'ሕጉሳት ካህናት'፦ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ኣገልገልቲ ሥነ መዕበያ ክህነታዊ ጽዋዕታ ኺራኸብ ኢዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ንንገደት ዓመት ኢዮቤል ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነታትን ካህናትን ንምምልካት እቲ ብዛዕባ ጉዳያት ካህናት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር "ሕጉሳት ካህናት—ኣዕሩኸይ ኢኹም እብለኩም ኣሎኹ" (ዮሓ 15፡ 15) ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ንግደት ክካይድ መዲቡ ይርከብ ኣሎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝርከቡሉ ኣጋጣሚ፣ ንዅሎም እቶም ኣብ ኣገልግሎት ሥነ መዕበያ ዘርኣ ክህነትን ጸዋዕታ ክህነት እተጸምዱን እተወፈየ መደባት ውን ክካይድ እዩ። እዚ ድማ ዝመጽዕ ዘሎ ሓሙስ ዕለት 26 ሰነ 2025 ካብ ሰዓት 3 00 ድ. ቐ. ክሳዕ ሰዓት 6 00 ድ. ቐ. ኣብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኮንቺላዚዮነ ኣብ ጥቓ ቫቲካን ዝርከብ ክካየድ ኢዩ።
ፍረ ነገር ነዚ መደባት ካብ ወንጌል ዮሓንስ እተወስደ ኮይኑ —"ኣዕሩኽተይ ኢኹም እብለኩም ኣሎኹ" (ዮሓ 15፡ 15)— ብዝብል ኣርእስቲ ንሕመረት ክህነታዊ ጽዋዕታ ዚንጸባርቖ መደባት ክኸውን እዩ፣ እዚ ኸኣ ምስ ክርስቶስ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ዕርክነት ምምስራት፣ ንህዝቢ ኣምላኽ ከኣ ሕጉስ ኣገልግሎት ምውፋይ ብዝል መሪሕ ሓሳባት እተሰነየ ክኸውን እዩ። እዚ ጸዋዕታ እዚ ነቲ ልዕሊ ዅሉ ሓጐስ ንምርካብ ዝቐርበርልና ዕድመ ጐይታ ንምዅስኳስን ንምፍጻምን ዘኽእል መጸአዕታ ምዃኑ ዝገልጽ ኢዩ።
ጸሎትን ተሳትፎን ምስክርነትን
እቲ መደባት ብጸሎትን ካብቶም ብዛዕባ ጉዳያት ካህናት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ላዝዛሮ ዩ ሃንግ-ሲክ ዝልግስዎ መደረ ክኽፈት ኢዩ። ኣገዳስነት እዚ ፍጻመ እዚ ኣብ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ብምጕላሕ ነቲ ዝካየድ መደባት ከፈልጡ ኢዮም።
እቲ ቐዳማይ ክፍለ - ግዜ ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ብዛዕባ እቲ ዝበለጸ ልምድታት ዓለምለኻዊ ኣረኣእያ ከም ዝህልወካ ዝገብር ሓሙሽተ ኣገዳሲ ኣብነታት ናይ ሥነ መዕበያ ክህነት ኣገልግሎት ዘቕርብ መደብ ክኸውን ኢዩ ።
- ጸሓፊ ኣገልግሎት ሥነ መዕበያ ክህነት ናይ ጉባኤ ጳጳሳት መክሲኮ ዝነበሩ ክቡር ኣባ ሆሴ ኣልበርቶ ኢስትራዳ ጋርሲያ ነቲ ኣብ ከትማ ሞንተረይ ዚርከብ ሰበኻዊ ማእከል ክህነታዊ ሥነ መዕበያ፣ ኣብቲ ኸባቢ ብኸመይ የገልግል ከም ዜርኢ ከም ጭቡጥ ኣብነት ገይሮም ከቕርብዎ ኢዮም።
- ኣወሃሃዲ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ሥነ ምዕበያ ክህነት ኢጣልያ ወኪሉ ድማ ክቡር ኣባ ሚሸል ጃኖላ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ንዝግበር ዘሎ እተፈላለየ ዓይነት ንጥፈጣት ሥነ መዕበያ ጸዋዕታ ክህነት ከቕርቡ ኢዮም።
- ዶ/ር ማሪያ ሊያ ዠርቪኖ ካብ ኣርጀንቲና ነቲ ኣብ ኣገልግሎት መንእሰያት ሚስዮናውያን ዘሕለፍዎ ተመክሮ ብምጕላሕ ክህነታዊ ህይወት ከምኡ ውን ክርስትያናዊ ቃልኪዳን ከም ዝህሉ ዝገብር ከም ምዃኑ ክትገልጽ ኢያ።
- ጠቕላሊ ኣወሃሃድን ተሓባባርን ተልእኾ ሥድራቤት ቅዱስ መንበር ዝኾነት ዶ/ር ሞራ ሙርፊ ንሃገረ ኣየርላንድ ወኪላ ነቲ መንእሰያት ባዕሎም ዝመርሕዎ ዘገርም ናይ ጽዋዕታ ተሓድሶ ክእለት ክትምስክር ኢያ።
