MAP

ቓዛ፡ ኣብ ሃዋህው ዓውሎማዊ ዘይምግዳስ መጥቃዕቲ ዝወርዶ ዘሎ ህዝቢ ቓዛ፡ ኣብ ሃዋህው ዓውሎማዊ ዘይምግዳስ መጥቃዕቲ ዝወርዶ ዘሎ ህዝቢ  ርእሰ ዓንቀጽ

ቓዛ፡ ኣብ ሃዋህው ዓውሎማዊ ዘይምግዳስ መጥቃዕቲ ዝወርዶ ዘሎ ህዝቢ

ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካንን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ብዛዕባ እቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ስድራቤት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝፈጸመቶ መጥቃዕትን እቲ ዕሽነት ዝመልኦ ኲናትን ሳዕቤናቱን የስተንትን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ እታ ቤተ ክርስቲያን ዝወረደ መጥቓዕቲ ዝገልጽ ዝወጽ ዘሎ ምስልታት ብዙሕ የዘንትው፣ ካብ ታንኪ ሰራዊት እስራኤል ዝተኮሶ መድፍዕ ብቐጥታ ነታ ኣብ ቓዛ እትርከብ እንኮ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤት ከም ዝወቕዐን፣ ኣብታ ቁምስና ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ማለት ቤቶምን ንብረቶምን ዝሰኣኑ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ቀጽሪ እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝርከቡ ክልተ ቤት ትምህርቲ እቲ ውግእ ካብ ዝባራዕ  ኣትሒዙ ተዓቝይቦም ከም ዘለዉ ይዝከር።

በቲ ዕለት 17 ሓምለ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድማ ሰለስተ ሰባት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ፡ ካልኦት ዓሰርተ ድማ ከም ዝቆሰሉን ሓደ ካብቶም ዝተጎድአት ሱሃይል፡ “ካብ ቓዛ እየ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ” ብዝብል ኣርእስቲ ናብ ሎ ኦሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናብ ናይ ቅድቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘመሓላለፈቶን ዕለት 18 ሓምለ ንንባብ ዝበቕዓ መልእኽታ፣ “ፍቕሪ ካብ ውግእ ይብርትዕ . . .  ኣብ ቓዛ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዓለም ብምልእታ ሓደ መዓልቲ ብሰላም፡ ብሓድሕድ ይቕሬታን ዕርቅን ክትነብር ንጸሊ። ድሕሪ ደጊም ውግእ ዘይህልወላ መዓልቲ ክትመጽእ መታን፣ ምኽንያት ፍቕሪ ካብ ውግእ ስለ ዝሕልይ” ዝብል ሓሳብ ንረክብ።

ሰበስልጣን እስራኤል እቲ ኣብ ልዕሊ እታ እንኮ ዝኾነት ኣብ ቓዛ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤት ዝወረደ መጥቓዕቲ ብጌጋ ዝተፈጸመ ምዃኑን እስራኤል ናይ ኣምልኾ ቦታታት ከም እተኽብርን ድማ ብምሕባር፣ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ መርመራ ክካየድ ምዃኑን ብምግላጽ ይቕሬታ ከም ዝሓተቱ ቶርኒየሊ የዘኻኽር።

ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺታት ዳርጋ ዘረጋግእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። መሳጊድ ናብ ፍርስራስ ተቐይሮም፡ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝፍጸም መጥቃዕትን ክትርይ ኣንኮለኻ ጥራሕ ዘይኮነ - ንኣብነት ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ቅዱስ ፖርፊርዮስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ህይወት ብዙሓት ሰባት ዝቐዘፈ - ድሕሪ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ከተማ ቓዛ ብሓደ ፍሉይ ኣባል ሓይሊ ምክልኻል ክልተ ክርስትያን ደቂ ኣንስትዮ ምቕታለን ዝምልከት መርመራ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ውጽኢት ስለዘይረኸበ እዩ።

ብፍላይ ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ እስራኤል ዮናታን ፔለድ፣ "ንበርገሳውያን ትካላት ኣብ ሓደጋ ከነእቱ ሓሳብ የብልናን። እቶም ኣሸበርቲ ግን ኣብ ኩሉ ቦታታት ኣለዉ፡ ዋላ ኣብ ህዝባዊ ህንጻታት ከም ኣብያተ ትምህርትን ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ኣምልኾ ቦታታትን እውን ከይተረፈ" ይብል፣ እዞም መግለጺታት እዚኣቶም፡ ብገለ መልክዑ፡ ነቲ "ጌጋ" ተባሂሉ ዝተገልጸ ተግባር ምኽንያት ዝህብ ብምዃኑ ዘገርም ኢዩ። ሓሙሽተ ሚእቲ ዘይተዓጠቑ - ብዙሓት ጸሎት መቑጸርያ ንኽደግሙ ዝእከቡ - ብዘይ ፍላጥ ጐናዊ ዒላማ ክኾኑ ዝከኣል እዩ። ከምቲ ልኡከ መግንስቲ እስራኤል ኣብ ኢጣሊያ ፔለድ ከም ዝብሎ እተደኣ ኮይኑ።

