MAP

2025.05.21 Udienza Generale 2025.05.21 Udienza Generale  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮን ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14፣ ብዛዕባ ናይ ምስማዕ ህጹጽነት

ብሳላ እቲ ቅድሚ ትማሊ ዕለት 1 ሰነ ተዘኪሩ ዝወዓለ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ዓለም፣ እቶም ዝሓለፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምኡውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን፣ ንዓለም ከምቲ ኣብ እተፈላለየ መዋእል ቅዱስ ኣጐስጢኖስን ቅዱስ ፍራንቸስኮ በዓል ኣሲዚን እተማህርዎ፣ ኣብ ውሽጥና ምሉእ ብምሉእ ንኽንሰምዕ ዝሓትት ቀንዲ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ጽንምባል ብኸመይ ክህነጽ ከም ዝዓደሙ ትዝ ይብለና ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ሓደ ሰብ ኪዛረኩም እንኸሎ ጽቡቕ ገይርኩም ክሳዕ ዚርድእዎ ጽን ኢልኩም ስምዕዎ፣ ከም እተረዳእኩምዎ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑኩም ኸኣ ገለ ነገር ተዛረቡ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ግን ጽን ኢልካ ምስማዕ ኢዩ።"

ድሕሪ ዕረፍቶም ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ጸኒሖም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቨስኮ ኣብ ውርሒ ጥሪ 2024 እተቐድሐት ሓጺር ናይ ቪድዮ መልእኽቶም ተዝርግሐ። እታ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኣብ ሓደ ደቒቕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ንመንእሰያት እተላእከት ኰይና፣ እቶም ዝሓለፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ጽን ምባል ኣብ ህይወት ህጹጽ ምዃኑን ንኽሰምዕ ዝነበሮም ድፍኢትን ከምኡውን ንልዕሊ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ንዅሉ ሰብ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ እተገለሉ ሰባት ጽን ክንብልዎም ድሉው ዝዀኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ዝሃብዎ ምስክርነት እተጕልሕ ኢያ ዝንበረት። ብሓጺሩ ኣብቶም ቃላቶምን ዝለገስዎም ዛንታታቶምን መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ስለ ዜሸግረና ክንሰምዖም ዘይንደሊ ሰባት ዘተኰረ ኢዩ ዝነበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ንሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓንን ወይ ንሓድሕዶም ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ብሉጽ ስርዓት ክህልዎም ዘለዎም ሰባት ኣብ ምስማዕ ጸብለል ዝበሉ ንክኾኑ ዝገብርዎ ተበግሶ ኢዩ ውን ዝነበረ። እዚ ኸኣ ኣብ ርክባትና ዘየጋጩን፣ መሰረታዊ ባይታን፣ መቐረት ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ማእሰርና ዝዀነ ኢዩ።

ፈለማ ጽን ኢልካ ስምዓዮ ብድሕሪኡ ተዛረብ። ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ምስማዕ ኢዩ። ጸብጻብ ቅድሚ ምሃብካ ምስማዕን ምርኣይን ብዓይንና ምዕዛብን ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ንኣካላት ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ዘዕኑ ዓሚቝ ቍስሊ ጽን ኢልካ ምስማዕን ምርኣይን ኢዩ ዘመልክት።

እዘን ግሲታት እዚኣተን ኣብ መዓልቲ ዓለም ለኻኢው ዕለት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 1 ሰነ ንመበል 59 ግዜ ዝዝከር ዘሎ ከም ብሓድሽ ዘቃልሓ ዘለዋ ኢያተን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምኡውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 (ናብ መንበር ጴጥሮስ ቅድሚ ምምራጾም እውን ከይተረፈ) ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምተኣማንነት ኣጕሊሖም ኢዮም። ንሓድሕድና ግዜን ቦታን ክንወሃሃብን በዘን ቃላት እዚኣተን እውን ከይተረፈ ስቕ ኢልና ክንሰምዕ ይምሕጸኑና።

ከምቲ ኣጸቢቑ ዚፍለጥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ጽን ኢልካ ምስማዕ" ከምኡውን "ነእዛንካ ምክንኻን" ክብሉ ዝጸውዕዎ መተባብዒ መብዛሕትኡ ግዜ ዝዝከር ኢዩ። እቲ ድኻ ብዓል ኣሲዚ ነቶም ኣሕዋቱ "እዝኒ ልቢ ከቃንዑ" ተማሕጺንዎም ነበረ።

እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ሂፖ ጳጳስ ዝነበረ ቅዱስ ኦጐስጢኖስ ቅድሚ ሸሞንተ ዘመናት ኣቐዲሙ "ኣእዛንካ ኣብ ልብኻ ይኹን እምበር፣ ልብኻ ኣብ እዝንኻ ይኹን" ንዝበሎ ቃላት ዘቃልሕ ኢዩ። እዞም ሕጂ ዘለዉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኦጐስጢኖሳዊ ኮይኖም ዘለዉ፣ ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት ነዚ ብሉጽ ኣነባብራን ሜላ ጕስነቶም ገይሮምዎ ይርከቡ ኣለዉ። ዝዀነ ይኹን ፈታዊ ወይ ተሓባባሪ—ካብቲ ኣብ ፔሩ ዘሕለፍዎ ዓመታት፣ ካብቲ ቕድሚ ኣጐስቲኖሳዊ ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ኰይኖም ዘገልገለሉ ግዜ ኣትሒዞም ወይ ህየንተ ናይቲ ብዛዕብ ጉዳታት ጳጳሳት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ምግልጋሎም —ቅድም ቀዳድም "እቲ ዝሰምዕ ሰብ ኢዩ" ብምባል ነዛ ባህሪ እዚኣ የጕልሑ።

