MAP

2024.04.15 sorriso felicità 2024.04.15 sorriso felicità 

ቅድስቲ መንበር፦ ፖሊሲታት ሃገራት ንስድራ ቤታትን፣ ንኣደነትን ማዕርነትን ኪድግፍ ኣለዎ

ናይ ቅድስቲ መንበር ቐዋሚ ተዓዛቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጋብሪየል ካቺያ፣ ሃገራት ንስድራ ቤታትን ኣደነትን፣ ወሊድን ዚድግፍን ዜዕቍብን ፖሊሲታት ኬውጽኡ ከምኡውን ኣብ መንጎ ሰብኡትን ደቂ ኣንስትዮን ማዕርነት ከም ዝሰፍን ኪገብራ ጻውዒት ኣቕረቡለን።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጋብሪየል ካቺያ ብዕለት 14 ሓምለ ኣብቲ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ፖለቲካዊ መጋባእያ እተኻየደ ጉባኤ፣ ብዛዕባ ትግባሬ ቀዋሚ ዕቤትን ሸቶን 3 (SDG 3)፣ ኣብ ኵሉ ክሊ ዕድመ ንዝርከቡ ሰባት ጥዑይ ህይወት ንምርግጋጽን ድሕንነት ንምውሓስን ኣብ እተላዕለ ዘተ

ነዚ ለበዋ እዚ ኣቕሪቦም፦  "ንስድራ ቤታትን ንኣደነትን ከምኡውን ንወሊድ ዝድግፍን ዘዕቍብን ፖሊሲታት ማዕረ ማዕረ እቲ ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮን ሰብኡትን ዘሎ ማዕርነት ንምድንፋዕ ዝካየድ ዘሎ ተበግሶታት ክተኣታቶ ኣለዎ።"

ብዕለት 15 ሓምለ ደማ ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ እተኻየደ ጉባኤ ው. ሕ. ሃ. ብዛዕባ ጾታዊ ማዕርነትን ክምኡ ውን ብዛዕባ ሽቕለት ደቂ ኣንስትዮን ሰፊሕ መግለሲ ኣቕሪቦም።

ጥዑይ ህይወት ሠናይ ህላወን ንምውሓስ

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ካቺያ ብዛዕባ ትግባሬ ናይቲ ብዛዕባ ቀዋሚ ዕቤት ሸቶ ዝዝቲ ጉባኤ እንከስተንትኑ፣ ጥዕና ሕማም ዘይምህላው ጥራይ ዘይኰነስ "ምሉእ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ማሕበራውን መንፈሳውን ስምዒታዊ ድሕንነትን" ከምኡውን "ኣገዳሲ ኽፍሊ ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤት" ምዃኑ ብምጕላሕ ውን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ገለጹ።

እንተዀነ ግን ኣብዚ ጉባኤ እዚ "ከም እኒ ተነቃፊ ኣገባብ ጥዕና፣ እኹል ገንዘብ ዘይምርካብ ከምኡውን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ተመሓላላፊ ሕማማት ዝኣመሰለ ዘየቋርጽ ዕንቅፋታት፣ ነቲ ዘሎ ናይ ጥዕና ብድሆታት የጋድዶ ኣሎ" ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

ነዚ ብድሆታት እዚ ንምስጋር ከምኡውን ጥዕናን ሠናይ ህላወን ንዅሎም ንምግንዛብ ነቲ ኣብ ትግባሬ ፖሊሲታት ሃገራት ዘሎ ምትሕንፋጽ ምስ ካልእ ሸቶታት ኣፍልጦ ዝህብ ሰፊሕን እተወሃሃደን መምርሒታት ትግባሬ ክቕበል ከም ዘለዎ ኣስመሩሉ።

ብዘይካዚ እዞም ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ው. ሕ. ሃ. ጥዕናን ሠናይ ህላወን ንምርካብ ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ወገናትን እንተላይ ነቶም ዘይተወልዱ ዕሸላትን ኣረጋውያን ስንኩላንን ስደተኛታትን ከምኡውን ነቶም ግጭት ኣብ ዝበዝሖ ኸባቢታት ዚነብሩ ደቂ ሰባት ፍሉይ ቈላሕታ ኺግበረሎም ከም ዘለዎ ኣትሪሮም ተዛረቡ።

ኣብዚ ውዳቤ እዚ "ስነ-ምግባራዊ ወይ ቍጠባዊ መደባት ክንክን ጥዕና ፈጺሙ ከቃርጽ የብሉን፣ ኣብ ውድ ሰብ ዘተኰረ ዕላማ ክኸውን ድማ ኣለዎ" በሉ።

