታ ዘለኣለማዊት ከተማ ዝርከቡ ኣዳለውቲ እዚ መዳብት ከአ ኣብ ኵሉ መዳያት እንተላይ ብኸመይ መግቢ ከም ዝዳሎ ንነበርቲ እዛ ከተማ ከሰናድዎዎም ጸኒሖም ኣለዉ። ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፊዚኬላ ከም ዝገለጽዎ ኣብ መአላእ እታ ኸተማ 20 ማእከላት ምግቢ ኸም ዝሰናዶን ሓቢሮም - "ኣብ ርእሲ እቶም 3,500 ነጋዶ መግቢ ዝኾኑ መንእሰያት ንኺምዝገቡን ምሳሕን ድራርን ንኺረኽቡ ምቹእ ኣጋጣሚታት ዝኸፍተሎም ክኸውን ኢዩ። መደባት ቍርሲ ድማ ኣብ ኵሉ መሕደሪታቶም ክሰናዶ ኢዩ።" ነቶም ጥዕናዊ ጸጋእማት ንዘለዎም እውን ከይተረፈ ኣማራጺታት ምግብና ክረኽቡ ተቐሪቡሎም ኣሎ።
ጽዑቕ መደባት እምነትን መዘናጋዕን ምሕዝነትን
እዛ ቅነ መንእሰያት ዓመተ ኢዮቤል በቲ ኣብ ሰለስተ መዓልታት - ሰሉስ ረቡዕ ከምኡውን ሓሙስ ኣብ እተፈላለየ ከባቢታት ከተማ ሮሜ ኣብ ዝርከብ እተፈላለየ ኣደባባያት ዝግበር 70 መደባት "ምስታ ኸተማ ዝግበር ምልላይ" ክትጅምር ኢዩ። እዚ ፍጻመታት እዚ ብእተፈላለየ ማሕበራትን ንጕጅለታትን ከምኡውን ብእተፈላለዪ ጉባኤታት ብፁዓን ጳጳሳት እተወደቡ መዳብት ክኾኑ ኢዮም።
ንኣብነት በቶም ፈረንሳይ ዝመጹ ጉጅለ ተዋሶ “ዱክ ኢን ኣልቱም” እተሰናደወ ኣብ ህይወት ቅድስቲ ተሬዛ በዓልቲ ሊዝዮ እተመርኮሰ ድራማዊ ምርኢት ንምቕራብ ኣብ ጐደናታት ከተማ ሮማ እናተዘዋወሩ ከቕርቡ ኢዮም። ካሪታስ ኢንተርናሽናልስ ኣብ ተልእኾ ወንጌላዊ ኣገልግሎት ማሕበር ካሪታስ ብዝተሳተፉ መንእሰያት እተሰናደወ ብሰናዳዊ ቪድዮታት እተሰነየ ኣሳታፊ መደባት ከቕርቡ ኢዮም። መዓዲ ማርያም እተሰምየ ማሕበት ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቘልዑ ድኽነት ንምጥፋእ ብዛዕባ ዝገብርዎ ጻዕሪ ዝዝቲ መደባት ውን ኣባኡ ከቕርቡ ኢዮም።
ኣብ መወዳእታ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኸባቢ ሰዓት 7 ድ.ቀ. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮ ወግዓዊ መርሓባ ዝሳተፍዎ መዛዘሚ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግ ኢዩ።
ዓርቢ ዕለት 1 ነሓሰ እቲ ቺርኮ ማሲሞ እተሰመየ ቅርዓት ብድንኳናት ተሰሊሙ ክቕረብ ኢዩ፣ ኣባኡ ድማ ኣስታት 200 ዝኾኑ ካህናት ኪርከቡ እዮም፣ እዚ ኸኣ ነቶም ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ መንእሰያት እዛ መዓልቲ እዚኣ ምስጢረ ንስሓ ዝረኽቡሉ ኣጋጣሚ ንምሃብ ክትውፈ ኢያ።
ቀዳም ዕለት 2 ነሓሰ ምሸት ሓደ ኻብቲ ዓበይቲ ፍጻመታት ኣብታ ቅነ መንእሰያት 2000 ዓ.ም. እተካየደላ ቶር ቨርጋታ ዝተሰምየት ክፍለ ከተማ ክታየድ ኢዩ። ኣብኡ ኸኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስቶም ብኣማኢት ኣሽሓት ዚቝጸሩ መንእሰያት ሓቢሮም ጸሎት ዘሰርክ ክጽልዩ እዮም፣ ኣብቲ መደብ ጸሎት ሰለስተ መንእሰያት ማለት ሓደ ኻብ መክሲኮ ሓደ ኻብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ሓደ ኻብ ኢጣልያ ነፍሲ ወከፎም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሕቶታት ከቕርቡሎም ኢዮም።
ቅነ መንእሰያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ድማ ሰንበት ዕለት 3 ነሓሰ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳት ልዮን መበል 14 ብዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኽትዛዘም እያ።