MAP

2025.06.09 ብስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ወንጌል ሰላም ምዝራእ 2025.06.09 ብስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ወንጌል ሰላም ምዝራእ  (@Vatican Media)

ብስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ወንጌል ሰላም ምዝራእ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ተመሪሑ ዕለት 9 ሰነ ዝተኻየደ ንቅድስቲ መንበር ሰበ ስልጣንን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ኣባይቲ ጽሕፈትን ሃገረ ቫቲካንን ሰራሕተይናታት እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ምኽንያት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ “ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ናይ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ንቤተ ክርስቲያን ምስ ሃገራት፣ ንቁስሊ ዓለም ድማ ምስ ተስፋ ወንጌል ዘራኽብ ድልድል ምዃን ማለት እዩ” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ጳጳሳዊ ወኪል ተሸካሚ ናይ ወንጌል ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ እዩ፣ ስለዚ ንሽምግልናን ዘተን ክውፈን፣ ዘራእቲ ሰላም ክኸውንን ግቡኡ እዩ” ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ተመሪሑ ዕለት 9 ሰነ ዝተኻየደ ንቅድስቲ መንበር ሰበ ስልጣንን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ኣባይቲ ጽሕፈትን ናይ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ሰራሕተይናታት እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ምኽንያት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣስዒቦም፣ ዕለት 10 ሰነ ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት ንጳጳስዊ ሓዋርያዊ ልኡካን - ኣምባሳደራት ቅድስቲ መምንበር ዝተወከለ መዓልቲ ኢዮቤል ተስፋ ክራኽቡ ምዃኖም እውን የዘኻኽሩ።

መዓልቲ ኢዮቤል ናይ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ቤተ ክርስቲያን ምስ ዓለም ብኸመይ ከም እትዋሳእ ናይ ርክብን ኣስተንትኖን ዕድል ይህብ። እዚ ፍጻመ እዚ ንናይ ቅድስቲ መንበር ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣካላት ብፍላይ ድማ ንሓዋርያዊ ልኡካን ቅድስቲ መንበር እንታይ ትርጉም ኣለዎ?

ንቅድስቲ መንበር እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ተስፋ ንናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወከልቲ ከይተረፈ ኣገዳሲ ናይ ሓድነት ህሞት የቕርብ። ነፍሲ ወከፎም ኣብ ሓደ ቦታ ንሓዋሩ ናይ ምቕማጥ ተኽእሎ ዘይብሉ፡ ሓደ ዓይነት ቀጻሊ "ንግደት" ይነብሩ። ኣብ ምንቅስቓስ ዝነብር ህይወት እዩ - እወ - ግን ብሕትውና ዝነብር ኣይኮነን። ኢዮቤል ምስሊ ናይ ሓንቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝተዘርግሐት ግን ከኣ ሓድነት ዘለዋ ስድራቤት ኣብ ኣእምሮና የምጽእ፣ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀረባ ክንከውን ኣብ ሮማ ተኣኪብና ።

እዚ ምትእኽኻብ እዚ ኣብ መንጎ ከባብያውን ኵላውን ሸነኻት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ምትእስሳር ብንጹር ይገልጽ። ር.ሊ.ጳ. ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣብ መንጎ ናይቲ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያናትን ሓዋርያዊ መንበርን ዘሎ ምትእስሳር የቐጽል። ነዚ ሓድነት’ዚ ኣብ ምዕቃብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፡ ኣብ ሮማ ይኹን ኣብ መላእ ዓለም ተልእኾ ጳጳሳዊ ወከልቲ ብምድጋፍ ናይ ምውህሃድ ተራ ይጻወት።

ከምቲ ዘስተብሃልኩምዎ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ንቅዱስ ኣቦ ኣብ ከባብያዊ ኣብያተ ክርስቲያናትን በርገሳውያን ሰበስልጣንን (መንግስታትን) ይውክሉ። ንተራኦም ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ እዩ፣ ንጉስነታውን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን ሓላፍነቶም ብኸመይ ሚዛን ይህብዎ?

ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ብሓቂ ኣብ ሃገራዊ መንግስታትን ኣህጉራዊ ትካላትን ወከልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዮም። በዚ መንጽር እዚ ተራኦም ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ምዃኑ ብንጹር ይርአ: ምስ በረገሳዊ ሰበስልጣን ምጽማድ: ምፍልላይ ንምፍዋስ ምስራሕ: ከምኡውን ሰላምን ፍትሕን ሃይማኖታዊ ናጽነትን ምድንፋዕ። እዚ ዝገብርዎ ሃገራዊ ረብሓታት ንምድላይ ዘይኮነስ ብወንጌል ዘማእከለ ራእይ ዓለምን ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ተመሪሖም እዮም።