ኣንበብትን ሰማዕትን ዜና ቫቲካን ኣጸቢቖም ከም ዝፈልጥዎ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ቓዛ መዓልታዊ ዝፍጸም ዘሎ ህልቂት፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ንጹሃት ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ሰሙን ጐናዊ ግዳያት ወራርን ወይ መጥቃዕትታት እቶም ውሑስ ምክፍፋል መግቢ ከረጋግጹ ብዝግበኦም ሰባት ክቕተሉ ኣይተጸበናዮን።

ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ግዳያት ሕጂ ክርስትያን ምዃኖም ወይ ሱሃይል ስለዝተጎድአት ጥራይ ኣይኮንናን እንዛረብ ዘሎና፣ ኩሎም ንጹሃት ግዳያት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ፍትሒ ይጭድሩ፣ ኩሉ ህይወት ቅዱስን ክቡርን እዩ፣ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስቲያን ኮኑ ናይ ነፍሲ ወከፍ ካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብቲ ድማ ኣብ ኩሉ ነገር ዕጫ ስዉእ ህዝቢ ፍልስጤም ይካፈሉ።

እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ብኣሸበርቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ ኢሰብኣዊ ህልቂት ቅድስቲ መንበር ብዘየማትእ መግለጺ ኮኒናቶ እያ፣  ኩሎም ጅሆ ዝተታሓዙ ክፍትሑን እስራኤል ርእሳ ናይ ምክልኻል መሰል ከምዘለዋ ኣፍልጦ ብምሃብ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ኢሰብኣዊ ጭፍጨፋ - ንብዙሓት ንጹሃን ሰላማውያን ዝጐድእ - 60,000 ንሞት፣ ከተማታት ናብ ኩምራ ፍርስራስ ምቕያርን ምኽንያታዊ ክግበር ኣይክእልን እዩ። ንብዙሓት ነቶም ነዚ ጉዳይ እዚ ከም ዘይርእይዎ መሲሎም ንዝነብሩ ሱቕታ ንዝመርጹ ከመኽንየሎም ኣይክእልን እዩ።

ነዚ ኢና ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 26 ሰነ ምስ ትካላት ረድኤት ንምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን (ROACO) ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ንዕሽነት ኲናት ክንኩንኖ ፈጺምና ዘይንደክም ክንከውን ከም ዘሎናን፣ “ኩላትና ብመሰረት ሰብኣውነትና ጠንቂ ናይዚ ግርጭታት ክንምርምር፡ ነቶም ክውንነታዊ ዝኾኑ ከነለልዮም፡ ክንፈትሖ እውን ክንፍትን ንጽዋዕ፣ ነተት ውጽኢት ስምዒታውን መታለልን ቃላት ዝዀነ ሓሶት ብምንጻግ፡ ሰባት ብሰንኪ ናይ ሓሶት ዜና ክሞቱ የብሎምን” ከም ዝበሉ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽኦ ርእሰ ዓንቀጽ የዘኻኽር።

ነቲ ብትኽክል ብዛዕባ ገለ ግዳያት ክንቁጣዕ ዝገብረና፡ ንገለ ግዳያት ግና ሸለል ክንብል ዝገብረና ተለዋዋጢ መድረኻት ዓውሎማዊ ዘይምግዳስ ክንሰግሮ ንጽዋዕ። ኩነታት ማእከላይ ምብራቕን ዕሽነት ዝመልኦ ምብራኽ ኲናትን ብጭቡጥ ክንርእዮ ንጽዋዕ። ሓደስቲ ግንባራት ብቐጻሊ ይኽፈቱ፣ ውሕስነት ህላወ ገዛእቲ መራሕቲ፣ ኣብ ግብረሽበራዊ ውድባት ይኹን ኣብ ሃገራት፣ ኣብ ክንዲ ሰላም ኣብ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ምቕጻል ውግኣት ዝተመርኮሰ እዩ ዝመስል።

ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ መወዳእታ ብኹሉ እቲ ሕጊ ዘቕርቦ መሳርሒታት ጣልቃ ንምእታው ዳግማይ ትብዓት ክረክብ እዋኑ እዩ: ኣጽዋር ስቕ ንምባል: ነቲ ጭፍጨፋታት ደው ንምባል: ዋጋኡ ብኣሽሓት ንጹሃት ግዳያት ዝኽፈል ናይ ስልጣን ሓሸውየ መወዳእታ ንምግባር።

(Andrea Tornielli)

19 Jul 2025, 17:51