"ዓለም ሓቆፍ ስእላዊ ግጥሚ"፡ ቃላትን ምስልታትን ከም ድልድል ሰላም
ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ክሳብ ዕለት 20 ሰነ ዝጸንሕ ኣብ መንጎ 1950 ዓ.ም.ን 1980 ዓ.ም.ን ምስ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዘራኽብ ምርኢት ስርሓት ኣሳእልን ቅብእን የአንግድ።
ስምዖን ተ. ኣርያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ቅርዓት ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህንጻ፣ ካብ 1950 – 1980 ዓ.ም. ዝተሰርሑ ተስፋ ዘንጸባርቑን መልእኽቲ ተስፋ ዘመሓላልፍን ግጥማዊ ኣሳእልን ቅብእታትን ንምርኢት ከም ዝቐረበን፣ እዚ ክሳዕ ዕለት 20 ዝቕጽል ምርኢት ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ስርሓት ዘጠቓልል ኮይኑ፣ ዓለምለኻዊ ስእላዊ ግጥሚ 1950-1980 ዓ.ም. ብዝብል ኣርእስቲ ዝተሰነየ ድማ ምዃኑ ናይዚ ምርኢት ኣወሃሃዲት ናይ ስነ ጥበብን ታሪኽ ቅብእን ሊቕ ራፋኤላ ፐርና ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ከም ዝሓበረትን፣ ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኾሰ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ እቲ ምርኢት ተስፋ ዘንጸባርቕ ኮይኑ፣ ነቲ ተስፋ ዝብል ዓቢ ቃል ብቕብእን ኣሳእልን ግጥሚ ገይሩ ብምቕራብ በጻሕቲ ነቲ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ሕመረት ከስትውዕሉ ዝሕግዝ ምዃኑ ኣብሪሆም፣ ነፍሲ ወከፍ ኣሳእልን ቅብእን ከም መጽሓፍ ከተንብቦ ዝከኣል መልእኽቲ ተስፋ ዘንጸባርቕ ምዃኑ የመላኽቱ።
04 Jun 2025, 14:54