MAP

መዓልቲ ኢዮቤል ስፖርት፡ ጎበልላትን ኢደ ጥበባውያንን ተስፋ መዓልቲ ኢዮቤል ስፖርት፡ ጎበልላትን ኢደ ጥበባውያንን ተስፋ 

መዓልቲ ኢዮቤል ስፖርት፡ ጎበልላትን ኢደ ጥበባውያንን ተስፋ

ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ካብ ዕለት 14 - 15 ሰነ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ መዓልቲ ኢዮቤል ስፖርት፡ ስፖርት ከም ምንጪ ጽንዓትን ሕውነትን ዘለዎ ተራ ከነስተንትነሉ ይዕድመና።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ ኣብ ቤት ሕንጻ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ መዓልቲ ኢዮቤልዮ ስፖርት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “ስፖርት ድሕሪ ውድቀት ክንትንስእ ይምህረና፣ ልክዕ ከምቲ እምነት ኣብ እዋን ጸገም ዝድግፈና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እዚ ንኽልተ መዓልታት ዝጸንሕ መደብ መዓልቲ ኢዮቤል ስፖርት፡ ሰንበት ዕለት 15 ሰነ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዛዘም ምዃኑ ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፈት ኢጣልያዊት ናይ ምሕምባስ ኦሎምፒክ ነበር ስፖርተይና ኖቬላ ካሊጋሪስ፡ "ንሓደ ኣትሌት፡ ናይ ዘይምስዓር ኣጋጣሚ ወሳኒ'ዩ - ሓደ ሰብ ብሓቂ መን ምዃኑ ዝገልጽ ህሞት'ዩ፡ ከመይ ገዛእ ርእሱ ከም ዘመሓይሽን፡ እንታይ ክመሃር ከም ዘለዎን፡ ከምኡ'ውን ቀጻሊ ሸቶኡ ብኸመይ ክገልጾ ከም ዘለዎ ዝሕግዝ እውን እዩ" ከም ዝበለት ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፣ ካሊጋሪስ ናይ መጀመርታ ኢጣልያዊት ሓምባሲት መዳልያ ኦሎምፒክ ተዓዊታ ኣብ ናይ 800 ሜትሮ ናጻ ቅድድም ምሕምባስ ክብረወሰን ዓለም ዘመዝገበት ከም ዝነበረትን፣ ኣብቲ ብዛዕባ መዓልቲ ኢዮቤል ስፖርት ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስ ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳያት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኾሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ፡ ኣሜልዮ ካስትሮ ግሩሶ፡ ስፖተይና ናይ ኣካለ ስንኩላን ኦሎምፒክ ከምኡ’ውን ናይ ቫቲካን ጉዳያት ኦሎምፒክ ስፖርት ኣቦ መንበር ጃምፓውሎ ማተይ ከም ዝሓበሩ ኣፍሊጡ።

ኪኖ ዓወት

እቲ መደብ መዓልቲ ኢዮቤል ስፖርት ሰንበት ዕለት 14 ሰነ፣ “ተስፋ ዘሀልው ህሞት፡ ዛንታታት ኪኖ ናይ ዓወት መድርኽ”  ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ኣብ ጳጳሳዊ ኣጎስቲኒያኑም ተቛም ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ብዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ከም ዝጅመርን ተሳተፍቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክራኸቡን ኣብዚ ርክብ እዚ ቅዱስነቶም ቃለ ምዕዳን ክልግሱ ከም ዝኾኑን፣ ኵሎም ተሳተፍቲ ብቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክሓልፉን ምሸት ተዓዋቲ ኦስካር ዝኾነ “ሰረገላታት ሓዊ” ዘርእስቱ “ኒሕ እምነትን ስፖርትን ዘዘንትው ፊልም ንምርኢት ክቐርብ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓንቲ ዓባይ ጋንታ

መዓልቲ ኢዮቤል ስፖርት ውድድር ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ኣብ ኩሉ ዕድመ ዝርከቡ ስፖርተይናታት ምስ ኣሰልጠንቲ፣ ኣዳለውቲ፣ ደገፍቲ፣ ከምኡ'ውን ኣባይቲ ስድራ ስፖርተይናታት ሓቢሮም ዝነብርዎ ክርስትያናዊ ተመክሮ እዩ። ሓንቲ ዓባይ ጋንታ፡ ብሓባርን ብማዕረ ኣብ እምነት እትጓዓዝ ሜዳልያታት ዘየገድሶ ኩነት ምዃኑ ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተሓበረ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፣ መዓልቲ ኢዮቤል ተስፋ ዕለት 15 ሰነ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዛዘም ምዃኑ ይሕብር።

13 Jun 2025, 16:27