MAP

2025.06.29 Parolin expo osaka 2025.06.29 Parolin expo osaka 

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዓለም ለኻዊ ኤክስፖ፦'ጽባቐ መድሓኒት ናይ ርእሰ ፍትወር ኢዩ'

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ኣብቲ ኣብ ጃፓን እተኻየደ ዓለም ለኻዊ ምርኢት ሃገራዊ መዓልቲ ቅድስቲ መንበር ንምጽንባል ኣብ ዝለገስዎ መደረ፣ ጽባቐን ተስፋን ንርእሰ ፍትወትን ፍርህን ብኸመይ ፈውሲ ከም ዝኾኖ ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ኣብ ኦሳካ ጃፓን እተኻየደ ዓለምለኻዊ ኤክስፖ 2025 ዓ.ም. ሃገራዊ መዓልቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ንምጽንባል ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን፣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምውካል ንብምሉኦም ጃፓናውያን ፍሉይ ሰላምታ ኣቕረቡሎም።

"ኵሎም እቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ሕዝቢ ብልጽግናን ሰላምን ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር፣ ንኽቡር ሕዝቢ ጃፓን ኵሉ ሰናይ ትሚኒተይ እገልጸሎም ኣሎኹ።"

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ናይ ሚኒስተራት ኤክስኦ ዓለም ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ንነዊሕ ታሪኽ ምዝነት ሃገረ ጃፓንን ቅድስቲ መንበር ብምግላጽ ነቲ ክሳዕ መበል 470 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ብ1555 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ጃፓናውያን ካቶሊክ ዘካየድዎ ርክብ ዘሎ ታሪኽ ኣጕልሑ።

ሸሞንተ ዓመታት ሓባራዊ ክብርታት

እዘን ክልተ ሃገራት ኣዝዩ እተፈላለየ ባህላውን ሃይማኖታውን መበቈል እኳ እንተሃለወን፣ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዝገለጽዎ ግን "ንሓድሕደን ብዝሓሸ መገዲ ኽፋለጣን፣ ንሓድሕደን ክደጋገፋ ካብ ዝመርጻ ነዊሕ ከም ዝገበራ" ውን ኣጕልሑ። እቲ ኣብ መንጎ እዘን ኽልተ ሃገራት ዘሎ 80 ዓመታት ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ርክባት በቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን እተወፍዮ ከም ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ማሕበራዊ ደገፍን ዝኣመሰለ ምስ መላእ ሕብረተሰብ ጃፓንን ዘለዋ ምትእስሳር ዝጸንዐ ኢዩ።

ዋን ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ከም ዝገለጽዎ ሰላምን ርግኣትን ንምርካብ ብዘለዎም ሓባራዊ ባህጊ ከምኡውን "ነቲ ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ምፍራይ ኣጽዋር ንምቍጽጻር ዝገብርዎ ሓባራዊ ጻዕሪ" ውን ገለጹ። ነቲ ሂሮሺማን ናጋሳክን ብኣቶሚካዊ ቦምባ እተደብደቡሉ መበል 80 ዓመት ተጸምዶ ንሰላም ዝቐረጸ ታሪኻዊ ፍጻመ ምዃኑ ውን ኣዘኻኸሩ።

ጽባቐ ኣድማሳዊ ቋንቋ እዩ

ፍረ ነገር ናይቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ኤክስፖ ቅድስቲ መንበር ዘቕረበቶ ምርኢት ካብቲ ኣብ መንጐ እዘን ሃገራት ዝካፈልዎ ሓባራዊ ክብርታት ንኽልተ ብምምራጽ፣ ብፍላይ ሓደ ቀዳምነት ዝወሃቦ - ጽባቐን ተስፋን ኢዩ ክብሉ ውን ኣመልከቱ፣ ብፁዕ ካርዲናል ኣስዒቦም "ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ዓለምለኻዊ ኩነታት ጽባቐ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ" ብምባል እውን ገሊጾም።

