MAP

ቓዛ፡ ኣብ ቅድሚ ራዕዲ፡ ካልእ ክንጥምት ኣይንኽእልን ኢና! ቓዛ፡ ኣብ ቅድሚ ራዕዲ፡ ካልእ ክንጥምት ኣይንኽእልን ኢና!  (MAHMOUD ISSA) ርእሰ ዓንቀጽ

ቓዛ፡ ኣብ ቅድሚ ራዕዲ፡ ካልእ ክንጥምት ኣይንኽእልን ኢና!

ምኽትል ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካን ማሲሚልያኖ መኒከቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ንኹሉ ዝስንድን ዘዘንትውን ምትእስሳርን እደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣብ ዝረኣየሉ ዓለም ዝርአ ዘሎ ብጥሜት ናይ ሙማት ኩነት የስተንትን። ፖለቲከይናታትን መንግስታትን ነዚ ስግንጢር እዚ ዘይርእዩ ተመሲሎምን ዝገብርዎ ከም ዘይብሎም ኮይኖም ክነብሩን ከምዝ አይክእሉ የስተብህል።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኢና ኽንጽበ? ነቲ ባርባራዊ ውግእ ደው ቅድሚ ምባልና እንታይ ኢና ኽንርኢ ንጽበ ዘሎና? ኣብ ቀረባ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘቕረብዎ ጻውዒት? ካብ ቓዛ መዓልቲ መዓልቲ ኣውያት ይስማዕ። ነፍሲ ወከፍ ውግእ ኣብ ዩክረይን ሱዳን ምያንማር ወይ የመን ክውዳእ ዘለዎ ዘሕዝን ፍጻመ ኢዩ። ሞት ሓደ ሰብ ንብምሉእ ሰብኣዊ ፍጥረት ውድቀት እዩ። እንተዀነ ግን ኣብ ቓዛ ሞት ካብ ቦምባታት ወይ ጠያይት ጥራይ ዘይኰነስ ጥሜት ከም ኣጽዋር ካብ ምጥቃም ዝመጽ እውን ኮይኑ ኣሎ። ቈልዑ ደጊም ኣይክበኽዩን እዮም፣ ኣረጋውያን ርእሶም ኪናብዩ ኣይክእሉን እዮም። ዓበይቲ ብእግሮም ኣይክጓዓዙን እዮም። ልቢ ህርመቱ የቋርጽ ማለት ይደክም እስትንፋስን ሓይልን ይጽንቀቕ።

ኣብዛ ሓበሬታን ምትእስሳርን ዘለዋ፣ ነፍሲ ወከፍ ፍጻመ ተሰኒዱ ብስእልን ድምጽን ዝፍነወላ ዓለም፣ ሰባት ብስእነት መግቢ ይሞቱ ኣለዉ። ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ዕደ ጥበብ መከራ ይምዝግብ እምበር ኣይፍውሶን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኢሰብኣውነት ኣብ ዝገጥመሉ እዋን፡ ዘይምግዳስ ኣማራጺ ኣይኮነን። ከምዚ ዝበለ መከራ እናረኣና ከም ዘይረኣና ገጽና ጠዊና ክንሓልፍ ኣይንኽእልን ኢና።

ኩላትና ሃነጽቲ ሰላም፣ እንግዶትን፣ ዘተን፣ ሕውነትን፣ ተስፋን ክንከውን ተጸዊዕና ኣሎና። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንህይወት ክጣበቕ፡ ክብሪ ክሕሉ፡ ናይ ሓባር ረብሓ ከናድን ከስፍሕን ዘኽእል ዓቕሚ ኣለዎ። ኣብ ሓገዝን ሽምግልና ንዘተን ደገፍን ዝለዓሉ ብዙሓት ድምጽታት ድማ ከይተሰምዑ ክተርፉ የብሎምን። ፖለቲካዊ መራሕትን መንግስታትን ስቕ ክብሉ የብሎምን።

መንገዲ ሰላምን ጭቡጥ ሓገዝን ብምምራጽን ብምህናጽን ስራሕ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ይደልድል። ኣብዚ ተግባራት እዚ እዩ ሓቀይና - ሰላም ዝዝረብ ቃል ጥራይ ዘይኮነስ ዝተነብረ ክውንነት ዝኾነሉ ሰብኣውነት ዝፍጠር፣ እንክብል መኒከቲ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀዝ ዜና ቫቲካን ይዛዝም።

(Massimiliano Menichetti)

26 Jul 2025, 18:00