ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ዓበይቲ ሕንጻታት ጥራሕ ዘይኮኑስ ማእከል ሰላም እያቶም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ ምልክዓ ምድሪ ሃዋህው፡ "ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ንስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ በዳህን ኣድላዪን" ከም ዝኾነን፡ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ቤተ መንግስታትን ቀጽርታትን ስልጣን "ተሓጺሩ" ዘይኮነስ፣ "ናብ ዓውድታት ባህሊ፡ ትምህርቲ፡ ስነ ፍልጠትን ስነ ጥበብን" ዝዝርጋሕ እዩ። ስለዚ፡ ስነ ትምህርታዊ ምልውዋጥ፡ ናይ ሓባር ምርምርን ትምህርታዊ ሽርክነትን "ኣህጉራዊ ምርድዳእ" የስፍሑን "ናይ ሓባር ብድሆታት" ይፈትሑን - ነዚ ዝበሉ ዕለት 28 ሓምለ ኣብ መክሲኮ ከተማ ጓዳላኻራ ኣብ ዝተኻየደ ፈላሚ ዋዕላ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣህጉራዊ ኪዳናዊ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ (IFCU) ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ዋና ጸሓፊ ርክብ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ከም ዝኾኑን ብጹዕነቶ ካብ ዕለት 24 ሓምለ ዝጀመረ ኣብ መክሲኮ ዘካየድዎ ዑደት ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣህጉራዊ ኪዳናዊ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ተረኺቦም ድሕሪ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተራ ስነ ትምህታዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብን ስነ ትምህርቲ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን ዘሎ ምትእስሳር ብፍላይ ድማ "ብፍልጠትን ዘተን ሰላም" ከመይ ጌርካ ትሃንጽ ዝሕግዝ ምዃኑ ኣብ ዘብርህ ሓሳብ ኣተኲሮም ከም ዘነጸሩን ኣብዚ መዳይ እዚ "ብቑዕ ኮይኖም" ከም ዘይስምዖን እዚ ድማ መብዛሕትኡ ክህነታዊ ህይወቶም ኣብ "ንመጽናዕቲ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዘተኮረ ከም ዘይነበረ ስለ ዝኾነ እዩ" እንክብሉ ኣብሪሆም። ይኹን እምበር፡ ገለ "ኣብ ዓውዲ ዝረኸብዎ ትምህርቲ" ጠቓሚ ኮይኑ ከም ዝረኸብዎ ኣመላኺቶም፣ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብን ብሓቂ ድማ ወከልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ወትሩ "መብራህቲ ፍልጠትን እምነትን ንደቂ ሰባት ኣገልግሎትን" ከም ዝኾኑን፣ ኣብዚ "ብግርጭትን ውግእን፣ ምፍልላይን ዘይምትእምማንን ዝልለይ ዕግርግር ዝመልኦ እዋን" ድማ "ገበርቲ ሰላም፣ ኣብ መንጎ ባህልታትን ሃይማኖታትን ክፍሊ መጽናዕትታትን ድልድል ምርድዳእ ኣብ ምህናጽ መሻርኽቲ" ዝብል ጸዋዕታኦም ዳግማይ ከረጋግጹ ዓዲሞም፣ ካብዚ ኣረኣእያ እዚ፡ ናይ ትምህርቲ ክፍልታት "ብፍሉይ ስነ ትምህርቲ ዛዕባ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ብፍላይ ስነ-ምግባራዊ ኣስተንትኖን ኣኽብሮታዊ ዘተን ከማዕብላ ይኽእላ እየን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ክብሪ ሰብ፡ መበቆልን ውድዓውን
