ቫቲካን ኣብ ስሎቫክያ ደብረ ዝቪር ዝፍጸም መንፈሳውነት ንማርያም ኣፍልጦ ከም ዝሃበት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፣ ሳላ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተሓትመ ሓድሽ መምርሒ - ነቲ ኣብ መንጎ 1990ን 1995ን ኣብ ሊትማኖቫ፣ ኣብ እምባ ዝቪር፣ ኣብ ስሎቫክያ ከም ዘጋጠመ ምስ ዝንገረሉ ግልጸተ ማርያም ዝተኣሳሰሩ መንፈሳዊ ፍረታት ድሕሪ ምግምጋሙ፣ nihil obstat - ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይዓግትን እዩ እንክብል ሓቅነቱ ብምርግጋጽ እቲ መንፈሳዊ ተግባር ንቕድሚት ክብል ፍቓድ ከም ዝሃበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ቪክትሮ ማኑኤል ፈርናንደዝ ኣብ ስሎቫኪያ ናይ ቢዛንታይን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኤጳርቅና ፕረሶቭ ሊቀ ጳጳሳት ዮናስ ዮሰፍ ማክሲም - ነቲ ማእለያ ዘይብሉ “ቅኑዕን ዓሚቝን ኑዛዜ እምነትን” ምልዋጥን ዝጠቐሰ ሕቶ ሊቀ ጳጳሳት ጆናስ ዮሰፍ ማክሲም መልሲ ከም ዝሃቡሉን፡ እቲ ዝንገረሉ ግልጸት ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ዝተዛዘመ ክነሱ፡ ነቲ “ናብቲ ቦታ ብተደጋጋሚ ምብጻሕ ዘካይዱ ነጋድያን ዝጽገውዎ ብዙሕ መንፈሳዊ ፍረታት” ኣፍልጦ ብምሃብ ኣድናቖቶም ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ናይ ዓንቀጸ እመንት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ነቶም ተዛመድቲ መልእኽትታት ብምትንታን “ክቡር ናይ ምልዋጥ ዕድመ (ጻውዒት)” ዝሓዙ ምዃኖም ብምርግጋጽ፣ ሓደ ካብቶም ናይ ምልዋጥ ዕድመታት “ኢየሱስ ሓራ ከውጽኣካ ፍቐደሉ . . . ጸላኢኻ ድማ ነቲ ኢየሱስ ብዙሕ ደም ዘፍሰሰሉ ናጽነትካ ክድርቶ ኣይትፍቀደሉ” . . . ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንነብሳ “ሕጉስቲ” ክትብል ብምቕራብ፡ ምእመናን ብዘይ ቅድመ ኩነት ከም እተፈቐሩ ኣብ ምፍላጥ ሓቀይና መንገዲ ሓጐስ ክረኽቡ ትዕድም፡ “ልክዕ ከም ዘለዂምዎ አፍቅረኩም . . . ሕጉሳት ክትኮኑ ድማ እደሊ፡ እዛ ዓለም ሓጎስ ኣክትህበኩምን እያ” ዝብሉን፣ ሓያሎ ካልኦት መልእኽትታት ድማ መንገዲ ወንጌል ዝተሓላለኸ ከምዘይኮነ ብምርኣይ ንምእመናን ዘተባብዕን “ዝያዳ ትሑታት ክትኮኑ ይደልየኩ” ዝብል እውን ብምጥቃስ፣ ኣተሓሒዞም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ኣብ ጎይታ ሓጎስን ሰላምን ምርካብ ሰላም ክንምስክርን ክንዝርግሕን የኽእለና ከም ዝበሉን፣ ነቲ ብፍቕሪ ተደሪኹ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝህብ ክርስቶስ ብምምሳል ንተበግሶ ጐይታ ምላሽ ምሃብን ተጸምዶን ከምዘድሊ ብምዝኽኻር፣ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ምፍቃር ጽማሬ መልስናን ፍጻሜናን ይኸውን” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ኣብ ገለ ገለ ዝተወሰኑ መልእኽትታት ድማ “ገለ ዘይርጉጽን ዘይንጹርን መዳያት” ከም ዘለዎ ብምምልካት፣ ይኹን እምበር፡ ነቲ ድሮ ናይ ዓንቀጸ እምነት (ጠመቓዊ ትምህርቲ) ጉዳይ ዝከታተል ሽማግለ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ኣማእኪሉ ኣብ 2011 ዓ.ም. ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ዘይርጉጽን ዘይንጹርን ብሰንኪ እቶም ነቲ ራእይ ዝተቐበሉ ዝሃብዎ ውሽጣዊ ትርጉም ዝመጸ ምዃኑ ይገልጹ። እዞም ውሑዳት መልእኽትታት ብሓቂ ከም ኣገባብ ወይ ድማ ቅዲ ዘረባ ዘይኮኑስ ከም ውሽጣዊ ተመኩሮታት እዮም ዝቐርቡ። እቶም ነቲ ራእይ ዝነበርዎ ድማ ናብ ቃላት ክትርጉምዎ ይፍትኑ፣ እዚ ድማ ናይ ግድን ዘይንጹር ክገብሮ ይኽእል።
በዚ ምኽንያት እዚ ሊቀ ጳጳሳት ማክሲም “ነቶም ውሑዳት ምድንጋር ከስዕቡን ንሰብ ተራ እምነት ክርብሹን ዝኽእሉ ኣበሃህላታት ከይሓወሰ” እኩብ ጽሑፍ ክዝርግሑ ዝዓደመ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣስዒቡ፣ እቲ nihil obstat - ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይዓግትን እዩ ዝብል ውሳነ ናይቶም ግልጸታት መልእልተ ባህርያዊ ሓቅነት ኣፍልጦ ምሃብ ዘመልክት እውን እንተዘይኮነ፣ ግን "እንተ ደልዮም ነዚ መንፈሳዊ ሕቶ እዚ ብዘይ ገለ ሓደጋ ክቐርብዎ ምእንቲ ክኽእሉ ህዝባዊ ኣምልኾ ተቐባልነት ንኽረክብን ምእመናን ሓሳብ ንሓሳብ ንኽለዋወጡን ፍቑድ ዝብል እዩ" ብምባል፣ እቲ ዝተባህለ ግልጸት ዕለት 5 ነሓሰ 1990 ካብታ ኣብ ኣኽራናት ሰሜናዊ ስሎቫክያ እትርከብ ንእሽቶ ቁሸት ሊትማኖቫ፣ ናይ ቢዛንታዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝጀመረ ኮይኑ፡ እቲ ራእይ ሰለስተ ቆልዑ፣ ጓል 11 ዓመት ኢቨትካ ኮርካኮቫ፣ ጓል 12 ዓመት ካትካ ሴሰልኮቫ፣ ጓል 9 ዓመት ምትኮ ሴሰልካ ዝተቐበለኦ ኮይኑ፣ ቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ “ፍጽምቲ ንጽሕና” ብዝብል ስያመ ከም ዝተገለጸትለን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።