MAP

2025.06.21 Apsa ingresso dicastero 2025.06.21 Apsa ingresso dicastero 

ሌላ ምስ ቅድስቲ መንበር፣ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ቀዋሚ ንብረታት ሓዋርያዊ መንበር

APSA - ምምሕዳር ቀዋሚ ንብረት ሓዋርያዊ መንበር - ነቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ንብረታትን ቍጠባዊ ትሕድርትን ከመሓድር ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል ኢዩ ። እዚ ኸኣ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብ2014 ኣብ ዘበገስዎ ተሓድሶ እተረኽበ ዝለዓለ ብርሃን ብዘለዎ መንፈስ ዝተገብረ ሓድሽ መንገዲ ምሕደራ ኢዩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዕዮ ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት እዚ ብፍላይ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘበገስዎ ተሓድሶ ኣትሒዙ ንጹር ኰይኑ ኣሎ። ምምሕዳርን ሓልዮትን ቀዋሚ ንብረት ሓዋርያዊ መንበር (APSA) ነቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቁጠባዊ ትሕድርቲ ክሓሊ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብዚ እዋን እዚ ፋቢዮ ጋስፐሪኒ ዋና ጸሓፊ ናይዚ ጳጳሳዊ ተቕዋም ዀይኑ የገልግል ኣሎ።

ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ

ብ1878 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 ነቶም ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ኒና ከም ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ቅዱሳት ስፍራታትን ዝሓልን፣ ኣመሓዳሪ ቀዋሚ ንብረታት ቅድስቲ መንበርን ኮይኖም ከገልግሉ መዘዝዎም፣ ነቲ ድሕሪ 1870 ዓ.ም. ምስ ቅድስቲ መነብር ዝተረፈ ውዕላት ድማ ከም መስተናብር ኮይኖም ክመርሑ ሸምዎም። ብ1880 ዓ.ም. ከምኡ ውን በቲ  ጸኒሑ ብ1883 እተመሓየሸ ኣዋጅ ሕጋዊ ሰነድ  ኣቢሎም ብድምጺ ኣማኸርቲ ምምሕዳር ኦቦሎ ዲ ሳን ፒትሮ (ምጽዋታት ቅዱስ ጴጥሮስ) ከምኡውን ውርሻታት ናይ ቅድስቲ መንበር ዝቈጻጸር ሽማግሌ ካርዲናላት ኣቘሙ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13፣ ብዕለት 30 ሚያዝያ 1891 ዓ.ም. ብኻልእ ዘውጽእዎ ሰነድ ሕጋዊ ኣዋጃት፣ ነዚ ሽማግሌ ካርዲናላት እዚ ብቐጥታ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ኣሰከምዎ፣ እዚ ሽማግሌ ካርዲናላት እዚ ድማ ንዅሉ እቲ ምስኡ እተተሓሓዘ ጨንፈር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቍጠባዊ ጕዳያትን ናይ ምሕላይን ምምሕዳርን ሓላፍነት ተዋህቦ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1926 ዓ.ም. ብሓደ ሰንድ ሕጋዊ ኣዋጃ ፒየስ መበል ዓሰርተው ሓደ  ምምሕዳራዊ ኣብያተ - ጽሕፈት ናይ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፣ ቅዱሳት ማሕበራትን ምስ ሓፈሻዊ ምምሕዳር ቀዋሚ ንብረት ቅድስቲ መንበር ክጽምበር ድማ አዘዙ።

በዚ ኸምዚ እቲ ጳጳሳዊ ቤትጽሕፈት ብኽልተ ኽፋላት ዝቘመ ዀይኑ ነፍሲ ወከፉ ብሓደ ኻብቶም ሰብ መዚ ናይዚ ሽማግሌ ካርዲናላት ክመሓደር ወሰኑ፦

እቲ ቀዳማይ ክፋል ሓፈሻዊ ምሕደራ ብዛዕባ እቲ ኣቀዲሙ እተዋህቦ መዝነት ምሕደራ ቀዋሚ ንብረታት ቅድስቲ መንበር ዝሓሊ ኮነ፣

እቲ  ብዕለት 11 ለካቲት 1929 ነቲ መንግስቲ ኢጣልያ ንቅድስቲ መንበር ዚኸፍሎ ዝነበረ ገንዘብ ንምቍጽጻር ተባሂሉ ድማ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒየስ መበል ዓሰርተው ሓደ &Բ;እተመስረተ ፍልይ ዝበለ ኽፋል Ljድራ፣ ናይቲ  ብዕለት 11 ለካቲት 1929 ዓ.ም. እተገብረ ውዕል ላተራን ተቘጻጻርን፣ ምሕደራ ቝጠባዊ ውዕላትን ንምፍጻም ተመስረተ። እዚ ኽፋል እዚ ነቲ ኣቐዲሙ ብፍሉይ ምምሕዳር ቅድስቲ መንበር እተመዘዘ ሓላፍነታት ክፍጽም ድማ ሓላፍነት ተዋህቦ።

