ኣትሌታት ኩዕሶ እግሪ ጋሊክ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ማልያ ኢዮቤል ህያብ ኣቕሪበን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ ካብ ዕለት 14 – 15 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ መዓልቲ ኢዮቤል ስፖርት ንኽሳተፉ ኣብ ሮማ ካብ ዝኣተዉ ዓሰርተታት ጉጅለታት ስፖርት፡ ማሕበር ኣትሌቲ ሮማ ሂበርንያ ጋሊክ ሓደ ከም ዝነበረን፣ ናይዚ ጉጅለ ስፖርት ኣባላት ዝኾና ሰለስተ ወጻእተይናታት ንቅዱስነቶም ቀጸ በረኸት ከም ዘቕረባን፣ ቅድሚ 12 ዓመት ሓደ ካብ ሰሜን ኣየርላንድ ዝመጸ ዜጋ ነታ ማሕበር ጉጅለ ስፖርት መስሪቱ ዝጻወትሉ ቦታ እውን ከም ዝፈጠረን ኒያም ራያንን ካትሪን ሃሊናንን ካብ ሪፓብሊክ ኣየርላንድን ኬቲ ሞሎይን ካብ ኒውዮርክን ቅድሚ ክልተ ዓመት ናብቲ ጉጅለ ስፖርት ዝተጸንበራ ኣብቲ መዓልቲ ኢዮቤል ስፖርት ከም ኣተሳተፋን ነቲ ገጸ በረኸት ንቕዱስነቶም ድሕሪ ምቕራበን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፣
እምነትን ስፖርትን ኣብ ሕመረት ታሪኽ ኣየርላንድ
ነተን ኣብ ሮማ ዝነብራ ወጻእተይናታት ሰለስተ ስፖርተይናታት – ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጎ እምነትን ስፖርትን ስጡም ምትእስሳር ከም ዘሎ ኣመላኺተን፣ እምነትን ስፖርትን ኣብ ሕመረት ታሪኽ ኣየርላንድ ህልው ምዃኑን ኩዕሶ እግሪ ጋሊክ - ሓደ ካብ ሃገራዊ ስፖርት ኣየርላንድ - "ዳርጋ መብራህቲ ተስፋ ኮይኑ ይቕጽል ከም ዘሎን ሃይማኖትና ድማ መንነት ኣየርላንድ ኣብ ነዊሕ፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ሽግር ዝመልኦ ታሪኽ ህያው ንምግባር እቶም ስፖርተይናታት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ብሓበር ክጓዓዙ ዝድግፍ እውን ምዃኑ የረጋግጻ።
ስለዚ ነዚ ኣብ ባህሊ ኣየርላንድ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ምትእስሳር እምነትን ስፖርትን ንምኽባር፡ ማልያታት እታ ጋንታ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ኣብ ልዕሊ ካስተል ሳንት ኣንጀሎ ዘሎ ሓወልቲ ምስሊ መለለይኡ ከም ዝኾነን፣ "እዚ መልኣኽ ንቅዱስ ፓትሪክ ኣትማን ካብ ኣየርላንድ ክሰጉግ ከሎ ብሕልሚ ዝተራእዮ ከም ዝነበረን፣ ስለዚ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ኣብ ታሪኽ እታ ስፖርታዊት ጉጅለ ኣዝዩ ሱር ዝሰደደ ምዃኑ ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ ኣስተብሂለን፣ ማሕበር ኣትሌት ሮማ ሃይበርንያ ጋሊክ ብተወሳኺ ኣብ ናይ ሓባር ስራሕ ብዘለዎ ሓያል ትኹረት፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ ስፖርት “ቤት ትምህርቲ ምክብባርን ፍትሓውነትን መንገዲ ሰላም፣ . . . ርክብን ሕውነትን” ምዃኑ እውን የረጋግጻ።