ብፁዕነቶም ብዛዕባ ጽባቐ እንከስተንትኑ "ምሉእ ብምሉእ ክበሃል ይከኣል፣ ኣብ ዓለም ክዕቀብን ናብ ኩሉ ክባጻሕን ዘለዎ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ኣሎ" ክብሉ ውን የመልክቱ። ጽባቐ ኣብ ኩሉ ጽንኩር እዋናት ልብን ቍስልን ንምሕዋይ ይሕግዝ ኢዩ ። ጽባቐ "መድሃኒት ናይ ርእሰ ፍትወት ይኸውን፣ እዚ ድማ ንውልቀ-ሰባት ሓድነት ከም ዚህልዎምን፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሓድነት ከም ዝሰፍንን ዚገብር ኣድማሳዊ ቛንቋ" ምዃኑ ኣጕልሑ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ንዅሉ እቲ "ካብ ናይ ምትሕብባር ተበግሶታት፣ ካብ ወለንታዊ ውጥናት፣ ንዕርቅን ይቕረ ምብህባልን ዝግበር ምርጫታት" ዝምንጩ ማሕበራዊ ጽባቐ እውን ሓዊስካ፣ ዅሉ መግለጺታት ጽባቐ ኣኽቢርካ ኽርአ ክሳዕ ክንደይ ህጹጽ ምዃኑ ውን ገለጹ።

ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ "ንትንፋስ ጽባቐ ኣብዛ ዓለምና ህያው" ንምግባር፣ ነቲ ንኻልኦት ንምምሃር፣ንድኻታት ንምሕጋዝ ከምኡውን ነቶም እተኸፋፈሉ ንምትዕራቕ ዝገብርዎ ኣገልግሎት "መብዛሕትኡ ግዜ ዘይዝረበሉን ስዉርን" ግብርታት ኣጕልሑ። እዚ ዘርኢ እዚ "ንውጥናት ከሐድስን ናብ ብዙሕ ናይ ጸልማት ቦታታት ብርሃን ዘመናዊት ዓለምና ክመልስን" ይኽእል ኢዩ።

ንሓባራዊ ተብሓ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊኑ ፍረ ነገር ናይቲ ምርኢት ብምቕጻል፣ ተስፋ ምስዚ ብዛዕባ ጽባቐ ዚገልጽ ሓሳብ ኣጸቢቑ ኸም ዚተኣሳሰር ውን ገለጹ። ንክርስትያን ምእመናን ተስፋ "ኣብ እምነት ኣምላኽን ኣብ ፍቕሪ ሰብን ሱር ዝሰደደ" ከም ምኹኑ ውን ኣመልከቱ። ተስፋ ንበይኑ ድማ በናያዊ ክብሪ የብሉ ክብሉ ኣስፊሖም ገለጹ። ብሕታውነት ማሕበረሰብኣዊ ስምዒት ኣይፈጥርን ኢዩ "ብሕታዊ ኣሳልጦ ንምርካብ ኣብ ዘሎ ባህጊ ጥራይ እተሓጽረ ውን ኣይኰነን።"

ብፁእ ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዝገለጽዎ ሎሚ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ተስፋ የድሊ ኣሎ። ኣብዚ ዓመጽን ዓለምለኻዊ ብድሆታትን ዝመልኦ እዋን፣ መጻኢ ናይ መብዛሕትኦም ደቂ ሰባት ብፍርሂ እዮም ዝርእይዎ ዘለዉ። ኣስዒቦም ካርዲናል ፓሮሊን ከምዚ ብምባል ኣጕልሑ - "ንፍርሂ ፈውሲ ከምኡውን ነተጸምዶኣዊ ስጕምቲ ዘተባብዕ ነገር እንተሎ ብተስፋ ጥራይ ኢና እንረኽቦ እንኽእል” በሉ።

ኣብ መደምደምታ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፣ ተስፋ ንሰባት ኣብ ማሕበረሰቦም ንኸገልግሉ የለዓዕሎም ኢዩ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ደረጃ ኸኣ "ብፍላይ ውጥርን ግጭታትን ዘይስገር ኰይኑ ኽስምዖም ከሎ ንዘተን ንምትሕብባርን ዘይነቓነቕ ቈራጽነት ንኽገብሩ ጻውዒት ዘቕርበሎም ኢዩ" ክብሉ መደረኦም ዛዘሙ።

01 Jul 2025, 15:28