ሰራሕተይናታት ጳጳሳዎ ቤትጽሕፈት ምሕደራ ቀዋሚ ንብረት ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ቤተ መጽሕፍቲ ቫቲካን
ሰራሕተይናታት ጳጳሳዎ ቤትጽሕፈት ምሕደራ ቀዋሚ ንብረት ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ቤተ መጽሕፍቲ ቫቲካን

ተሓድሶን ኣብ ቀረባ እዋን እተራእየ ምዕባለታትን

ብዕለት 15 ነሓሰ 1967 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ በቲ ኣስተናብሮ እንተ ላዕለ ኩሉ ቤተክርስቲያን  ዝተሰምየ ሓዋርያዊ ቅዋም ኣቢሎም ዝመስረትዎ፣  ነቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ንብረታት ዘመሓድ ተቕዋም ቅድስቲ መንበር፣ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ሃብዎ፣ እዚ ድማ ንዕዮ ናይ ኩርያ ሮማና ንምስልሳል ዘድሊ ገንዘብ ንምምእራር ተባሂሉ እተገብረ ምትዕርራይ ኢዩ ዝንበረ።

ብዕለት 8 ሓምለ 2014 ብሓደ ሰነድ ሕጋዊ ኣዋጃት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ነቲ ሓድሽ እተመስረተ ቍጠባዊ ቤትጽሕፈት፣ ካብቲ መንግስታዊ ሓላፍነታቱ ማለት እቲ "ተራ ኽፋል" ምምሕዳር ቅድስቲ መንበር ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ መዝነት ክስከምን፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ብወርሒ ሰነ 1988 ዓ.ም.  ዝጸደቐ ኖላዊ ኄር እተሰምየ ሓውርያዊ ቅዋም ናብ ተራ ኽፋል ተመዲቡ ዝነበረ መዝነታቱ ናብ ቍጠባዊ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ከም ዝመሓላለፍ ገበርዎ።  

ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ መዝነት ጳጳሳዊ ቤትጽሕፈት ምሕደራ ቀዋሚ ንብረት ሓዋርያዊ መንበር፡

እቲ ቐዳማይ ንንብረትን ንቝጠባዊ ምምሕዳር ብሓላፍነት ይከታተል፣ እቲ ኻልኣይ ከኣ ነቲ ምምሕዳራውን ዕለታውን ንጥፈታት ይቈጻጸርን ቍጠባዊ ሓልዮት ይገብርን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2020 ዓ.ም. ዝውጽእዎ ሰነድ ኣቢሎም ሓላፍነት ናይዚ ተቕዋም እዝን ኣሰራርሓኡን መምርሒታት ኣውጽኡ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ነቲ ኣብ ውርሒ ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ዝወጸ ኣብ ቍጠባዊ ጕዳያት ዝርአ እተወሰነ መዝነታት ብዚምልከት ንኸምሓድር ነዚ ተቕዋም እዚ መዝነት ሃብዎ።

ተልኾታት እዚ ተቕዋም

ከምቲ ሓዋራያዊ ቅዋም ስብኩ ወንጌለ (2022) ዘጽደቖ ምምሕዳር ቀዋሚ ንብረት ሓዋርያዊ መንበር (APSA) ነቲ ንረብሓን ኣገልግሎትን ናይ ኩሎም ክፍልታት ኣብያተ - ክርስትያን ዝኸውን ግቡእ ዕማምን፣ ዕለታዊ ንጥፈታት ናይ ሮማ ኩርያ ንምስልሳል ዘድሊ ነገራት ንምምላእ ዘኽእል ምምሕዳርን ሓልዮትን ናይ ቅድስቲ መንበር ብሕድሪ እተዋህቦ ኣካል ኢዩ።

ምምሕዳር ቀዋሚ ንብረት ሓዋርያዊ መንበር ንብሕታዊ ንብረትን ገንዘብን ቀዋምን ተንቀሳቃስን ብዝምልከት ኩል ኣብ ምምሕዳር ብሕድሪ ንዝተዋህብዎ ትካላት ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ኣለዎ። ኩሉ ቍጠባዊ መስርሕ ቅድስቲ መንበር፣ በቲ ትካል ዕዮ ሃይማኖት (IOR) ዝተሰምየ ባንክ ቫቲካን ዝገብሮ ንጥፈታት ኢዩ ድማ ዝፍጸም።

ምምሕዳር ቀዋሚ ንብረት ሓዋርያዊ መንበር ብተወሳኺ ንተራ ንጥፈታት ኩርያ ሮማና ኣድላዪ ምዃኑ የረጋግጽ፣ ንዕዮ መዝገብን ሕሳብን ንብረትን ከምኡውን ንኻልእ ኣገልግሎታት ብዝምልከት ብሓላፍነት ይከታተል። ነተን ምስ ቅድቲ መንበር እተተሓሓዛ ካልኦት ትካላት ወይ ብኻልእ መገዲ እንተ ተመስሪተን ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ክህበን ይኽእል ኢዩ።

11 Jul 2025, 13:15