ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ናይ ልዕሊ 170 ዝኾኑ ሰማእታት ዝምልከት ኣዋጃት ኣጽዲቖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ዝሓለፈ ዓርቢ ንግሆ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስቶም ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ኣዋጅ ቅድስና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝዀነ ብፁዕ ካርዲናል ማርቼሎ ሰመራሮ ተራኺቦም፣ ነቲ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ድማ ሰነዳት እተፈላለየ ኣዋጃት ብፅዕና ዝምልከት ከሕትም ፈቒዶም።
ገለ ኻብዚ ኸኣ ሓደ ኻህን ሰበኻ ስጳኛ ብኣማላድነቱ እተፈጸመ ተኣምርን ከምኡውን ሓያሎ ኻህናትን ተራ ምእመናንን ብሰንኪ እቲ ኣብ ስጳኛን ፈረንሳን ዝነበረ ስደት ክርስትና ብሰማእትነት ከም እተቐትሉ ዚሕብር ሰነዳት እዩ ዝነበረ። ገለ ኻብዚኣቶም ውን ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነት ይርከብዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ካብ ብራዚልን ኢጣልያን ዝኾኑ ኣርባዕተ ኣገልገልቲ እግዚአብሔር ዝፈጸምዎ ጅግንነት ውን ኣፍልጦ ሂቦምሉ ይርከቡ።
ኣባ ሳልቫዶር ቫለራ ፓራ
ሓደ ኻብቲ ኣዋጃት ናይ ክቡር ኣገልጋሊት እግዚአብሔር ኣባ ሳልቫዶር ቫለራ ፓራ ብኣማላድነቱ እተፈጸመ ተኣምር ምዃኑ ውን ኣፍልጦ ዝህብ ነበረ። ክቡር ኣገልጋሊት እግዚአብሔር ኣባ ሳልቫዶር ቫለራ ፓራ ብዕለት 27 ለካቲት 1816 ኣብ ሁርካል-ኦቬራ ስጳኛ ተወሊዱ፣ ንሱ ካህን ሰበኻን፣ ሊቀ ኻህናትን ቆመስ ናይ ቍምስና ህዌርካል-ኦቬራን እዩ ዝነበረ፣ ኣብኡ ድማ ብዕለት 15 መጋቢት 1889 ሞተ።
ክቡር ኣባ ፓራ ብቐዳምነት ኣብ ዓዱ ከም ቆሞስ ደሓር ከኣ ዓቃቤመንበር ኮይኑ ዘገልገለ እዩ። ብ1853 ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ተሸመ፣ ብ1859 ከኣ በቲ ከም ካህን መጠን ዝነበሮ ኣገልግሎትን ኣብነታዊ ህይወትን ፍሉይ ብሉጽነት ኣገልግሎት ኣርኣየ። ኣብቲ ኸባቢ ለብዒ ሸሮኽን ዕንወትን ግዳያትን ዘስዓበ ብ1863 ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ደኺመ ኸይበለ ብትግሃት ኣገልገለ።
ብተወሳኺውን ክቡር ኣባ ፓራ ነቲ ብተደጋጋሚ ዝነድድ ዝነበረ ባርዕ ኣብ ምጥፋእ ብንጥፈት ይሕግዝ ነበረ፣ ጸኒሑ ኸኣ ንስኡናት ገንዘብ ንምእካብ ጻዕርታት ይገብር ነበረ። ብ1885 ምስታ መስራቲት ንኣሽቱ ኣሓት እቶም ገለሉ ኣረጋውያን ዝዀነት ቅድስቲ ተሬዛ ጆረት ኰይኑ ንኣረጋውያን ዚኸውን መንበሪ መስረተ።
