MAP

2025.05.17 Papa Leone XIV ha celebrato la Messa nella cappella del Dicastero per i Vescovi (20 maggio 2025) 2025.05.17 Papa Leone XIV ha celebrato la Messa nella cappella del Dicastero per i Vescovi (20 maggio 2025) 

ሌላ ምስ ቅድስቲ መንበር፣ እቲ ብዛዕባ ጉዳያት ጳጳሳት ዝሓሊ ላዕለዋ ቤጥ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር

ተልእኾ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ጳጳሳት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ኣብ ውሽጢ ውሱን ግዝኣታዊ ምሕደራ ቤተ-ክርስትያን ሕድሪ ዝውፈዩ ጓሶት ነፍሳት ኣብ ምምራጽ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተሓጋገዝ ሓደ ኣካል ቅድስቲ መንበር ኢዩ። ድሕቲ እቲ ንቅብኣተ ጵጵስና ዝበቑ ህጹያት ምርቋሕ ዝግበር መስርሕ ድማ፣ እቲ ናይ መወዳእታ ውሳነ ኣብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዩ ዚምርኰስ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2023 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ግዜ እቲ ካርዲናል ንዝነበሩ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሮበርት ፍራንሲስ ፕሪቮስት ሕጂ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኰይኖም ኽሳዕ ዝምረጹ ህየንተ ናይዚ ብዛዕባ ጉዳያት ጳጳሳት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ከገልግሉ መዝነት ሃብዎም። ዋና ጸሓፊ ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ድማ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኢልሰን ደ ጂሰስ ሞንታናሪ ኢዮም ዘለዉ።

ቤተ-ክርስትያን ነዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፍት እዚ ብሕድሪ እተዋሃበቶ ዕማም ከአ ነቶም ጓሶት ሕዝቢ ኣምላኽ ዝኾኑ ጳጳሳት ኣብ ምምራጽ ንምትሕግጋዝ እዩ። እዚ ኣካል ኩርያ ሮማና እዚ ንዅሉ እቲ ንናይ ኣከባቢ ኣብያተ-ክርስትያን ንምምስራትን ንምስንዳውን ከምኡውን ነቲ ኣብታ ሥርዓት ላቲን እትኽተል ቤተ-ክርስትያን ዝርከብ ኤጲስቈጶሳዊ መዝነት ንምስልሳልን ዝምልከት ጕዳያት ኣብ ርእሰ ኣካልነት ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ጠልቃ ከይኣተወ ብሓላፍነት ዝሕተት ኣካል ኢዩ።

መዝነት

እላማን መዝነትን ናይዚ ብዛዕባ ጉዳያት ጳጳሳት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ኣብቲ ዘርእስቱ ናይ ሓዋሩ ቅዋም ተገሊጹ ይርከብ። እዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እዚ ኣድላዪ ሓበሬታ ድሕሪ ምእካብን ምስ ጳጳሳትን ጉባኤታት ጳጳሳት ብምትሕብባርን ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ጉዳይታት ምስረታን፣ ምክፍፋልን፣ ምጽምባርን፣ ግምገማን ከምኡ ውን ብዛዕባ ኣብ ገሊኡ ኣከባቢያዊ ኣብያተ-ክርስትያንን ክፍልታቶምን ኣብ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ለውጥታት ብዝምልከት ጕዳያት ናይ ምክትታትል ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ ላዕለዋ ቤትጽሕፍት ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ምርጫ ናይ ሰበኻታት ጳጳሳትን ስዩማን ጳጳሳትን ከምኡ ውን ሓዋርያውያን ኣስተናበርቲ ዝኾኑ ጳጳሳትን ኣብ ዝምልከት ጕዳያት ዘገልግል ኣካል ኩርያ ሮማና እዩ። ብዘይካዚ እዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ምስ ቀኖናዊ ስርዓታት ብዝተሓሓዝ ካብ መዝነቶም ዝሰናበቱ ጳጳሳት ብዝምልከት ድማ ብመዝነት ይሕተት። እዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፍት ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ካቶሊካውያን ጳጳሳት ናብ ቅድስቲ መንበር ዝገብርዎ ምብጻሕ ይውድብን ይከታተልን።

