MAP

ሓድሽ ማእከል ፈነወ ዜና ቫቲካን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸፊቱ ሓድሽ ማእከል ፈነወ ዜና ቫቲካን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸፊቱ 

ሓድሽ ማእከል ፈነወ ዜና ቫቲካን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸፊቱ

መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሓድሽ ናይ ፈነወ ቦታ ኣመሪቑ ብወግዒ ከም ዝኸፈተ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምድላዋት ዓመት ኢዮቤል ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንመራኸብን ዘተን ተስፋን ዝተወፈየ ሓድሽ ናይ ፈነወ ቦታ ዕለት 25 ሓምለ ብወግዒ ኣመሪቑ ከም ዝኸፈተን እዚ ኣብ ትሕቲ ብራቾ ዲ ካርሎ ማኞ ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ሸነኽ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ሓድሽ ክፍሊ ራዲዮ፡ ዓርቢ ዕለት 25 ሓምለ ሰዓት 8፡10 ንግሆ፡ ኣብ ፍሉይ ፈነወ ናይ ኢጣልያ መደብ ራድዮ ቫቲካና ኮን ቮይ - ራዲዮ ቫቲካን ምሳኹም ብዝብል ኣርእስቲ ብቐጥታ ብዘመሓላለፈ መደብ ፈነወ ከም እተመረቐ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ሎስርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ፡ ከምኡ’ውን መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ዘእንግድ ኮይኑ፡ ኣብ ምሉእ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንነጋድያንን ጋዜጠይናታትን ከገልግል ምዃኑ የመላኽት።

ንነጋድያን ህያብ

ኣዋጅ ቅድስና ፒየር ጆርጆ ፍራሳቲን ካርሎ ኣኩቲስን ዝኣመሰሉ ወሰንቲ ህሞታት ንምሽፋን እውን ዝዓለመ ተበግሶ ሳላ ፍቓድ ምምሕዳር ቫቲካንን ካብ መርበብ ለገስቲ ፈተውቲ ር.ሊ.ጳ. እተገብረ ገንዘባዊ ደገፍን ዝተረጋገጸ ከም ዝኾነን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

“ተስፋ ፈጺሙ ክጠፍእ የብሉን”

ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ፣ ነቲ ሓድሽ ቦታ ክምረቕ እንከሎ ፡ “እዛ ንእሽቶ መደበር ፈነወ፡ ዋላ እተን ደቐቕቲ ብልጭታታት ዓበይቲ ሃልሃልታ ተስፋ ዘጓሃህራ ከም ዝኽእላ ዘረጋግጽ እዩ . . . ዓለም ኣብ ተስፋ ምቑራጽ ኣብ እትርከበሉ ዘላ እዋን ኢዮቤል ተስፋ ምጽንባል፡ ንባዕሉ ሓያል ናይቲ ሓቂ መግለጺ እዩ: ተስፋ ፈጺሙ ክጠፍእ የብሉን፡ ሓይሊ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን "ካብ ብሓደ ዝጥርንፈና መርበብ ከም ዝመጽእን - ከም መሳርሕቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስቶም ዝሰምዑና፡ ዘንብቡና፡ ኣብዚ ናይ ተስፋ መልእኽቲ እምነቶም ዘቐምጡ እውን" ምዃኑ የመልክቱ።

መዓልታዊ ህይወት እትካፈል ቤተ ክርስቲያን

“ንመርበብ ሓበሬታ ትሕዝቶ ምፍጣር ዛንታታት ምሕታም ጥራይ ኣይኮነን” ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓ ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ የኔታ ሉቾ ኣድሪያን ሩዊዝ ኣብቲ ናይ ምረቓ ስነ ስርዓት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ "ኣካል መዓልታዊ ህይወት ሰባት ዝኾነ ሓቀይና ቦታ ኣብ ምንባር ዝድግፍ ማለት'ዩ።"

"እዞም ብስነ ኣሃዝ እተራቁ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ቦታታት . . . ንልምድታትናን ዝምድናታትናን ይቐርጹ። ቤተክርስትያን ድማ ኣብኡ ህልውቲ እያ - ህይወት ወዲ ሰብ ኣብ ዝሃለወሉ ቦታ ቤተክርስትያን'ውን ኣብኡ ስለ ዝኾነት" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ልዕሊ ሰናይ ብርሃን ምብራህ

ምኽትል ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካን ማሲሚሊያኖ መኒከቲ እውን ብወገኑ፣ “ንኹሉ ክበርህ መታን መብራህቲ ኣብ ርሑቕ ምቕማጥን ምሕባእን ዘይኮነስ ኣብ ላዕሊ ምቕማጥ ቅኑዕ እዩ” እንክብል ኣብ ዘስመዕ መደረ ኣመላኺቱ፣ "ኣብ ዓለም ብጽሞና ዝዓብዩ ዘለዉ ብዙሓት ጽቡቓት ዝኾኑ ዛንታታት ምቕራብ፣ ኩሉ ግዜ ኣሉታዊ ዛንታታት ጥራሕ ከም ዘየሎ መርትዖ" ምጉላሕ ማለት ምዃኑ ኣስሚሩ፣ "መብዛሕትኡ ግዜ ዜናታት ከመይ ከም ዝሰርሕ ንፈልጥ ኢና: ቀንዲ ኣርእስታት: መርበብ ሓበሬታ ኩሎም ኣብ ግርጭት: ውድቀትን ፍርሕን ዘተኮሩ እዮም። ከም መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ዕማምና ግን ጸረ እዚ ዓይነት ዋሕዚ ፈነወ እዩ - ሰናይ ወትሩ ይስዕር ዝብል ሓቂ ምቕራብ። እዚ እዩ በብመዓልቱ ክንገብሮ እንፍትን" ከምዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣

ንር.ሊ.ጳ. ናይ ምግልጋል ሕድሪ

ምኽትል ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ እውን ብወገኑ፡ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ንድምጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ምድጋፍ ተልእኾ እዩ - ካብ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ በነዲክቶስ መበል 16ን ፍራንቸስኮን ክሳብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝዝርጋሕ ዝነብሮ ቀጻልነት ምዃኑ” ኣብሪሁ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ነዚ ጉዳይ እዚ ብጭቡጥ ንጹር ገይረምዎ እዮም - ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መጠን ንመጀመርታ ግዜ ዝገበርዎ ዑደት ናብታ ቅነ መንሰያት ዓለም ኣብ ዘአንገደተ ከተማ ኮሎኘ ኢዩ ነይሩ፣ ኣብኡ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሓድሽ ወለዶ ዝነበሮም ዓሚቝ እምነት አሐዲሶም እዮም . . . ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንበዓለ ሆሳእና ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ . . . “ተስፋ ካባኹም ክትስረቕ ኣይትፍቀዱ ከም በለዎ” . . . ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ተመሳሳሊ ራእይ ከም ዝሓቖፉ እውን ኣመላኺቱ  “እወ ቤተክርስትያን ገና መንእሰያት የድልይዋ - እቶም ዝዕዘቡን ዝጽበዩን ተስፋ ዝሕብሕቡን ሓለውቲ ወጋሕታ እያቶም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 Jul 2025, 16:06