MAP

ጉባኤ ጳጳሳት ንምህዳራዊ ምልዋጥ ይጽውዑ ጉባኤ ጳጳሳት ንምህዳራዊ ምልዋጥ ይጽውዑ  (@VATICAN MEDIA)

ጉባኤ ጳጳሳት ንምህዳራዊ ምልዋጥ ይጽውዑ

ካብ እስያ፡ ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ዝመጹ ናይ ጳጳሳት ጉባኤታትን ኣባይቲ ምኽርን ሕብረት (SECAM, CELAM፣ FABC) ኣበ መናብርት ከምኡ’ውን ጳጳሳዊ ሽማግለ ላቲን ኣመሪካ፡ ብመንጽር’ቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ብራዚል ዝካየድ መበል 30 ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋዕላ ለውጢ ኩነታት ኣየር - COP30፡ ፍትሒ ከባቢያውን ስነ - ምግህዳር ክቕየርን ዝጽውዕ ሰነድ ከም ዘሕተሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ኤስያ፣ ኣፍሪቃ፣ ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካን ዝመጹ ዞባዊ ጳጳሳውያን ጉባኤታትን ጳጳሳዊ ሽማግለ ላቲን ኣመሪካ ብምውህሃድ ሓይሎም ብምትሕብባር ኣብ መላእ ዓለም ፍትሒ ከባቢያዊ ኣየርን ስነ - ምህዳርን ጻውዒት የቕርቡ።

ብመንጽር’ቲ ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 21 ሕዳር 2025 ኣብ ብራዚል ከተማ ቤለም ዝካየድ መበል 30 ናይ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዋዕላ - COP30፡ እዞም ኣካላት እዚኣቶም፡ “ጻውዒት ፍትሒ ኩነታት ኣየርን ሓባራዊ ቤትን፡ ስነ - ምህዳርን ምልዋጥ፡ ምቅዋም ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየርን ንሓሶት ፍታሕን” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ሓባራዊ ሰነድ ከም ዘሕተሙን፣ ነቲ ሰነድ ዕለት 1 ሓምለ ንር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14 ከም ዘቕረብዎን፣ እቲ ሰነድ ቤተ ክርስቲያን ንፍትሒ ከባቢያዊ ኣየር ዘለዋ ተወፋይነት ደጊሙ ዘረጋግጽን ኣህዛብን መንግስታትን ናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻንን ምውጋድ ብከላ ከባቢያዊ ኣየርን ዝድግፍ ውሳታት ከተግብሩ ዝጽውዕ ኮይኑ፡ እዚ እውን ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዘቕረብዎ ጻውዒት ዝተደፋፍአ ኮይኑ፡ ምስቲ ለምዘበን ካብ ዝሕተም ዝኽሪ 10ይ ዓመት ዘብዕል ዘሎ ‘ስቡሕ ኣንተ’ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓዋዲ መልእክቲ ዝሰማማዕ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ንሕልና

"ናይ ሎሚ መልእኽትና ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዘማእከለ ዘይኮነስ ብፍሉይ ጉስነታዊ እዩ። ኣብ ህንዲ ሊቀ -ጳጳሳት ጎዋን ዳማኦን ከምኡውን ኣቦ መንበር ፈደራላዊ ጉባኤ ጳጳሳት እስያ ሕብረት (FABC) ካርዲናል ፊሊፐ ኔሪ ፌራኦ፣ ካርዲናል ጃይመ ስፐንገር ሊቀ ጳጳሳት ፖርቶ ኣለግረ ኣብ ብራዚል ኣቦ መንበር ዋዕላ ጳጳሳት ብራዚልን ኣቦ መንበር ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረትን (CELAM)፣ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ ሊቀ - ጳጳሳት ኪንሻሳን ከምኡውን ኣቦ መንበር ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጉባኤ ጳጳሳት ህብረትን (SECAM)፣ ዋና ጸሓፊት ጳጳሳዊ ሽማግለ ላቲን ኣመሪካን ኤሚሊስ ኩዳ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣው መገልጺ፣ እቲ ሰነድ ኣብ ቅድሚ ንተፈጥሮ ዘህልኽ ስርዓት ንሕልና ዚምልከት ጻውዒት ዘቕርብ ምዃኑ የብርሁ።

“ከም ልኡካነ ወንጌልን ሃዋርያት ናይ ሓንቲ እትወጽእ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን መጠን፡ ኣብ ማእከል እዚ ኣንጻር ፍጥረት ዝኾነ እናተኾላለፈ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሰላም ክንሃንጽ ናብ መበል 30 ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ለውጢ ኩነታት ኣየር - COP30 ክንከይድ ኢና፡ “ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝብልዎ ቤተ ክርስቲያን ‘ኩሉ ግዜ ብፍላይ ምስቶም ዝሳቐዩ ቀረባ ክትከውን ዝተጸውዐት ብምዃና” ክትብል ኩዳ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ትሕብር።