ንሱ ኣብ ኣምላኽ ዓሚቝ እምነት ዝነበሮ ሰብኣይ ኢዩ ዝነበረ፣ ዓሚቝ ናይ ጸሎት ህይወት ውን ነበሮ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ፍልይ መንፈሳውነትን ናብ ቅድስቲ ድንግልማርያም እተወፈየ ካህን ነበረ። ምብጻሕ ናብ ቅዱስ ቍርባን ምግባርን፣ ከምኡ ውን መንፈሳውነት ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘፎርሳከን ክጉስጉስ ጀመረ ኣብ ሁርካል-ኦቨራ ድማ ከም ድንግል ናይ ፈለግ (ቨርጀን ደል ሪዮ) ብዝብል ስያሜ ይፍለፍ ነበረ።
ኣባ ማኑወል ኢዝኲርዶን 58 ብጾቱን
ብዘይካዚ እቲ ኣዋጅ ሰማእትነት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ማኑወል ኢዝኲርዶ ኢዝኲርዶ ካህን ሰበኻን ከምኡውን ናይ 58 ብጾቱ ካብ ሰበኻ ያሄን ስጳኛን ዝሕብር እዩ ዝነበረ። ካብ 1936 ክሳዕ 1938 ኣብ ዝነበረ እዋን ውግእ ሓድሕድ ስጳኛ ብሰንኪ ስደት ክርስትና ተቐትሉ።
ኣባ ኣንቶንዮ ሞንታኔዝን 64 ብጾቱን
እቲ ኣዋጅ ነቶም ካብ 1936 ክሳዕ 1937 ኣብ ዝነበረ እዋን ውግእ ሓድሕድ እተቐትሉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣባ ኣንቶንዮ ሞንታኔዝ ቺኬሮን 64 ብጾቱን ውን ሰማእታት ከም ምንባሮም ይምስክር።
ብሰንኪ ስደት ክርስትና እተቐትሉ ሰማእታት
እቲ ኣዋጅ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ራይሞንድ ከይሬ ዝተባህሉ ካህን ሰበኻ ሰማእት ምዃን ኣፍልጦ ዝህብን፣ ከምኡ ውን ጀራርድ ማርቲን ሰንድሪየር ዚበሃል ኣባል ማሕበር ሰብ ውፉይ ሕይወት ንኡሳን ኣሓውን፣ ሮጀር ቫለ ዚበሃል ተመሃራይ ዘርኣ ክህነትን፣ ዣን መስትረ ዝተባህለ ምእመንን፣ ከምኡውን 46 ብጾቶምን ካብ 1944 ክሳዕ 1945 ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ስደት ክርስትና ከም እተቐትሉ ውን ይምስክር።
ተፈላጥነት ዝረኸበ ጅግንነት ዝመልኦ ምክርነት
እዚ ኣዋጃት እዚ ኣስዒቡ ነቲ እዞም ስዒቦም ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝፈጸምዎ ጅግንነት ዝመልኦ ምስክርነት ኣፍልጦ ብምሃብ ውን ይምስክር -
· ራፋኤለ ሜኔላ ብዕለት 22 ሰነ 1877 ኣብ ቶሬ ደል ግሪኮ (ኢጣልያ) እተወልደ ካህን ኣባል ማሕበር ሚስዮናውያን ቅዱስ ልቢ ዝንበረ፣ እሞ ብዕለት 15 መስከረም 1898 ኣብኡ ብሰማእትነት ዝተቐትለ ኢዩ።
· ዦዋ ሉዊዝ ፖዞቦን ዝተባህለ ቀዋሚ ዲያቆንን ኣቦን ኰይኑ፣ ብዕለት 12 ታሕሳስ 1904 ኣብ ኣውራጃ ካቸራ ግዝኣት ሪዮ ግራንደ ዶ ሱል (ብራዚል) ተወልደ፣ ብዕለት 27 ሰነ 1985 ድማ ኣብ ሳንታ ማሪያ (ብራዚል) ሞተ ።
· እታ ብዕለት 17 ጥሪ 1884 ኣብ ሪቬረ (ኢጣልያ) እተወልደት፣ ብዕለት 23 ለካቲት 1964 ኣብ ካሊያሪ (ኢጣልያ) ዝሞተት ተሬዛ ታምበሊ (ማሪያ ኦልጋ ብዝብል ስም እተጠምቀት) ኣባል ማሕበር ደናግል ደቂ ቅዱስ ቪንቸንሶ ዘፖል እያ ዝነበረት።
· ኣና ፉልጊዳ ባርቶላቸሊ እትበሃል ብዕለት 24 ለካቲት 1928 ኣብ ሮካ ሳንታ ማሪያ (ኢጣልያ) ተወልደት፣ ብዕለት 27 ሓምለ 1993 ኣብ ፎርሚጂነ (ኢጣልያ) ሞተት፣ ንሳ ተራ ምእመን ዝንበረት ሰበይቲ ኢያ።