እቲም ህየንታ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታግል ብዛዕባ እዞም ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ እቲ ሎሰርቫቶረ ሮማኖ ዝተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት እንክምስክሩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ዓሚቝን ዕጉስን ናይ ምስማዕ ክእለት ከም ዘለዎምን" ኣጕልሑ። ዝዀነ ይኹን ውሳነ ቕድሚ ምግባሮም ተጠንቂቖም የጽንዑን የስተንትንን ኢዮም። ስምዒታቶምን ምርጫታቶምን ከይዓበቱ ክገልጹ ዝኽእሉ ውን ኢዮም" ክብል መስከረ።

እቲ ዘሕዝን ግን ሎሚ ዘሎ ዓለማዊ ጽልዋን ኣገዳስነትን ካብ ምስማዕ ዘይኰነስ "ናይ መወዳእታ ቓል" ኣብ ምሃብ እትጐዪ ዘላ ዓለም ንነብር ምህላውና ኢዩ። ኣብዚ ኤለክትሮኒካዊ ዓለም እውን እንተ ዀነ ኣቓልቦ ሰባት ብዚስሕብ መልእኽቲ ጌርና ንዝርርባትና ኽንዓጹ እንተ ፈቲንና፣ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ኪዕወቱ ወይ ኪስዕሩ ኸም ዘይክእል ንርስዕ ኢና ዘለና፣ የግዳስ ኣብ ዘይንሰማምዓሉ እዋን እውን እንተ ዀነ (ብፍላይ) ሓባራዊ ብልጽግና ኺህልወና ኣይክእልን ኢዩ።

ስለዚ ምስማዕ ክበሃል ከሎ ናብ ሰብኣውነት ማለት ናብ ፍሉይነት ናይ ደቂ ሰባት ገጽካ ምኻድ ማለት ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም እተማህርዎ ነገር ድማ እዚ ኢዩ ዝነበረ - ፈለማ ኣብ ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን ቅድሚኡ እውን ከይተረፈ ኣብታ ኣብ ከተማ ቺካጎ እትነብር ዝነበረት ስድራቤቶም ነዚ ኢዮም ዝተማህሩ።

ካርዲናል ድሕሪ ምዃኖም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መሕትት ከም ዝገለጽዎ ናብ ተመኩሮ ቅድሚ ምእታዎም፣ ምስ ኣቡኦም ነዊሕ ምይይጥ ገበሩ። ከምዚ ብምባል ድማ ይገልጽዎ - "ኣቦይ ብሰብኣዊ መገዲ ኽዛረበኒ ኸሎ እውን ከይተረፈ ሚእቲ ሳዕ እኳ ካብቶም ኰስኮስተይን መምህራነይን ሰሚዐዮ እንተነብርኩ፣ ንርእሰይ ግን 'እንሆ ክሰምዖ ዘሎኒ ብዙሕ ነገራት ኣሎ፣ ብዛዕባ እቲ ዝነገረኒ ኽሓስብ ኣሎኒ'" በልኩ።

ኪሰምዑ ዝኽእሉ ኣንስትን ሰብኡትን የድልዩና እዮም። ሓላፍነቶም እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን ከኣ እዚ ውርዝና እዚ ዝያዳ ኣድላዪ ይኸውን ።

ሎሚ እቲ ንዓለም ዘሳቕያ ዘሎ ዝኸበደ ቅልውላው ካብቲ ንሓድሕዶም ክሰማምዑን 'ንርእሶም ኣብ ባይታ ኻልኦት ምቕማጥ' ካብ ዘይምኽኣሎም ኢዩ ዝምንጩ። ኣብቲ ኮቪድ-19 ዘበገሶ ለበዳ ገለ ትምህርቲ ኽንመሃረሉ ዚግብኣና ዝነበረ ሕማቕ እዋን፣ ናብቲ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ክንምለስ ተገደድና፣ እዚ ኸኣ ምስ ብጻይና ምዝርራብ ቅድሚ ዅሉ ድማ ምስ ገዛእ ርእስናን ምስ ዘይፍጹም ውሽጣዊ መንነትናን ምዝርራብ እዩ።

ኤውጀንዮ ቦርኛ እተባህለ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓኪም ከም ዝገለጾ፣ ውሸባ ኣብ ዝነበረሉ እዋን "ንኽንሰምዕ ደረት ዘይብሉ ባህጊ" ኣሕደረልና እዚ ድማ ወትሩ ምሳና ክቕጽል ኣለዎ በለ።

ዝዀነ ይኹን ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ድማ ነዚ ባህጊ እዚ ኼዕግቦ ኣይክእልን እዩ። እቲ ኣዝዩ ምዕቡል ዝዀነ ናይ ኮምፕዩተር ተክኖሎጂ እውን እንተ ዀነ ንሕቶታትና ኺምልሶ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን ስቕ ክንብል ወይ ነቲ ኣብ ጐድንና ዀይኑ ዚሰምዓና ልቢ ክህልወና ዘሎና ናይ መጀመርታ ባህጊ ፈጺሙ ኺፈትሖ ኣይክእልን እዩ።

03 Jun 2025, 12:08