ካርዲናል ዩ፦ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ቪያኔ ቅድስና ኣርኣያ ትሕትና እዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"እዚ ቅዱስ በዓል ኣርስ ምእንቲ ኻልኦት ብፍቕርን ተወፋይነትን ይነብር ስለ ዝነበረ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓብዪ ኻህን ኢዩ ዝነበረ።" እዚ ሓደ ኻብቲ ብፁዕ ካርዲናል ላዝዛሮ ሂንግ-ሲክ ዩ ዝሃብዎ መግለጺ እዩ ዝነበረ። ብዕለት 31 ግንቦት 1925 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 12 "ሰማያዊ ጠበቓ ኵሎም ኣብ ዓለም ዝነብሩ ኻህናት" ክብሉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሓንስ ማርያ ቪያነ መስኪሮም (ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዓመተ ኢዮቤል፣ 23 ሚያዝያ 1929)።
ማእከል ኣውሮጳ ዝነበረ ትሑት ቍምስና
ኣብቲ ትማሊ ንግሆ ዕለት 31 ግንቦት ኣብ መካነ ንግደት ቅዱስ ዮሓንስ ማርያ ቪያቤ ዘኣርስ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሰ እቲ ናይ ቪድዮ መልኽቲ ብፁዕ ካርዲናል ዩ ተራእዩ፣ ኣባኡ ድማ እቲ ናይ ዕለቱ ፍጻመ ንመላእ ቤተክርስቲያን ብኸመይ ከም ዘሐጐሳ ይዝክሩ። ከምዚ ድማ በሉ - "ሳላ ሓደ ብዘይ ወለቕ ዘለቕ ንኣምላኽ ቀዳምነት ዝሃበ ካህን፣ ኣብ ገጠራት ፈረንሳ ዝርከብ ትሑት ቍምስና ሓደ መንፈሳዊ ማእከል ኣውሮጳ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ” ።
ኣርኣያ ክህነት
ብመሰረት እቶም ብፁዕ ካርዲናል ዝሃብዎ መግለጺ፣ ቅዱስ ዮሓንስ ቪያኔ ኣብነት ቅድስና ዝኾነ "ካብ ጸሎት፡ ሕየወት ቅዱስ ቍርባንን ኑዛዜን ዝመንጨወ ደኣ እምበር ካብ ክብሪ ኣይኮነን” ከምኡውን ንብኣሽሓት ንዝቝጸሩ ሰባት "ብልቢ ናይ ሓደ ጓሳ ነፍሳት" ናይ ምስማዕን ናይ ምፍቃርን ናይ ምምራሕን ክእለት ከም ዝነበሮ ዘርኢ ኣብነት ኢዩ። "ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንዅሎም ካህናት ኣርኣያ ይዀኖ ኣሎ። ተስፋ ንኸይንቘርጽ ዘይኰነስ ኣገልግሎትና ብሓጐስን ብትሕትናን ብትብዓትን ንኽንፍጽም ኢዩ ዝዕድመና ዘሎ" ብምባል ድማ ብፁዕ ካርዲናል ዩ ብፍላይ ኣብ ማሕበረሰብና ብናይዚ ካህን ደገፍ ኣቢልና እንገብሮ "ጸሎትን ኣኽብሮትን ፍቕርን" ንጸዋዕታና ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ።
መስዋእትታትካን፣ ተስፋ ዓለምን
ብፁዕ ካርዲናል ኣስዒቦም ብዛዕባ ዓመተ ኢዮቤል ብምስትንታን ነቶም ምእመናን "እዚ ቅዱስ ዘኣርስ ልክዕ ከም ሓባሪ መብራህቲ ኣብ ጕዕዞና ዘሰንየናን ንመንገድና ዝመርሓናን ኢዩ" ብምባል ኣዘኻኸሮም። "ኣቱም ፍቑራት ካህናት፣ ብፍቕሪ ኣሕዋት ከምዚ ክብለኩም እደሊ ' ከይትደኽሙ ኣይትፍርሁ፣ ኵሉ ነገር እንተ ዘይተረድኣኩም ውን ኣይትፍፍሁ ። እዚ ቅዱስ ዘኣርስ ንባዕሉ ንክህነታዊ ተልእኾ 'ኣዝዩ ምስኪን' ኮይኑ ይርአ እኳ እንተ ነበረ፣ ኣምላኽ ግን ንልቡ ኣሽሓት ሰባት ብሕድሪ ሂብዎ ኢዩ።" "ዕለታዊ ተኣማንነትኩምን ሕቡእ መስዋእትኹምን ናይ ለይቲ ጸሎትኩምን እቲ ናይ ዓለም ተስፋ ዝሃንጽ ኢዩ።"
ቀጺሎም ብፁዕ ካርዲናል ልክዕ ከም ቅዱስ ዮሐንስ ቪያኔ ነቶም ንጓሶቶም ዝድግፉ ምእመናን ኣመስገንዎም። ብፁዕ ካርዲናል ዩ ኣስዒቦም ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ኣገዳስነት ጸዋዕታ ክህነት ኣመልኪቱ ንእተዛረቦ ቓላት ብምዝካር ካብ ልምዲ ተበጊሶም ዘይኰነስ ካብ ፍቕሪ ተላዒሎም "ድምጺ ጐይታ ሰሚዖም ከም ነጋድያን ተስፋ ብሓባር ክጕአዙ" ኣተባብዕዎምም። "ካብ ስራሕ ዘይኰነስ ካብ መጽዋዕታ እተበገሰ እዩ።" ኣብ መደምደምታ ድማ ምእንቲ ዅሎም እቶም ኣባኡ እትየረኽቡ ንቅዱስ ዘኣርስ "ብዘይ ኣቋራጭ መንገዲ ብዘይ ደጋዊ ትርኢት ሓቀኛ እምነት ክንነብር ምሃሩና" ቢሎም ብምጽላይ፣ ከምኡውን ንካህናት "ጸሎትን ምስማዕን ሓጐስን ዘለዎም" ንክዀኑ ክሕግዝዎም ብምዕዳም መልእኽቶም ዛዘመ።