ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፡ 'ልምዓት ንሰናይ ሂወት ኩሉ ከገልግል ኣለዎ'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቀድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቺያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዓለም ለኻዊ ግብረ ሰናይ ውፍሪ ዝርአ ስርዓታዊ ምወላ ምዝንባዕ ስዒቡ ብዛዕባ ልምዓታዊ ኣገባባት ንኽመክር ኣብ ዝተጸወዐ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ካብ ተራ ቁጠባዊ ስጉምትታት ወይ ስርዓታት ንላዕሊ ምጥማት ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም፣ መራሕቲ ዓለም ቀዳምነታት ዳግማይ ክሓስቡ፣ ብሓባር ክሰርሑን ኣህጉራዊ ስርዓታት ክጽግኑን ንጽቡቕ ሂወት ኩሉ ከማእክሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዕላማ ልምዓት
ሊቀ ጳጳሳት ካቺያ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ውጽኢት ንምርኣይ ውጥናት ልምዓት፣ ሰብ ማእከል ዝገበረን ኣብ ግብረ ገባዊ ክቡራት ዋጋታት ሱር ዝሰደደን ክኾኑ ከም ዘለዎ ኣመላኺቶም፣ ብተወሳኺ ነቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ምቁራጽ ምወላ ኣዝዮም ዝሳቐዩ ንዘለዉ ወኪሎም፣ ልምዓት “ኣብ ኣገልግሎት ቁጠባ ዘይኮነስ ነቲ ኣምላኽ ንኹሉ ሰብኣዊ ፍጡር ዝሃቦ ክብሪ ዘማእከለን ነዚ ክብሪ እዚ ዘስፍሕን ክኸውን ኣለዎ - ምስ በሉ - ንዓሰርተታት ዓመታት ዓለምለኻዊ ልምዓት ብዝተፈላለዩ ቁጠባዊ መርኣዪታት ይዕቀን ከምዝነበረ ብምጥቃስ፣ ቀዳምነት ኣብ ዝወሃቦም ነገራት ለውጢ ክግበር ጸዊዖም፣ “ልምዓት ንጽቡቕ ሂወት ኩሉ ብፍላይ ድማ ድኻታትን ኣዝዮም ዝተጸገሙን ከገልግልን ፍትሕን ምትሕግጋዝን ሰላምን ዘዕቢ ክኸውን ኣለዎ፣ ቅድስቲ መንበር ለውጢ ንምምጻእ ዓለም ካብ ኣቃልቦ ንቁጠባዊ ዕዳጋታት ናብ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ክትሰጋገር ኣለዋ ዝብል እምነት ኣለዋ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ተነቃፊ ስርዓት
ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ቍጠባዊ ስርዓት ነቶም ዝተጸገሙ ብግቡእ ከምዘየገልግል ብምግላጽ፡ “ውጽኢት ናይቲ ብተደጋጋሚ ንሓባራዊ ረብሓ ከገልግል ዘይክእል ተኸታታሊ ውሳኔታትን ቀዳምነታትን ዝመጽእ፡ ብቐጻሊ ነቶም ኣብ ኣዝዩ ተቓላዒ ኩነታት ዘለዉ ኣብ ዝርከብሉ ጸገም ዝጥንጥን . . . ምስ በሉ ኣስዒቦም፣ ህሉው ቁጠባዊ መደባት ምስቲ ካብ ሩሕቕ ዝመጽእ ንድኻታትን ተቓላዕትን ምግልጋል ዝብል ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ባህሊ ዝጋጮ እዩ እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ ውጽኢት ናይዚ ቁጠባዊ መደባት ድማ ኣብ ክንዲ ነዚ ንምብዳህ ዝሕግዝ፡ ናብ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወሰኽ ዘይምዕሩይነት ይመርሕ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፣ “ኣብ መንጎ ኣህጉራት ዓሚቝ ምፍልላይ ዚቐርጽ ዘሎ ዓለማዊ ዘይምዕሩይነት ንምስጋር ኵሉ ጻዕሪ ክግበር ኣለዎ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣቃሊሖም፣ ምርጫታት መምርሕታትን ልምዓትን ኣብ መንጎ ቁጠባዊ ደርብታት ምፍልላይ ይቕጽል ኣሎ ከምኡውን ከምቲ ሊቀ ጳጳስ ካቻ ዝጠቐስዎ ዓለማዊ ስርዓታት ቍጠባ ገለልተይናታት ኣይኮኑን፣ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
ጻውዒት ንስራሕ
ኣብ ው. ሕ. ሃ. ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፣ ኣህጉራዊ ቍጠባዊ ስርዓታት ግዜኡ ዝሓለፎን ነዚ ሕጂ ዘሎ ጸገማት ዓለም ብውጽኢታዊ መገዲ ኽፈትሕ ዘይክእልን ምዃኑ ገሊጾም፣ እምንቲ’ዚ ተሓድሶ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ንሃገራት ተወሳኺ ሰብኣዊ ምዕባለ ንምርግጋጽ ዘይድግፍ ብምዃኑ መራሕቲ ዓለም ለውጢ ኽገብሩ ምሕጽንታ ቅድስቲ መንበር ኣቕሪቦም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።