ዘላቕነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ውሑስ ምግባር
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ምጉዳል ልቀት በካሊ ጋዝ፣ ምክትታል ጽሬት ኣየር፣ ከምኡ’ውን ናይ ሓባር ቤትና ክንክን ምህናጽ።
እዚኦም እቶም ንባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕቃበን ክንክንን ሓላፍነት ዘለዎ ትካል ሓፈሻዊ ኣገልግሎት ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ኣብ መሰረት ውጥን ዘላቕነት ከባቢ ዘቐመጦም መትከላት ከም ዝኾነን - እዚ ተበግሶ እዚ እታ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ቤተ ክርስቲያን - ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ባህላዊ ቅርስታት ኣተሓሕዛን ክንክንን ዕቃበን ኣብነት ክትኸውን ዝብል ሸቶ ዘለዎ ምዃኑ፣ እቲ ትካል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ፣ እቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ዝጀመረ ውጥን፡ ንባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሃገር ቫቲካን ንዝርከቡ ሓዋርያውያን ህንጻታት፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንዝርከብ መዕረፊ ኣጋይሽ ቅድስቲ ማርታ ህጻን ኣባይቲ ጽሕፈት ታሪኻውያን ህንጻታትን ዘጠቓልል ምዃኑ የመላኽት።
ብከላ ናብ ዜሮ ምውራድ
እቲ ዝቕጽል ዘሎ ውጥን “ንባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ - ምስቲ ህይወት ዝህባ ማሕበረሰብን በብዓመቱ ዝበጽሕዎ ሚልዮናት ነጋድያንን በጻሕትን - ንኹሉ ሰብ ዝቕበልን ኩሉ ብሰብኣውነት ክዓቢ ዘተባብዕን ካብ ብከላ ናጻ ዝኾነ ናይ ኵሉ ገዛ ንምግባር ዝዓለመ’ዩ” እንክብሉ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉዳያት ሓፈሻዊ ኣገልግሎት ኣቦ መንበር ካርዲናል ማውሮ ጋምቤቲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።
ብቅልውላውን ለውጥን - ውግእ፡ ቁጠባዊ ዘይምርግጋእ፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ - ዝተዋሕጠት መሬት ይብሉ ካርዲናል ካምቤቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ከባቢ “ካብ ግዜ ኣምጸኦ ኣካይዳ ናጻ” ክኸውን ከም ዝኽእል ኣስተብሂሎም፡ ኣብ ክውንነት እውን “ለውጢ ከባቢያዊ ኣየርን ዘላቕነትን ሎሚ ኣገዳሲ መደብ ትምህርትን፡ ፖለቲካውን ኢንዱስትርያውን ምዕራባውያን ሃገራት ኮይኑ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣
ስነ - ህይወት ዝምልከት ኣረኣእያ፡ ምስ ቁጠባ፡ ህዝባዊ ጥዕና፡ ማሕበራዊ ፍትሕን እደ ጥበብን ስለ ዝተኣሳሰር፡ “ምስ ምዕባለ ወይ ውድቀት ስልጣነታት ዝራኸብ መዋቕራዊ ጉዳያት” ሒዙ ከም ዝመጽእ ኣሰብሂሎም፣ ኣብዚ መንጽር’ዚ ቅድስቲ መንበር - ብዓዋድያን መልእኽትታት፣ ስቡህ ኣንተን፣ ሃው ኩልነን ከምኡ’ውን ሓዋርያዊ ምዕዳን ሰብህዎ ለእግዚኣብሔር ዝምራሕ - ከም ንጡፍ ሓይሊ መሰረት ነቲ ድሮ ዝካየድ ዘሎ ብዙሓት ተበግሶታት ቫቲካን ብምጥቃስ ከም ዘብርሁ የመላኽት።
ብሉጻት ልምድታት ምዝርጋሕ
ዕላማ “ዜሮ ልቀት በካሊ ኣየር” ዘብርሁ ዋልተር ጋናፒኒ፡ ኣተሓባባሪ ሽማግለ ስነ ፍልጠታዊ ውጥናት - ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ እቲ ሽማግለ ብዓለምለኻዊ ፍሉጣት ሊቃውንቲ ስነ ፍልጠት ዝቖመ ጉጅለ ክኢላታት ምዃኑ ኣጉሊሑ። እዚ ዕላማ እዚ ዝተፈላለየ ሜላታት ዝስዕብ ኮይኑ፡ ምስቲ “ስቡህ ኣንተ” ዓዋዲ መልእኽቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ሕቡራት ሃገራትን ሓምላይ ውዕል ኤውሮጳን’ውን ዝሰማማዕ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ “ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ‘ኣብ ዝሓመመት ዓለም ጥዑያት ኮይንና ክንነብሩ ኣይንኽእልን ኢና” እንክብሉ ኣቃሊሖም፣ እቲ ውጥን ኵላዊ ጥዕና ዝብል ቅዲ ዝኽተል እዩ - እዚ ድማ ኩለንተናዊ ራእይ ነቲ ንሓድሕዳ ዝተኣሳሰረት ዓለም ዘማእከለ ምዃኑ ኣብሪሆም፣ ስነ ፍልጠትን እደ ጥበብን ጥራይ ግን እኹል ኣይኮነን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጽሬት ኣየር
ኣብ 2023 ዓ.ም. ሓድሽ እደ ጥበብን ጸዓትን ዘላቒ ቝጠባዊ ምዕባለን ዝሓልይ ሃገራዊ ትካል ኢጣሊያ (ENEA) ከባቢያዊ ኣየር ካብ ብከላ ናጻ ንምግባር ምትእትታው ዝግበረሎም መዳያትን ዕድላትን ንምልላይ ገምጋም ከምዘቕረበን ምምሕያሽ ጽሬት ኣየር ከም ቀንዲ ዕደ ጥበባዊ ዕላማ ናይቲ ውጥን ኮይኑ ከምዝተበገሰን፡ ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መገለጺ ዝሓበረ ባሪ ኣብ ዝርከብ “ኣልዶ ሞሮ” መንበረ ጥበብ መምህር ጃንልዊጂ ደ ጀናሮ ገሊጹ፣ እዚ ጉዳይ እዚ ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ለበዳ ኮቪድ - 19 ብኸመይ ዝያዳ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣብሪሁ፣ ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ 45 ሽሕ ምእመናን ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኣተዉ ምዃኖም ከም ዘመላኸተ ዜና ቫቲካን ይሕብር።