MAP

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን  መበል 14 ንቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ንቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ  (@Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ንቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ

ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየል፣ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 17 ሰነ ምስ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኢጣሊያ ኣብ ሓዋርያዊ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ኣብ ዘካየድዎ ቀዳማይ ርክብ ኣማእኪሉ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን፣

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣገዳስነት ተልእኾ ወንጌል፡ ሰላም፡ ኣብ ብስነ ኣሃዝ እተራቀን ሰብ ሰርሖ ኣስትውዕሎን መዋእል ህያው ኣስተንትኖ ኣብ ዛዕባ ሰብኣዊ ፍጥረትን ባህላዊ ዘተ ምትብባዕን ዝብሉ ጉዳያት ኣብ ሓዋርያዊ ጉስነት ማእከል ክኸውን ከም ዘተሓሳሰቡን እዚ እውን ኣብ ወንጌል ሱር ዝሰደደን ኣብ ህሉው ብድሆታት ዝወሰጠን ክቡር ምልክት ዝውክል ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣልያ ምስቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ካብ ውልቃውን ማሕበራዊ ህይወትን ዝንጽል ኢሃይማኖታዊ ባህልን ንእምነት ሸለል ምባልን ምንቁልቋል ውልደትን ክትገጥም ከምዘለዋ ስለ ዘስተውዕሉ፡ እዞም "ንቡር ወይ ዘይስገር ዝመስሉን ሱር ዝሰደዱን ዝመስሉ ኩነታት ከይንለማመዶም ድፍረት ይሓትት" ዝብል ቅድሚኦም ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ቃላት ኣቢሎም የተሓሳስቡ።

ካብቶም ኣገዳሰነት ክወሃቦም ዝግባኦም “ጉስነታዊ ስክፍታታት”፡ ከምቲ ኣብ Evangelii gaudium - ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስቱ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ምዕዳን ከም ዝሕብሮ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ንክርስቶስ ናብ ሰራውር ሰብኣውነት ከእትውዎ” ሓቲቶም፣ ነቶም ኣዝዮም ርሒቖም ዘለዉ ከመይ ጌርካ ከተቕርቦም ቋንቋታት ምሕዳስ ከም ዘድሊ የዘኻኽሩ። እቲ ካልኣይ ስክፍታ ድማ ብዛዕባ ሰላም ዝምልከት ኮይኑ፣ ልዮን መበል 14 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከት፡ ብመንገድታት ሕንጸት ኣብ ዘይጎነጻዊ ቃልስን፡ ተበግሶታት ሽምግልና ንናይ ከባብያዊ ግጭታት ምፍታሕ፡ ውጥናት ኣቀባብላ ምትብባዕን ክሰፍሕ የተሓሳስቡ፣ ምኽንያቱ፡ ኲናት ኣብ ልቢ ሰብ እዩ ዝጅምር ዝብል ኣገላልጻ ሓቂ እንተድኣ ኮይኑ፣ ሰላም’ውን ብተመሳሳሊ ደረጃ ሱር ዝሰደደ ክኸውን ኣለዎ፡ መዓልታዊ ተወፋይት ይሓትት። እቲ ሳልሳይ ቅዱስነቶም ዘተኮሩሉ ጉዳይ ሰብ ሰርሖ ኣስትውዕሎን ብስነ ኣሃዝ እተራቐ ምዕባለን ሃዋሁ ዘስዕቦ ብድሆታት እዩ፣ ኣብዚ ክብሪ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ ዘመን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብያተ ክርስቲያን ኢጣሊያ ኣብ ልዕሊ ሰብ “ህያው ኣስተንትኖ” ከሳዂዓ ተስፋ ይገብሩ፣ እዚ እውን እምነት ካብ ክውንነትን ጭቡጥ ህይወትን ኣብ ምንጻል ሓደጋ ንኸይውደቅ ዝድርኽ ምዃኑ የስተብህሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጳጳሳት ኢጣሊያ ሓድነት ክጽንዑን ሲኖዳውነት ኣብ መስርሕ ውሳነን ኣገባብ ኣስራርሓን “ኣተሓሳስባ / ኣገባብ”  ክገብሩን ኩሉ ግዜ ናይ ዘተ ባህሊ ከማዕብሉን ዓዲሞም፣ ልዕሊ ዅሉ ስብከተ ወንጌል ንሰላምን ዘተን ንምኽዋን ዝግበር ቘራጽነትን ንሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ሓደጋ ከእትው ምስ ዝኽእል ሓድሽ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ከምኡውን ምስ ድኻታት ዘሎ ጥብቅን ቀጥታውን ምትእስሳር ዝተታሓሓዘ ምዃኑ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፣ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ቅዱስነቶም ዘስመሩሉ ሓሳብ፣ ውሽጣዊ ምስሕሓብን ወይ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ናብ ክኢላ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝቕይር ዘዘይኮነስ፣ ሎሚ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብዛዕባ ጽባቐ ወንጌል ኪምስክሩ እተጸውዑሉ ቦታ ምዃኑ ብኣጽንዖት ከም ዘመላኸቱ ኣድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቅረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ የመላኽት።

(Andrea Tornielli)

18 Jun 2025, 17:00