ቅድስቲ መንበር፦ መንእሰያት ተመራመርቲ ናብ ዕምቈት ህዋ ይጥምቱ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እዛ ኣህጉራዊት ጕጅለ ኣብቲ ኣብ ካሰል ጋንዶልፎ ዝርከብ ህንጻ ተቕዋም ሥነ ምርምር ህዋ ቫቲካን ናይ ድራር እንግዶት ብምክያድ ነቲ ኣጋጣሚ ጸምበለቶ። ንጽብሒቱ ንግሆ እቲ ኣርባዕተ ሰሙን ዝወስድ ስነ-ምራዊ ውጥን ብዕሊ ተጀመረ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ዓበይቲ ሊቃውንቲ ስነ ህዋ ዘቕርብዎ ኣስተምህሮታት ተፍባራዊ መጽናዕትታት፣ ናብ ፍሎረንስ ኦርቪቶ ሱብያኮ ኦስቲያ ኣንቲካ ብምኻድ ዝግበር ምርምራት ከምኡውን ግብራዊ ምርመራ መዝገብ ሓበሬታትን ዘጠቓልል ክኸውን ኢዩ።
ብዛዕባ መጻኢ ስነ ፍልጠት ትርጕም ዘለዎ ምርምር ምክያድ
ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣሪዞና እተመረቐን ሕጂ ከም ኣወሃሃዲ ናይዚ ውጥን መጽናዕቲ ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ኢቺ ኤጋሚ ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ሥነ-ስርዓት ኣብ ዘቕረቦ መደረ ከምዚ ብምባል ኣጕልሐ - "ኣብ እዋን እዚ ኣብ ሥነ-ከዋኽብቲ ኣዝዩ ፍሉይ ዝኾነ መዋእል ኢና ዘሎና። ከም ናይ ጀምስ መርበብ ተለስኮፕ ዝኣመሰለ ሰውራዊ ውጥን ኣብ ሓደ ዘመን ሓንሳእ ወይ ክልተ ግዜ ጥራይ ኢዩ ዝካየድ።" ኤጋሚ እቲ ሸቶ ፍልጠት ንምክፋል ጥራይ ከም ዘይኰነ ውን ኣጕልሐ - "እዚ ናይ ክረምታዊ ዓውደ መጽናዕቲ እዚ ማሕበረሰብ ንምትብባዕ መራኸቢታት ንምህናጽ ከምኡውን ንዝቕጽል ወለዶ ተመራመርቲ ሓይሊ ንምሃብ ዝዓለመ ኢዩ" ክብል ውን ኣመልከተ
እቲ ኣትኵሮ ኣብቲ ምርምር JWST ኣጸቢቑ ዝማዕበለሉ ኣርባዕተ መዳያት ዘተኮረ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ጥንታዊ ብርሃን ቅድመ ዓለምን ፍልቀት ህዋን፣ ምፍጣርን ፍልቀትን ጋላክሲታት፣ ውልደት ከዋኽብትን ፕሮቶፕላነታዊ ስርዓታትን፣ ከምኡውን ፕላነታትን መበቈል ህይወትን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ክኸውን ኢዩ ።
ተግባራዊ ኣውደ መጽናዕቲ ኣብ ሓቀይና መዝገብ ሓበሬታት JWST ቀንዲ ክፍሊ ናይዚ ስልጠና ክኸውን እዩ። ደድሕሪ ኤጋሚ ድማ ፍሉጣት መምህራን ክቡር ኣባ ጋይ ኮንሶልማኖ ካብ ማሕበር ኢየሱሳውይንን ኣወሃሃዲ ናይቲ ቀቕዋም ሥነ ነህዋ ሃገረ ቫቲካንንን፣ ክቡር ኣባ ዴቪድ ብራውን ካብ ማሕበር ኢየሱሳውያንን ሓለቓ እቲ ክፍሊ ትምህርትን ከምኡውን ካብ ማድሪድ ካልተክ ካምብሪጅ ስዊዘርላንድ ዝመጹ ክኢላታት ዝሳተፍዎ ክኸውን ኢዩ።
ውጥን እምነትን ስነ ፍልጠትን
ካብ 1986 ኣትሒዙ ተቅዋም ምርምር ሥነ ህዋ ሃገረ ቫቲካን ነዚ ኣህጉራዊ ዓውደ መጽናዕቲ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ወዲቡ ከካይዶ ጸኒሑ ኣሎ። ብናጻ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ዝካየድ ኮይኑ ብማሕበር ምትሕግጋዝ ተቅዋም ሥነ ምርምር ህዋ ሃገረ ቫቲካን ኣቢሉ ብዝዋጻእ ወፈያታት ድማ ዝምወል ኢዩ። ልዕሊ 400 ዝዀኑ መንእሰያት ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ነዚ ውጥን እዚ ክሳዕ ሕጂ ተኻፊሎሞ ይርከቡ ኣለዉ፣ ሕጂ ድማ ንገጽ ዘመናዊ ስነ-ከዋክብቲ ዳግም ክቐርጹ ይርከቡ ኣለዉ።
ኣብዛ ዓመት እዚኣ ካብ ከም ህንዲ ብራዚል ጀርመን ደቡብ ኣፍሪቃ ሞሮኮ ኒው ዚላንድ ፖላንድ ኣርጀንቲና ኮሎምብያ ግብጺ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝመጹ መንእሰያት ኣብዚ መደብ ዓውደ መጽናዕቲ እዚ ይካፈሉ ኣለው ።
ተወሳኺ ሓበሬታ
ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ክረምቲ ቫቲካን 2025 ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ወግዓዊ ወብ ሳይት ክርከብ ይከኣል እዩ ፦
🔗
📧 ርኸቡና፦ director@specola.va / staff@specola.va .