በዚ ምኽንያት እዚ እዞም ሊቀ-ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ እተን ኣብ ሃይማኖታዊ ሰረት እተመስረታ ውድባት እንተላይ ካቶሊካውያን ትካላት ጥዕና "ኣገዳሲ ግደ" ኸም ዘለወን ኣመልከቱ፣ ምስዘን ትካላት እዚኣተን ዘሎ ሽርክነት ምድልዳል፣ እዚ ድማ ኣብ ክንክን ጥዕና ዘተኰረ ሰብኣውነት ንኪኸውን ከም ዝሕግዝ ድማ ኣስፊሖም ገለጹ።

ሊቀ-ጳጳሳት ካቺያ ከም ዘመልከትዎ ኣብ ክንክን ጥዕና ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ኣበርክቶ ኣብ ምግባር፣ ብዛዕባ እታ ኣስታት ርብዒ ንጥፈታት ናይቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ጥዕናዊ መሳለጥያታት እትቈጻጸር ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ነቶም ዝደኸዩን ኣብ ምሕዱግ ዞባታት ንዝርከቡን ክትከናኸኖም ዘለዋ ተጸምዶ ውን ገልጹ።

ጾታዊ ማዕርነት ምህናጽን ንዅለን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ ምስታፍን

እዞም ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ንጽብሒቱ ኣብ እተኻየደ ዋዕላ ብዛዕባ ጾታ ማዕርነት ምድንፋዕን ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ ንምስታፍን ኣብ እተኻየደ ዘተ መደረ ኣቕሪቦም።

ከምዚ ድማ በሉ - "ጾታዊ ማዕርነት ኣብቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ዝሃቦም ማዕረ ዝኾነ ክብሪ እተመስረተ ኢዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ኵሉ ኵነታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታትን [...] እዚ ብርትዓዊ ኣተሓሳስባ ጥራይ እውን ከይተረፈ ምሉእ ብምሉእ ክንሰምረሉ ዘሎና መሰረታዊ ስርዓት 'ንሰብኣዊ ክብርን ንሰብኣዊ መሰላትን ንምዕቋብ ዘጕልሕ' ምዃኑ ገለጹ።"

ሊቀ-ጳጳሳት ካቺያ ነዚ ማዕረ ዝኾነ ኽብሪ ደቂ ሰባት እዚ ኣፍልጦ ምሃብ ኣብ ዘተን ውዕላትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምብጻሕ ወሳኒ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ ምዃኑ ውን ገለጹ። "ይኹን እምበር ኣፍልጦ ምሃብ ጥራይ እኹል ኣይኰነን " ክብሉ ውን ኣጠንቀቑ። ከመይሲ "ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤት ንኽብጻሕ ዘኽእል ኵነታት ምፍጣር ዝሓትት ኢዩ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ብሉጽ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ምርካብ፣ ከምኡውን ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ጽቡቕ ስራሕን ተሳትፎን ከም ዝገብራ ውን ዝሓትት ኢዩ ።"

ብፁእ ሊቀ-ጳጳሳት ካቺያ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ዘተ ዝዀነ ይኹን ትርጕም ዘለዎ ምይይጥ፣ ነቲ ብሚልዮናት ዝቝጸራ ደቂ ኣንስትዮ እንተላይ ኣብ ድኽነትን ዓመጻን ግሉልነትን ዘይንጸል ዕቤት ንኸረኽባ ዘኽእለን ስርዓታዊ ዕንቅፋታት ክፈትሖ ከም ዘለዎ ውን ተላበዉ።

"ነዚ ዘይፍትሓዊ ተግባራት እዚ ምፍታሕ፣ ስነ-ምግባራዊ ኣድላይነት ከምኡውን ነባሪ ዕቤትን ምዕብልናን ንምግባር ዘድሊ ቀንዲ ረቛሒ ኢዩ" ብምባል ውን ኣጕልሑ።

ኣብዚ መዳይ እዚ እዞም ቀዋሚ ተዓዛቢ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር "እቲ ንደቂ ኣንስትዮን ሰብኡትን ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤታትን ማሕበረሰባትን ዘለዎም ግደ ክዕቈብ ኣለዎ" ብምባል ኣትሪሩ ተዛረቡ።

"ንስድራ ቤታትን ንኣደነትን ከምኡውን ወሊድን ዝድግፍን ዘዕቍብን ፖሊሲታት ጐኒ ጐኒ እቲ ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮን ሰብኡትን ማዕርነት ንምድንፋዕ ዝግበር ዕላማታት ክተኣታቶ ኣለዎ " ብምባል ውን  ኣረጋገጹ።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ካቺያ ኣብተን ናይ 2030 መደባት ቅድሚ ፍጻሜ ዝካየዳ ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ ዓመታት እቶም ተወከልቲ "ንዘይንጸል ዕቤት ናይ ነፍሲ ወከፍ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምድንፋዕን ምዕቋብን ሓድሽ ቈራጽነት ክግበሩ ጻውዒት" ኣቕሪቦም።

17 Jul 2025, 13:08