ቅድስቲ መንበር፡ 'ድኽነት ንምጥፋእ ህጹጽ ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ተተሓሳስብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ዘለዋ ስክፍት ሕጂ እውን ይቕጽል ኣሎ፡ እዚ ድማ ርኡይ ጸጋታት ካብቲ ኣብ ከም ክንክን ጥዕና፡ ትምህርትን ትሕተ ቅርጽን ዝኣመሰሉ ጽላታት ልምዓት ዝግበር ወፍሪ ዘመዛብል ምዃኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዑን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ቀዋሚ ተዓቅዛቢ ቅድስቲ መንበር በዓል መዚ የኔታ ማርኮ ፎርሚካ ገሊጾም፣ እዞም እብቲ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ብዛዕባ ድኽነት፡ ትሑት ምዕባለን ግጭትን፡ ዘለዎ ጽልዋ ኣብ ምዕቃብ ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን” ብዝብል መርሕ ቃል ዕለት 23 ሰነ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተካየደ ቅሉዕ ዓውደ ዘተ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ድኽነት ንምጥፋእ ህጹጽ ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሱር ጠንቂ ድኽነት ንምፍታሕ ህጹጽ ግብረ ገባዊ ሓላፍነት
እዚ ክፉት ዓውደ ዘተ፡ "መብዛሕትኡ ግዜ ንሓድሕዱ ነዳዲ ዝፈጥሩ፡ ኣብ ምዕቃብ ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ከቢድ ዕንቅፋት ዘስዕቡ" ክውንነታት ብምዕዛብ፡ እቲ ክፉት ዓውደ ዘተ ናብ "ሓድሕዱ ዝተኣሳሰሩ ብድሆታት" ድኽነትን ዘይልምዓትን ግጭትን ኣቓልቦ ንምስሓብ ዝዓለመ ምዃኑ የኔታ ፎርሚካ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘለዎም እምንቶ ገሊጾም፣ ኣብ ዝክረ ነገር ዘላቒ ልምዓት 2030 ዓ.ም. ውድብ ሃገራት፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ድኽነት ብኹሉ መልክዑን ሸነኻቱን ምጥፋእ “እቲ ዓቢ ዓለማዊ ብድሆን ንዘላቒ ልምዓት መተካእታ ዘይብሉ ጠለብን” ምዃኑ ብምግንዛብ፡
“እዚ ናይ ሓባር ተወፋይነት፡ ነቲ ብተደጋጋሚ ምስ በደል፡ ምግላልን ምክልኻል መሰረታዊ መሰላትን ዝተኣሳሰር ሱር ጠንቂ ድኽነት ንምፍታሕ ዝግበር ህጹጽ ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ዘጉልሕ እዩ”
ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስክፍታ ብዛዕባ እቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወጻኢታት
ምስዚ ብዝምልከት የኔታ ፎርሚካ፣ "ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ዘለዋ ስክፍታ ገሊጾም፣ እዚ ድማ ርኡይ ጸጋታት ካብ ወፍሪ ኣብ ከም ክንክን ጥዕና፡ ትምህርትን ትሕተ ቅርጽን ዝኣመሰሉ ጽላታት ልምዓት ዘዘናብል እዩ - ቢሎም -
“ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ዘለዋ ስክፍታ ሎሚ እውን ይቕጽል ኣሎ፣ እዚ ድማ ርኡይ ጸጋታት ካብ ወፍሪ ኣብ ከም ክንክን ጥዕና፣ ትምህርትን ትሕተ ቅርጽን ዝኣመሰሉ ጽላታት ልምዓት ዘብኩር እዩ”
ምስ በሉ ኣስዒቦም፣ "ኣብዚ መንጽር ቅድስቲ መንበር፡ ብኸፊል ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ ኣጽዋር ዝተመደበ ጸጋታት ብምቕያር ዝምወል ዓለማዊ ስልዕቲ ንምቛም ዘቕረቦ ሓሳብ ተሐድስ - ቢሎም እቲ ስልዕቲ "ድኽነትን ጥሜትን ኣብ ምጥፋእ፡ ከምኡ'ውን ኣብተን ኣዝየን ድኻታት ዘለወን ዞባታት ዓለም ልምዓት ንምድንፋዕ ትርጉም ዘለዎ ኣበርክቶ ክገብር ከምዝኽእል" ኣመልኪቶም፡ በዚ ድማ "ዝያዳ ፍትሓውን ዘላቕን መንገዲ ናብ ሰላም ከስጉም፡ ከምኡ'ውን ክብሪ ደቂ ሰባት ክሕሉን ከስፍሕን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝሃቦ ክብሪ
የኔታ ፎርሚካ፣ ነባሪ ሰላም "ንውህደት ሰብኣዊ ምዕባለ ተወፋይነት ዝሓትት ምዃኑ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምድጋፍን ንፍትሕን ምትሕግጋዝን ንምዕባለ ኩሉን ዘድሊ ኩነታት ምድንፋዕን" ከምኡ'ውን ቅድስቲ መንበር "ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣብ ማእከል ቀጻሊ ዳግመ ግምት ስነ ምቛም ህንጸት ሰላም ምቕማጥ ኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት ኣብ ኣገልግሎት ሰላም ዝተጠናኸረ ምትሕብባር ምድንፋዕ ኣገዳስነቱ ከም እተጉልሕ" ብምርግጋጽ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።