MAP

31st OSCE Ministerial Meeting in Malta

ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ናብ ሃገረ ህንዲ ምብጻሕ የካይዱ ኣለዉ

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻእን ርክባት ምስ መንግስታትን ኣህጉራዊ ውድባትን ቅድስቲ መንበር ዝዀኑ ብፁእ ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር 'ማእሰር ዕርክነትን ምትሕብባርን ንምድልዳል' ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ናብ ሃገረ ህንዲ ምብጻሕ የካየዱ ኣለዉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር ጸሓፊ ጉዳያት ወጻእን ርክባት ምስ መንግስታትን ኣህጉራዊ ውድባትን ቅድስቲ መንበር ናብ ሃገረ ህንዲ ዑደት ከካየዱ ጀሚሮም ኣለዉ።

ብመሰረት እቲ ብዛዕባ ጕዕዞኦም ዝገልጽ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ ገጻት ዝርከብ @TerzaLoggia ዘጽእዎ ወግዓዊ &Բ;͸ብͻብ  ሰንበት ዕለት 13 ሓምለ ናብታ ኣብ ክፍለ ዓለም እስያ እተርከብ ሃገረ ህንዲ ምብጻሕ የካየዱ ከም ዘለዉን ክሳዕ ቀዳም ዕልት 19 ሓምለ ድማ ኣብኡ ከም ዝጸንሑን ሓቢሮም።

እቲ መግለሲ ከም ዘመልክቶ "ዕላማ ናይዚ ምብጻሕ ነቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሪፓብሊካዊት ሃገረ ህንድን ዘሎ ማእሰር ዕርክነትን ምትሕብባርን ንምድልዳልን ንምስፋሕን ኢዩ " ይብል ።

ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብታ ብዙሓት ተኸተልቲ ሃይማኖት ሂንዱ ዘለውዋ ሃገር፣ እታ ዝዓበየት ክርስትያናዊት ቤተ-ክርስትያን እያ እትርከብ።

ሰዓብቲ ካቶሊካዊ እምነት ብተዛማዲ ሒደት ሚእታዊት ህዝቢ ህንዲ እኳ እንተ ዀኑ፣ ማለት ትሕቲ ኽልተ ሚእታዊት ህዝቢ ህንዲ እኳ እንተ ዀኑ፣ ቍጽሮም ግን ኣዝዩ ብዙሕ እዩ ፣ ልዕሊ 23 ሚልዮን ከኣ እሙናን ካቶሊካውያን ኢዮም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ።

ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ መንጎ ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተል ቤተክርስትያንን፣ ሥርዓት ሲሮ-ማላባር ከምኡውን ሲሮ-ማላንካራ ዝኽተላ ኣብያተ ክርስቲያናት ተኸፋፊላ ኢያ እትርከብ።

15 Jul 2025, 15:36