- ኣብ ስጳኛ ኣወሃሃዲ ንኡስ ኮሚቴ ቤትጽሕፈት ዘርኣ ክህነታት ናይ ጉባኤ ጳጳሳት ስጳኛ ክቡር ኣባ ፍሎረንቲኖ ፔሬስ ቫከር ኣብ ኣገልግሎት ሥነ መዕበያ ክህነት ሓድሽ ሃገራዊ ተበግሶ ዝካየድ ዘሎ መደባት ከቕርቡ ኢዮም።
ቃል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ትርጕም ናይቲ ኣብዚ ዘመን እዚ ዘሎ ጸዋዕታ ኻህናት ማለት፣ ብዛዕባ ጽባቐኡ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ኣገልግሎትን ቅድስናን ከምኡ ውን ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ጻውዒት ብምስትንታንን ዘቕርብዎ መደረ ቀንዲ ኽፋል ናይቲ "ሕጉሳት ካህናት" ዝተሰምየ መደብ ክኸውን እዩ።
ደድሕሪ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቕረብዎ መደረ ከም ሕቶታትን ምስክርነትን ተመክሮታትን ዝኣመሰለ ክፉት መደብ ዝርርብ ዝካየደሉ መደብ ክስዕብ ኢዩ።
እቲ ኻልኣይ ክፋል ናይቲ ጉባኤ ኣብቲ ኣብ መባእታዊ ሥነ መዕበያ ዘርኣ ክህነት ዘተኮረ ብዛዕባ ሓሙሽተ ኣብነታዊ ኣብነታት ዝገልጽ መደባት ክኸውን እዩ፦
- ኣብ ክፍሊ ዓለም ኣፍሪቃ ብዙሕ ጸዋዕታ ክህነት ይፈሪ ከም ምህላዉ እውን ከይተረፈ ኣብ ምስትውዓልን ድልዱል ሥርዓትን ሓያል ኣትኵሮን ይግበር ከም ዘሎ ብምስክርነት ክግለጽ ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ዓበይቲ ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ኣብ ዝርከቡ ንኣሽቱ ማሕበረሰብ እተመስረተ ህንጻታት ከምኡውን ብኢድ ዝግበር ዕዮን ብፍላይ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ከም መሳርሒ ምጥቃም ዝብል ክቕጽል ኢዩ።
- ሃገረ ፊሊፒንስ ነቲ ዘይንጸል ተሳትፎን ከምኡውን ተልእኾኣዊ ውዳቤን ኣብ ምትብባዕ ዚፍለጥ ዘርኣ ክህነት ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ኣብ ከተማ ማሎሎስ ዝርከብ ከቕርቡ ኢዮም።
- ሃገረ ኮሎምብያ ነቲ ኣብ ዙርያ ሓደ ማዕለዊ ቤተጸሎት ዝርከብ ህንጻ ብሓሙሽተ ንኣሽቱ ማሕበራት ዝቘመ ዘርኣ ክህነት ቅዱስ ካርሎ ማጀር ናይ ሰበኻታት ሶኮሮን ሳን ጊልን ከተቕርብ ኢያ እዚ ድማ ክርስቶስ ኣብ መንጎኦም ህያው ከም ዝኾነ ዘመልክት ክኸውን ኢዩ ።
- ካብ ሃገረ ብራዚል ብዛዕባ ሃገራዊ መራኸቢ ናይ ዘርኣ ክህነታት ጉባኤ ልኡካነ ወንጌል ከቕርቡ ኢዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ተመክሮታት ናይ ልኡካነ ወንጌል ንምዅስኳስ ከምኡውን ሃገራዊ ዋዕላ ንምግባር ዘተባብዕ ልዕሊ 110 ጕጅለታት ናይታ ሃገር ዘጠቓልል መደብ ክስዕብ ኢዩ።
- ኣብ መወዳእታ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ካብ ሰበኻ ዊቺታ (ካንዛስ) ንሓያሎ ጸዋዕታታት መስሕብ ዝኾነ ውጽኢታዊ ዝኾነ መደባት ሥነ መዕበያ ዘካየድ ዘሎ ንትምህርቲ ዝኸውን ብሉጽ ከም ብሉጽ ኣብነት ኰይኑ ክቐርብ ኢዩ።
ጸሎት ዘሠርክ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ
እዚ ኣጋጣሚ እዚ ንምሕባርን ንምትብባዕን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መንጎ ኻህናትን ተቕዋማት ሰብ ውፉይ ሕይወት ሰብኡትን ኣንስትን ከምኡውን ኣብ ፈለማ ኵስኰሳ ጸዋዕታን ኣገልግሎትን እተሳተፉ ተራ ምእመናን፣ ሕውነት ከም ዝህሉ ንምግባር ዝሕግዝ ከም ምኳኑ ውን ንምግላጽ ክኸውን ኢዩ።
እቶም ተሳተፍቲ ኣብቲ ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጱጥሮስ ዝካየድ ንጥፈታት ምእንቲ ክሳትፉ ድማ ኣብቲ ባዚሊካ ኣብ ዝካየድ መደብ ጸሎት ዘሰርክ ልክዕ ሰዓት 6 00 ድ. ቐ. ክርከቡ ኢዮም።