ካብ ኣማዞን ክሳብ ኣፍሪቃ ቤተ ክርስቲያን ድምጻ ተስምዕ

ካርዲናል ስፐንገር ብኣረኣእያ ላቲን ኣመሪካ እንክዛረቡ - "ናተይ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ህዝቢ ኣማዞን ናይ ሰማእታት መሬት ድምጺ ኢየ ዘልዕል፣ ስለዚ ብዛዕባ ከባቢያዊ ኣየርን ምህዳርን ኽንዛረብ ንኽእል ኢና - ብዛዕባ እቶም ኣብ ገምገም ሩባ ዝነብሩ፣ ደቀባት፣ ኣፍሪቃዊ - መበቆል ዘለዎምን፣ ሓረስቶትን ከተማን ማሕበረሰባት ኢና እንዛረብ። "ኣብ ኣነባብራን ምህርቲ ከምኡውን ኣብ ኣመጋግባ ለውጢ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ብህጹጽ ክንግንዘብ ኣሎና።" ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝፍጸም በደል ንምውጋድን ሓምላይ መሬት ንቁጠባዊ ረብሓ ጥራሕ ዝብል ዝተፈላለያ ኢንዳትሪታት ዝኽተለኦ አጋባብ ኣይፋል ምባል ኣገዳሲ ምዃኑ ይሕብሩ።

ብተመሳሳሊ ካርዲናል ኣምቦንጎ “ብስም ኣብያተ ክርስቲያናት ኣህጉራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን” እንክዛረቡ፣ “ምዝመዛ ሃብቲ ተፈጥሮ ኣፍሪቃን፣ ጊልያነትን ምዝመዛን ድኻታት” ዘጋጥማን ቅድድም ምዝመዛ ማዕድናት “መበገሲ ብዙሓት ዕጡቓት ጉጅለታት” ኮይኑ ከም ዘሎ ኣጉሊሖም፡ “ንኻልኦት ምህብታም ጥራሕ ዘይብል ኣብ መስዋእቲ ህዝቢ ኣፍሪቃ ዘይተመስረተ ቁጠባ” ክህሉ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ጻውዒት ኣቕሪቦም። “ኣፍሪቃ ንመጻኢ ፍትሕን ሰላምን ንኹሉ ወዲ ሰብ ኣበርክቶ ክትገብር ትደሊ” እንክብሉ ብኣጽንዖት ገሊጾም፣ “ናይ ሓሶት ፍታሕ ይኣክል፡ ነቶም ኣብ ብምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ብቐዳምነት ዝጥቅዑ ዘለዉ ከይሰማዕካ ዝውሰድ ውሳነ ይኣክል ንብል" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ብዓይኒ ኣህጉር ኤስያ ካርዲናል ፈራኦ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ “ድሮ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣዕናዊ ሳዕቤናት ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ይነብሩ ኣለዉ: ህቦብላታት: ግዱድ ስደት: ምጥፋእ ደሴታት: ብከላ ሩባታት” እንክብሉ ዘርዚሮም፣ “ናይ ሓሶት መፍትሒታት ይግስግሱ ኣለዉ: ደረት ዘይብሉ ትሕተ ቅርጺ: ንኽብሪ ደቂ ሰባት ዘየኽብር "ጽሩይ" ጸዓት ዘመዛብልን ኵሉ ኣጉሊሖም፣ ሃብታማት ሃገራት ንደቡባዊ ዓለም ናይ ወጻኢ ዕዳ እናተሰከማ ክቕጽላ ዝገብር ዘለወን ስነ ምህዳራዊ ዕዳ ኣፍልጦ ክህባሉን ኣብ ልዕሊ ምህዳር ብቐዳመንት ተሓታትነት ዘለወን ምዃነን ከስተውዕላ ከም ዘለወን የስተብህሉ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕድሪ

ብፁዕ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርኒ ናይ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ እውን ብወገኖም፣ እቲ ዝቐረበ ሰነድ ምስ ሕድሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘለዎ ምትእስሳር ኣስሚሮም፣ “ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት እዚ ​​ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ፍጻሜን ምትግባርን ‘ስቡሕ ኣንተ’ ክሓስቦ እኽእል ቢሎም፣ እዚ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝጸውዑዎን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስሚሮም ነቲ ጻውኢት ይቕጽልሉ ከም ዘለዉ ዘረጋግጽ እውን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 Jul 2025, 15:07