MAP

2025.07.28 ቅድስቲ መንበርን ኣዘርባጃንን ኣብ ሃይማኖታዊ ሓባራዊ ዘተ ስምምዕ ከቲመን 2025.07.28 ቅድስቲ መንበርን ኣዘርባጃንን ኣብ ሃይማኖታዊ ሓባራዊ ዘተ ስምምዕ ከቲመን 

ቅድስቲ መንበርን ኣዘርባጃንን ኣብ ሃይማኖታዊ ሓባራዊ ዘተ ስምምዕ ከቲመን

ቅድስቲ መንበርን ኣዘርባጃንን ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝምድናታት ብዝምልከት ምትሕብባር ንምድንፋዕ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ከም ዝኸተማ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተሰረተ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዘተን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ዝተለለየ፡ ኣብ 2011 ዓ.ም. ኣብ ክልተኣዊ ስምምዕ ዝተበጽሐ፡ ሕጂ ድማ ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝምድናታት ብዝምልከት ምትሕብባር ንምድንፋዕ ብዝተኸተመ ናይ ሓባር ስምምዕ ይድልድል።

ኣብቲ ቅድሚ ፍርቅ መዓልቲ ዕለት 28 ሓምለ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ሃገረ ኣዘርባጃን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ተቐቢሎም ዘዘራረቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ጆርጅ ኩቫካድ፣ ቅድስቲ መንበርን ሪፓብሊካዊት ኣዘርባጃንን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ብዝብምልከት ምትሕብባር ንምድንፋዕ ሓባራዊ ሰነድ ከም ዝኸተማ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም።

ምትብባዕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ብጀካ እዚ ብፁዕ ካርዲናል ኩቫካድ፣ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ “ኣብ ዝሓለፈ ዓትሰርተታት ዓመታት ቅድስቲ መንበርን ሪፓብሊካዊት ኣዘርባጃንን ዝምድናታተን ንምምዕባልን ንምድልዳልን ናይ ሓባር ድሌት ከምዘርኣያ” ኣብ 2002 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ውርሒ ጥቅምቲ 2016 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ኣዘርባጃን ዝገበርዎ ሃዋርያዊ ጕዕዞ ከምኡ’ውን ኣብ 2008 ኣብቲ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ዝነበሩ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶን ናይ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅርበት ንምርግጋጽ ዝገበርዎ ምብጻሕ ብምዝካር የረጋግጹ።

እቲ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘተባብዕ ዝተኸተመ ናይ ሓባር ሰነድ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2011 ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሪፓብሊካዊት ኣዘርባጃንን ዝተገብረ ክልተኣዊ ስምምዕ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ካርዲናል ኩቫካድ ገሊጾም፣ ኣብ ርእሲ እቲ ክልተኣዊ ዝምድናታት ምድልዳልን ቤተክርስትያን ኣብ ሪፓብሊካዊት ካውካሲያን ተልእኾኣ ክትፍጽም ካብ ምኽኣልን፡ ከምቲ ኣብ ናይ ኣዘርባጃን ቅዋም ሃገር ተመልኪቱ ዘሎ “ንመትከል ሃይማኖታዊ ናጽነት ንምድንፋዕ ክቡር መጋበርያ” ከም ዝኾነ ኣመልኪቶም፣ ኣስዒቦም፣ እቲ ዝተኸተመ ናይ ስምምዕ ሰነድ “ንውሑዳን ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ ምኽባርን ክርስትያንን ኣስላምን ብኸመይ ብስኒት ብሓባር ክነብሩ ከምዝኽእሉን” ዘርኢ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ትምህርቲ ጉባኤ ካልኣይ ቫቲካን ዝተሰረተ

ካርዲናል ኩቫካድ፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ኣሰር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣስሚሮም፣ ብመንፈስ ሰነድ    - ሰነድ ቅድሚኡ እውን እንተኾነ ወርሒ ጥቅምቲ መበል 60 ዓመት ቅዋሜኡ ዘብዕል ኣዋጅ ብዛዕባ ሃይማኖትዊ ናጽነት ዝተመርሐ እውን ምዃኑ ኣመላኺቶም፣ ካብ 1965 ጀሚሩ "ሓደስቲ መዳያት ሓባራዊ ተወፋይነት ተቐልቂሎም እዮም፡ ከም ድሌት ሓልዮትን ምሕላውን ከባቢ ከምኡ'ውን ኣድላይነት ስነ - ምግባራዊ ኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን። ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ጉዳያት ጭቡጥ ናይ ምትሕብባር ምልክታት ኣብ ህንጸት ዝያዳ ሰላማዊት ዓለም፡ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን ዝነብር ድሌት ኣበርክቶ ዝገብር ምዃኑ እውን ከም ዘመላኽቱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ድርኺት ንሰላም

ካርዲናል ኩቫካድ ንርእሰ ብሔር ኣዘርባጃን ኢልሃም ዓሊየቭ፡ ከምኡ’ውን ራሚን ማማዶቭ - እቲ ዝለዓለ በዓል መዚ መንግስቲ ንሃይማኖታዊ ማሕበራት - “ነዚ ኣገዳሲ መዘክር ስለ ዘጽደቑን ዝደገፉን” ኣመስጊኖም።

ብተወሳኺ "ቀጻሊ ተወፋይነት" ኣቦ መንበር ባይቶ ኣስላም ካውካሰስ ሸኽ ኡል - ኢስላም ኣላህሹኩር ፓሻዛደ ኣፍልጦ ሂቦም፣ "ኣብ 1930ታት እታ ኣብታ ሃገር ዝነበረት ቤተክርስትያን ድሕሪ ምዕናዋ ኣብ ባኩ ሓዳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንምህናጽ ዝደገፉ ምዃኖም ኣዘኻኺሮም

ካርዲናል ኩቫካድ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ምጅማር ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም - ዘስምዕዎ መደረ  ዘኪሮም፣ እቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን - ኣዘርባጃንን ዘሎ "ምሕዝነት ዝመልኦ ክሌኣዊ ርክብ ሕጂ ኣዚዮ ንቕድሚት ክስጉም ሓድሽ ድራኼ ክረክብን ንዅሎም ደቅሰብ 'ሓቅን ፍትሕን ሰላምን' ንምድንፋዕ ክንጽዕር እንከሎና ድማ ዝያዳ ክድልድል ኢዩ" እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 Jul 2025, 16:33