ፍራንቸስኮ 'መምህር ምሕረት' እንክብሉ ዝገለጽዎም ካርዲናል ድሪ ኣብ መበል 98 ዓመቶም ዓሪፎም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሓደ እዋን ብዛዕባ እቶም ኣብ 2023 ዓ.ም. ናብ ማዕርገ ካርዲናል ክብ ዘበልዎም ብዙሕ ግዜ ከም ኣብነት ምሕረት ዝጠቕስዎም ዝነበሩ ኣባ ድሪ ‘ዓቢይ ሰብ’ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎምን፣ እዞም ገዳማዊ ኣባል ማሕበር ካፑቺን ነዊሕ ሰዓታት ምስጢረ ንስሓ ኣብ ምስራዕ ሕይወቶም ዘሕልፉ ዝነበሩ፣ “ጎይታ ብዙሕ ይቕረ ስለ ዝበልኩ ይቕረ በለለይ። ንኹሉ ክምሕር ኣብነት ዝሃብካኒ ድማ ንስኻ ኢኻ! ” ዝብሉ እውን ምንባሮም ይዝከር።
ኣብ ኣርጀንቲና ዞባ ፈደራሲዮን ዝተወልዱ፡ ካብ 1945 ጀሚሮም ድማ ኣባል ማሕበር ካፑቺን ዝኾኑ ካርዲናል ድሪ፡ ካብ ዓሚቝ ሃይማኖታዊ ስድራቤት ዝመጹ - ካብ ትሽዓተ ኣሕዋት ድማ እቶም ሸሞንተ ናብ ገዳማዊ ሕይወት ከም ዝኣተዉን፣ ኣገልግሎቶም ብኣብነታት ኣባ ቅዱስ ፒዮን ቅዱስ ሊዮፖልድ ማንዲችን ዝተቐረጸ ወንጌላዊ ልኡኽን ኣበ ነፍስን ኮይኖም ዘገልገሉ እዮም።
ብሰንኪ ጥዕናኦም ኣብ ሮማ ነቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሰመይዎም ሓደስቲ ካርዲናላት ዘሳተፈ ኣብ ዝጸውዕዎ ጉባኤ ካርዲናላት 2023 ክሳተፍ እኳ እንተዘይከኣሉ፣ ኣብ ቡኤኖስ ኣየርስ ናይ ካርዲናል ቆብዕን ቀለቤትን ከም እተውሃቦምን ናይ ቅዱስ መልኣኽ ዘፐስከሪያን ካርዲናል - ዲያቆን መዓርግ ከም እተቐበሉን ኣብቲ እዋን’ቲ ንማዕከናት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ነቲ ሽመት ከም ዓስቢ ዘይኮነስ ካብ ር.ሊ.ጳ. ዝመጸ “ናይ ለውሃት ምልክት” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ይዝከር።
ኣባ ድሪ ካርዲናል ምስ ተሰምዩ እውን መዓልታዊ ኣብ ኣገልግሎት ምስጢረ ንስሓን ጸሎትን እዮም ዝቐጸሉ። “ ኣነ ማዕረ እቶም ናባይ ንኽናዘዙ ዝመጹ ሓጥኣተይናታት እየ ” እናበሉ ብዙሕ ግዜ ካብ ውልቃዊ ትሕትናን ኣብ ቅድሚ መንበረ ታቦትብ ብጸሎት ዘሕለፍዎ ሰዓታትን ዝሰረተ ምሕረት እዮም ዝምስክሩ ዝነበሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ኣብ 2014 "ስም ኣምላኽ ምሕረት እዩ " ዘርእስታ መጽሓፎምን ከምኡውን ኣብ 2017 ምስ ናይ ሰበኻ ሮማ ካህናትን ኣበ ነፍሳትን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ንኹሎም ኣብቲ ኣኼባ ንዝተረኽቡ ካህናት "ይቕረ ምባል ኣይትፍርሑ" ዘርእስታ መጽሓፍ ኣባ ድሪ ከም ህያብ ከም ዝዓደልዎም እውን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ሓደ እዋን ካርዲናል ድሪ ብዛዕባ ህይወቶም እንከስተንትኑ:- "ኣነ ናይ ትምህርቲ ዝለዓለ ማዕርግ የብለይን: ስልጣን እውን የብለይን። ህይወት ግን ብዙሕ ምሂራትኒ እያ: ኣዝየ ድኻ ኮይነ ስለ ዝተወለድኩ ድማ ኩሉ ግዜ ናይ ምሕረትን ሓገዝን ቅርበትን ቃል ከቕርብ ዝተጸዋዕኩ ኮይኑ ክስምዓኒ ሓጊዙኒ እዩ። ማንም ሰብ ዝርድኦን ዝቕበሎን ዘይብሉ ኮይኑ ብምሕሳብ ተስፋ ክቖርጽ የብሉን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።