ኣብ መዓልቲ ኢዮቤል ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳት ልዕሊ 70 ሽሕ ነጋድያን ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ ዕለት 7 – 8 ሰነ መዓልቲ ኢዮቤል ናይ ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ሓደሽቲ ማሕበረሰባትን ኣብ ሮማ ዝካየድ ኮይኑ፡ ካብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዝመጹ ኣስታት 70,000 ነጋዲያን ክሳተፉ ትጽቢ ከም ዘሎ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣወሃሃዲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መርሃ ፍጻሜታት
ቀዳም ዕለት 7 ሰነ ካብ ሰዓት 08፡00 – 18፡00 ናይ ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ሓደሽቲ ማሕበረሰባትን ኣባላት ብቅዱሳን ኣፍደገ ጳጳሳዊ ባዚሊካታት ሮማ ክሓልፉ እዮም፣ ካብ ሰዓት 16፡00 ጀሚሩ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ኣብ ዋዜማ በዓለ ጰራቅሊጦስ ክሓብሩ ከም ዝኾኑን ኣብዚ ዋዜማ ንበዓለ ጰራቅሊጦስ ቅዱስ ኣቦና ክሓብሩ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅድሚ እቲ ሰዓት 18፡00 ዝጅመር ጸሎት ዋዜማ ካብ ኩለን ኣህጉራት ዝመጹ ምንቅስቓሳት፡ ማሕበራትን ማሕበረሰባትን ዝውክሉ ጉጅለታት ኣብ መዝሙርን ምርኢታትን ክሓብሩ ከም ዝኾኑ ኣመላኺቱ፣ 130 ኣባላት ዝሓቖፈ ኣህጉራዊ ጉጅለ መዘምራን ምርኢት ከቕርብ ምዃኑ የመላኽት።
ህሞታት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14
ድሒሩ ምሸት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሰዓት 08፡00 ክሳብ ሰዓት 09፡00 ዝካየድ ጸሎት ዋዜማ በዓለ ጰራቅሊጦስ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ዝምራሕ ከም ዝኾነን ሊጡርጊያ ንባብ ቃል ኣምላኽ ምስ ተፈጸመ ቅዱስነቶም ቃል ከስምዑን ተሳተፍቲ ናይ ምስጢረ ጥምቀት መብጽዓኦም ከሐድሱ ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ መወዳእታ ሰንበት ዕለት 8 ሰነ በዓለ ጰራቅሊጦስ ንግሆ ሰዓት 10፡30 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እቲ ካብ ዕለት 7 – 8 ሰነ ዝተኻየደ መዓልቲ ኢዮቤል ናይ ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ሓደሽቲ ማሕበረሰባትን ክዛዘም ምዃኑ ኣፍሊጡ።