ኣብ ክንዲ "ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ሓሳባት ዝንቀሳቐስ ኻልእ ትካል ምዃን" ከምኡውን "ካቶሊካውነት ብምኽንያት ብዝሒ እቲ ኣብ መናድቕ ዝንበር መስቀል ወይ ብምኽንያት እቲ ኣብ ቤተ - ክርስትያን ዝበዓሉ ጽምብላት" ዘይኰነስ ሓደ ናይ ሓቂ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ፣ ሓቂ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ ምስ ርግጸይናነት እምነት ዚሰማማዕ " ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ራእይን" ብሓባር ዚመላለሰሉ፣ ከምኡውን ክብሪ ሰብ" መበገሲ ነጥብን ናይ መወዳእታ ሸቶን " ዝዀነሉ ቦታ እዩ። ስለዚ ኣብዛ "ብተዛማድነትን ውልትውናን" መሊኣ ዘላ ዓለም፣ እዚ ሱር ዝሰደደ ናይ ካቶሊክ መንነት - "ኵላዊ - ብርቱዕ ምንጪ" ማለት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝርኢ ስነ - ሰብኣዊ ጽንሰ - ሓሳብ ኢዩ። ዓሌት ሃይማኖት ዜግነት ወይ ደረጃ ብዘየገድስ ኣብ ኣምሳልን ኣርኣያን ኣምላኽ ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ሕልናን ዝተጸገወ ከምኡውን ንማሕበረሰብ እተመደበ ብምዃኑ ብዘተ ሰላም ዝሃንጸሉ "ጽኑዕ መሰረት" ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
"ዘርኢ ሰላም" ምትካል
ካብዚ ኣረኣእያ እዚ፡ ስነ ትምህርታዊ ምልውዋጥ ክእለት ጥራይ ዘይኮነስ፣ "ክፉት ኣረኣእያ ዓለም፡ ንጽልኢ ይብድህን"፡ ከምኡ'ውን "ጽምዶ ይፈጥር" እንክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣስሚሮም፣ ኣብ ክፍልታትን ቤተ -ሙከራን፡ መንበሪ ኣባይትን ቤተ - መጻሕፍትን ዝተተኽሉ "ዘርኢ ሰላም" እዮም። ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጎርያና ተማሃራይ ዝነበሩሉ ዓመታት ብምዝካር፡ "ነፍሲ ወከፍ መንበረ ጥበብ ሓደ ዓይነት ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ተልእኾ ክኸውን ይኽእል'ዩ . . . ካብ ክውንነት ዝተነጸለ ብክቡር እምኒ ዝተሰርሐ" ዘይኮነስ፡ ናይ ሰላም ባህሊ ኣብ ምቕራጽ ንጡፍ ተሳታፊ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘለዎም እምነት ገሊጾም፣ እዚ ድማ "ብባህሪኡ ውስጠ ስነ ትምህርታዊ ብምዃኑ፣ “ሓድሕዳዊ ምውድዳር” ንኹሎም ውድባት ዘሀብትም ኮይኑ፡ ንሕብረተሰቦም “ብጥበብን ርህራሄን” ክመርሑ ዝኽእሉ መራሕቲ ንምምዕባል ይሕግዝ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ኣገደስቲ መዳያት መጽናዕቲ
ኣብ ስነ ትምህርቲ ንስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ክልተ መዳያት መጽናዕቲ ኣገደስቲ እያቶም፡ ቀዳማይ፡ መትከላት ኣህጉራዊ ሕግን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ካልኣይ ድማ መጽናዕቲ ሰፊሕ ኣርስታትን ኣንክብሉ ኣብሪሆም፣ ብዛዕባ እቲ ቀዳማይ መዳይ - ኣህጉራዊ ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን - ብዙሓት ካብቶም ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ዘለዉ ብድሆታት ኲናትን ሰላምን "ብዘላቒ መንገዲ ናብዞም መትከላት ብምምላስን ብምትግባርን ጥራይ እዩ ክእለዩ ዝኽእሉ"፡ ኣህጉራዊ ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን ዕሽሽ ምስ ዝብሃል ግን፡ ድሮ ኣጸጋሚ ዝኾኑ ኩነታት "ብቕልጡፍን ብዘስካሕክሕ ሳዕቤንን ናብ ኣዚዩ ዝኸፈአ ደረጃ እዮም ዝበጽሑ፣ ክኢላታት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ይጠልብ፡ እንተኾነ ግን "ሰፊሕን ንኡስን ራእይ ዝደልዩ ሓፈሻዊ ክኢላታት እውን የድልይዎ። እቲ ቅድስቲ መንበር ምስ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንምርኻብ እትገብሮ ቘራጽነት - "ኣብ ጻዕርታትና ድማ ሰላም ነደንፍዕ ንሰብኣዊ ኽብረት ንጣበቕ ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ብፍላይ ከኣ ንድኻታት ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ከምኡውን እተገለሉ ድምጺ ንኾኖም” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።