ጳጳሳዊ ሽማግሌ ላቲን ኣመሪካ

ኣብ ውሽጢ እዚ ብዛዕባ ጉዳያት ጳጳሳት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፍት ዝተዋቐረ ጳጳሳዊ ሽማግሌ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካ ውን ኣሎ፣ እዚ ጳጳሳዊ ሽማግሌ እዚ ብዛዕባ ህይወትን ዕቤትን እዘን ኣብያተ - ክርስትያን እዚኣተን ንዚለዓል ሕቶታት ናይ ምጽናዕ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ መንጎ እተን ኣብ ዞባታት ላቲን ኣመሪካን ኩርያዊ ተቕዋማቶምን ዝዓዩ ኣህጉራውንን ሃገራውያንን ቤተ - ክርስትያን ዘሎ ርክብ ከም ዝድልድል ዝገብር ውን ኢዩ።

ታሪኻዊ መዘኻኸሪ

እዚ ብዛዕባ ጉዳያት ጳጳሳት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት-ጽሕፍት ጥንታዊ መበቈል ዘለዎ ኣካል ቅድስቲ መንበር ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሲክስተስ ሓምሻይ በቲ ብዕለት 22  ጥሪ 1588 ዘጽእዎ ሓዋርያዊ ቅዋም ዘኣልቦ ጽንፍ  ዝተሰምየ ነዚ ተቃም እዚ ንምስረታ ሰበኻታትን ጉባኤያዊ ስርዓታት ቤተክርስቲያንን ንምክትታል ኣቘምዎ፣ እዚ ስም እዚ ጸኒሑ ናብ ቅድስ ማሕበር ብዛዕባ ጉባኤታት ዝሓሊ ብዝብል ክስመ ተቐየረ። ጸኒሖም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ፓየስ ዓስራይ በቲ ሠናይ ምክር ዝተሰምየ ሓዋርያዊ ቅዋም ንመዝነት ናይዚ ማሕበር እዚ ኣብ ርእሲ እቲ ኣቀዲሙ ዝተዋህቦ መዘነት ኣብ ምርጫ ጳጳሳትን፣ ምቋም ሰበካታትን፣ ምቋም ጉባኤታት ቤተክህነትን ብዝምልከት ጉዳያት ንቅዱስነቶም ክተሓጋገዝ መዝነት ሃብዎ። ኣብቲ  ብዕለት 15 ነሓሰ 1967 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ እተኣወጀ ዝተሰምየ ሓዋርያዊ ቅዋም እቲ  ስም እንደገና ናብታ ቅዱስ ማሕበር ጳጳሳት ተቐየረ። በቲ  ብዕለት 28 ሰነ 1988 ብርእሰ ሊቅነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝጸደቐ ሓዋርያዊ ቅዋም ኖላዊ ኄር እቲ ቅዱስ ማሕበር ጳጳሳት ዝስመ ዝነበረ ብዛዕባ ጉዳያት ምቛም ኣከባቢያውያን ኣብያተ-ክርስትያንን ጉባኤታቶምን፣ ብዛዕባ ምክፍፋላቶምን ሓድነቶምን ምስራዞምን ከምኡውን ምስ ካልእ ለውጥታት ብዝተሓሓዘን ዝዀነ ይኹን ጉዳያት ንምፍጻም ተጸዋዕነት ከም ዘለዎ ወሰኑ። ብድሕርዚ እዚ ቅዱስ ማሕበር ጳጳሳት ብ2022 ስሙ ተቐየረ ብዛዕባ ጉዳያት ጳጳሳት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ክኸውን ድማ ተወሰነ።

ጓሶት ነፍሳት ዝዀኑ ህጹታት ምምራጽ

እቲ መለክዒ ፍጹማት ዝኾኑ ሰባት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ ኣይኰነን። እዚ ብዛዕባ ጉዳያት ጳጳሳት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኸምቲ ብዛዕባ ጉዳያት ኣዋጅ ቅድስና ዝሃሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዘይኰነስ ብዛዕባ እቶም ብብርሃን ወንጌል ዝነብሩ ሕጹያት ዚገልጽ ናይ ጓሶት ነፍሳት ታሪኽ ንምግምጋም ዝገበር ኣስተውዕሎት እዩ። ብፍላይ ድማ ሓደ ካህን በቶም ሥነ መለኮታውያንን መንፈሳውያንን ሓይላት ዝመላስ ምኹኑ ብፍላይ ከኣ ዘለዎ ጥቅውና ኣገዳሲ እዩ። እዞ ናይዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እዚ ብእምነትን ብመንፈስ ኣገልግሎትን ብሕብረትን ክፍጸም ኣለዎ። ድሕርዚ እቲ ናይ መወዳእታ ገምጋም ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ መወዳእታ ውሳኔ ክወስዱ ይቐርብ።

10 Jul 2025, 15:41