ይኹን እምበር ተራኦም ናብ ጽሩይ ትካላዊ ስራሕ ክወርድ ኣይኽእልን። ኣብ ሓቀይና ጓሳዊ ህላወ ዝተሰረተ ክኸውን ኣለዎ። ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ልዕሊ ኩሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰብ እዩ - ጓሳ - ኣብነት ክርስቶስ ሕያዋይ ጓሳ ክስዕብ ዝተጸውዐ እዩ። ጓሳ ምዃን ማለት ምስ ጳጳሳትን ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ከገልግሉ ዝተላእኩ ማሕበረሰባትን ምቅርራብ ማለት እዩ። ዓቕለስያዊ ኣረኣእያ ይሓትት -  ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሓላፍነት ክህነት ከም ዘለካ ምፍላጥ እዩ።

በዚ መንገዲ እዚ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ መንጎ ተካኢ ጴጥሮስን ናይ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያናትን፡ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን ሃገራትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ቁስሊ ዓለምን ወንጌል ዘቐርቦ ተስፋን ድልድል ይኸውን።

ብፍላይ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዝተሓላለኸ ታሪኻዊ ኩነታት ንሓደ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ  ኣገዳሲ ትብልዎ ባህርያት እንታይ እዮም?

ሰለስተ መቐደምኩ። ቀዳማይ፡ ትሕትና ከም ባህርይ ልቢ። ሓደ ሰብ "ንእሽቶ ክኸውንን ጐይታ ብኣና ኣቢሉ ዓበይቲ ነገራት ክፍጽም ከም ዝኽእል ክኣምንን የኽእሎ። ኣብዛ ብጽልእን ዓመጽን ዝተሃስየት ዓለም፡ ኣብ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ኣሎ። እንተኾነ ግን ከቢድ ወይ ዘይተጸበናዮ ሓላፍነት ምስ ዝገጥመና፡ ኣብቲ ነቲ ተልእኾ ዘሰንዮን ዘጽንዕን ጸጋ እምነትና ነንብር።

ጎኒ ጎኒ ትሕትና ወንጌላዊ ቅንኣት ምበልኩ። ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ናይ ወንጌላዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ተሰካሚ እዩ፣ ብርሃን ክርስቶስ ናብ ርሑቕ ኩርናዓት ምድሪ ከይተረፈ ንምብጻሕ ብሓላፍነት ዝተዋህቦ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ወኪል ናይ ዕርቂ ሰብ ክኸውን ኣለዎ። ተልእኾ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ - ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሓቅን ፍትሕን ሰላምን ሱር ዝሰደደት ዓለም ንምህናጽ ዝገብርዎ ጻዕሪ ምድጋፍ እዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ኵነታት ዓለም ር.ሊ.ጳ. ጥራይ እዮም ኣካሊት ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ንምውሓስን ኣብ መንጎ ዝተኸፋፈለ ውድባት ንዝህሉ ድሌት ሰላም ንምልላይን ዝሕግዝ መንገዲ።

ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ፡ እቲ ካልእ ብቐንዱ ተጻባኢ ዘይኮነስ፡ መዋሲእና ብጻይ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ዘራእቲ ሰላም ክንከውን ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ጻውዒት ክንምልሰሉ ይግባእ።

ኣብዛ ብቐጻሊ እትምዕብል ዘላ ዓለም፡ ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ንመንእሰያት ካህናት ዝወሃብ ህንጸት ምስ እዋናዊ ብድሆታት ተተሓሒዙ ብኸመይ ይኸይድ?

ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም (ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ተቕዋም) ን300 ዓመታት ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣገልግሎት ቅድስቲ መንበር ንዝኣትዉ ዝዳለዉ መንእሰያት ካህናት ናይ ምሕናጽ ሓላፍነት ወሲዱ የገልግል ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበሮ ጽገና ነቲ ቅርጺ ንምእዋንን ንምሕያልን ዝዓለመ ኮይኑ፡ ንዝተሓላለኸ ዘመናዊ ዓለም ብዝበለጸ ምላሽ ንምሃብ እዩ።

ዕላማ ናይዚ ሓድሽ ምዕራፍ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቫቲካን ብሞያ ብቑዓትን ብወንጌላዊ መንፈስ ብዕምቆት ዝነጥፉን ወከልቲ ምልኣኽ እዩ። እዞም ኣካላት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ እዚኦም ንስልጣናዊ ትምህርቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም መሳርሒ ሓድነት፡ ዘራእቲ ሰላምን ሃነጽቲ ዝምድናታትን ኣብ መንጎ ህዝብታት ብስኒትን ተሓባባርነት ዝተለለየ ዝምድናታት ኮይኖም ንቕድሚት ክስጉምዎ ይጽውዑ እንክብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊም ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

10 Jun 2025, 17:04