ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ህንዲ፡ ኣብነት ሊቀ ጳጳሳት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኢቫኒዮስ የብርሁ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካቶሊካውያን ካብ ሓፈሻዊ ህዝቢ ህንዲ ብተዛማዲ ውሑድ ሚእታዊ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ እዚ እውን ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ህንዲ ትሕቲ ክልተ ሚእታዊት ዝሽፍን እንተዀኑ ቍጽሮም ልዕሊ 23 ሚልዮን ከም ዝኾነን
ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ላቲን፡ ሲሮ - ማላባርን ሲሮ - ማላንካራን ስርዓት እትውክል ከም ዝኾነት ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ክርስቶስ ምስዓብ
ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራት ብምኽያት ዝኽሪ ሊቀ ጳጳሳት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኢቫንዮስ ዕለት 15 ሓምለ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ማር ኢቫንዮስ ሎሚ’ውን ኣሕዋቱ ምስ ክርስቶስ ውልቃዊ ርክብ ከማዕብሉን ኣብ መዓልታዊ ህይወት ቅድስና ክደልዩን ንኻልኦት ብዘይ ርእሰ ፍትወት ከገልግሉን፣ ምእመናን ቅድስና ክስዕቡን ኣብ ኣሰር ክርስቶስ ክጸንዑን የተባብዓና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
መደባት ዓመታዊ ዝኽሪ ሊቀ ጳጳሳት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኢቫኒዮስ ብመራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ህንዲ ዝምራሕ ጸሎትን መቝጸርያን ምብራህ ሽምዓን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ካርዲናል ባሴልዮስ ክሊሚስ፡ ዓቢ ሊቀ ጳጳሳት ማላንካራን ናይ ትሪቫንድሩም ዓቢ ሊቀ ጳጳሳት ሓዊሱ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናት ኣባላት ማሕበር ሰብ ዉፉይ ህይወትን ምእመናን ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሊቀ ጳጳሳት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኢቫንዮስ ሎሚ እውን የነቓቕሓና
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ስብከቶም ብዓሚቕ ናይ ምስጋና ስምዒት ንነፍሲ ወከፎም ኣብ ህንዲ ዝርከቡ ካርዲናላትን ሊቀ ጳጳሳትን ኣቡናትን ካህናትን ኣባላት ማሕበር ሰብ ውፉይ ህይወትን ምእመናንን ድማ ሰላምታን ሓዋርያዊ በራኬን ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣቕሪቦም፣ "ምእመናን ኣብ ትሪቫንድሩም፡ ካብ ዘመነ ሃዋርያ ቅዱስ ቶማስ ጀሚሩ ብኹርዓት ኒሕ እምነት ዝዕቅቡ ምዃኖም ዘኪሮም፡ እቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዓመታዊ ዝኽሪ ሊቀ ጳጳሳት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኢቫንዮስ ዝዓረገ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡
“ህይወትን ተልእኾን ሊቀ ጳጳሳት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኢቫንዮስ ክሳብ ሎሚ ኣስተንፍሶ ኮይኑና ኣሎ።”
ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ቅዱስን ኣርሒቑ ዝጥምትን ራእይ ዘለዎ
"እዚ እሙን ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ኢቫኒዮስ - ይብሉ ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ቫቲካን "ኢቫኒዮስ መራሒ ቤተ ክርስቲያን ወይ መምህር ጥራይ ዘይኮነስ፣ ናይ ወንጌል ጻውዒት ሓድነትን ቅድስናን ኣገልግሎትን ዘንጸባርቕ ኣርሒቑ ዝጥምት ራእይ ዘለዎ እውን እዩ”
ቢሎም፣ እዚ ናይ ሓድነት መትከል ንኹሉ ኣገልግሎቱ ከም ፍረ ጸሎትን ትሕትናን ዘተን ከም ዝመርሖ ኣጽኒዖም ብምዝኽካር፣ "ሓቀይና ሓድነት ብጸቕጢ ዝመጽእ ዘይኮነስ፣ ካብ ወንጌል ብዝምንጨው ሓይሊ እዩ ዝረጋገጽ፣ እዚ ድማ ኣብን ወልድን ሓደ ከም ዝኾኑ ሓደ ክንከውን ዝጽውዓና እዩ . . . ኣብነቱ ኪኖ ፍልልያትና ክንጥምትን ኣብ ክርስቶስ ናይ ሓባር መሰረት ክንደልን ይድርኸና" እንክብሉ ብኣጽንዖት ከም ዘመላኸቱም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንኹለንተናዊ ትምህርቲ ተወፋይነት
ሊቀ ጳጳሳት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኢቫንዮስ ንትምህርቲ ዝነበሮ ተወፋይነት ካልእ ዓንዲ ኣገልግሎቱ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ "እዚ ትምህርቲ ሓዋርያዊ ሓድነት ብስነ ፍልጠታዊ መዳይ ጥራይ ዘይኮነስ ልዕሊ ኩሉ ብግብረ ገብን መንፈሳውን መዳይ ለውጢ ዘምጽእ ክኸውን ከም ዘለዎ ዝተረደኦን ኩለንተናዊ ክኸውን ንኵለንተናዊ ሰብ: ኣእምሮ፡ ኣካል፡ ልብን ነፍስን ዘጠቓልል እዩ” . . . ራእይ ኢቫኒዮስ ናይ ጎይታ ሓቀይናታት ደቀ መዛሙርቲ ምቛም ዝብል ምንባሩ ንሰብኣዊ ክብሪ ዓሚቕ ኣኽብሮቱን ዘርእን ምዃኑ ገሊጾም፣ ደቂ ኣንስትዮ ክመሃራ ኣለወን ዝብል ነዚ ክቡር ዕላማ እዚ ዝጣበቕ እውን ምንባሩ ብኣጽንዖት ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።።
ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ሱር ዝሰደደ ህይወት
ዋና ጸሓፊ ርክብ ቅድስቲ መንበር ምስ ሃገራት ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣስዒቦም፣ "መንፈሳዊ ጽሑፋቱ ኣገዳስነት ጸሎትን ቅዱሳት ምስጢራትን ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ሱር ዝሰደደ ሕይወት ምንባርን ዘጉልሕ” ምዃኑ ገሊጾም፣
ሊቀ ጳጳሳት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኢቫኒዮስ፣ "ኣሕዋቱ ምስ ክርስቶስ ውልቃዊ ርክብ ከማዕብሉን ኣብ መዓልታዊ ህይወት ቅድስና ክደልዩን ንኻልኦት ብዘይ ርእሰ - ፍትወት ከገልግሉን ዘተባበዐ" እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ሕድሩ ንነፍሲ ወከፍና ህያው ጻውዒት እዩ
ህይወትን ትምህርትን ሊቀ ጳጳሳት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኢቫንዮስ ኣብ እነስተንትነሉ እዋን፡ "ሕድሩ ታሪኻዊ ሓቂ ጥራይ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ንነፍሲ ወከፍና ህያው ጻውዒት እዩ። ብጸሎት ይኹን ብትምህርቲ፡ ብሓድነት ወይ ብኣገልግሎት ተልእኾኡ ኣብ ናትና ኩነታት ክንቅጽሎ ንዕደም - ምስ በሉ - ኣብ መወዳእታ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር "ናይ ክርስቶስ ሕያዋይ ጓሳ እሙናት ደቀ መዛሙርቲ፡ ተባዓት መራሕትን ርህሩሃት ኣገልገልትን ክንከውን፡ ሓድነትን ሰላምን ፍቕርን ዝነገሰላ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ክንሃንጽ ጸጋ ይሃበና" እንክብሉ ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።