ካርዲናል ፓሮሊን፦ 'ዘይውዳእ ውግእ፣ ዘይከኣል ሰላም የለነን'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ደድሕሪ እቲ ብዛዕባ ዩክረይን ኣብ ኢስታንቡል ዝካየድ ዝነበረ ዋዕላ ደው ምባሉ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ብዛዕባ እቲ ህውከትን ዝቕጽል ዘሎ ዓመጻን ዘለዎም ሻቕሎት ገለጹ። ይኹን እምበር ቅድስቲ መንበር ዝገብረቶ ቆራጽነት ኣመልከቱ፦
"እቲ ኣብ ኢስታንቡል ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ንሰላም ምፍሻሉ፣ ነቲ ውግእ ደው ንምባል እተገብረ ጻዕርታት ከም ዘብቅዐ ዝሕብር ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ፣ መወዳእታ ክኸውን እውን የብሉን" በሉ። "እታ ንተልእኾ ሰላም እምንቲ ዝኾነት ቅድስቲ መእንበር፣ ነቲ ንውግእ ከም ዘይውዳእ ገይርካ ምርኣይ ናይ ዓመጻ ዘይርትዓዊ ኣተሓሳስባን ናይ ሓሶት ክውንነትን ንኸብቅዕ ዘቕረበቶ ጻውዒት ተሐድሶ ኣላ።"
ካርዲናል ፓሮሊን ንተጸምዶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምዝካርን ቃላቶም ብምጥቃስን ወሲኾም "ሰላም ኣብ ኵሉ ምእንቲ ክሰፍን ዝከኣል ዘበለ ጻዕሪ ኽንገብር ኢና" በሉ።
"ተቐናቐንቲ ወገናት ገጽ ንገጽ ምእንቲ ኺራኸቡን፣ ሕዝብታት ተስፋ ምእንቲ ክረኽቡን፣ ክብሪ ሰላም ምእንቲ ኺምለስን ቅድስቲ መንበር ወትሩ ድልውቲ ኢያ" ውን ክብሉ ኣመልከቱ።
ፍትሃውን ነባርን ሰላም ኣብ ዩክረይን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዩክረይን "ፍትሓውን ነባርን" ሰላም ክርከብ ብቐጻሊ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኢዮም። ካርዲናል ፓሮሊን እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ብጭቡጥ መገዲ ምስ ተሓትቱ ከምዚ ብምባል ገለጹ -
"ብጸቕጥታት እተፈጥረ ፍታሕ ወይ ሓባራዊ ፍርሂ ጥራይ ሓቀይና ሰላም ከም ከምጽእ ኣይክእልን ኢዩ። ዓሚቝ ኣኽብሮትን ርዝነትን ዘለዎ ዝርርብ ብምግባር ሓቀይና ሰላም ክርከብ ይከኣል ኢዩ።"
ሰላም ንዅሎም እቶም ኣብቲ ጕዳይ እቱዋት ዝዀኑ ጕጅለታት ብክብሪ ከዕቍቦም ከም ዝኽእል ውን ኣጕልሑ፣ እዚ ድማ "ብዘይ ውርደትን ብዘይ ቅሉእ መጉዳእትን" ኢዩ ክኸውን ዘለዎ።
ሰላም ነባሪ ምእንቲ ክኸውን "ኣብ ጽኑዕ ኣህጉራዊ ስርዓተ ሕጊን ፍትህን ከምኡውን ናጽነት ደኣ እምበር፣ ሰላም ኣብቲ ብኣጽዋር ዝዕቀብ ኣብ ተነቃፊ ሚዛን እተመስረተ" ክኸውን ከም ዘይብሉ ውን ኣመልከቱ።
ናይ ኤውሮጳ ቅድድም ኣጽዋርን ደረት ርእሰ-ምክልኻልን
ብፁእ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ነቲ ኣብ ኣውሮጳ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ብዚምልከት ብዛዕባ ዕንወት ዘለዎ ሻቕሎት ውን ገለጹ፦
"ነፍሲ ወከፍ ሃገር ንሉዓላውነታን ድሕንነታን ምሕላው ግቡእን ኣድላዪን እኳ እንተዀነ፣ ወተሃደራዊ ህንጸት ክሳብ ክንደይ ኣብ መንጎ ሃገራት ምትእምማን ከም ዘሕድርን ነባሪ ሰላም ኣብ ምህናጽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሕግዝን ክንሓትት ኣሎና" በሉ።
መጠኑ ዝሓለፈ ምእኽእባት ኣጽዋር "ንቕድድም ኣጽዋር ነዳዲ ከም ዘጐሃህሮን ፍርህን ራዕድን ኸም ዜስፋሕፍሕ ውን" ኣጠንቀቑ፣ እዚ ድማ ናብ "ዜስካሕክሕ ሳዕቤን" ክመርሕ ይኽእል እዩ ክብሉ ውን ኣስመሩሉ።
"ንርእስኻ ናይ ምክልኻል መሰል ግድነታዊ ኣይኰነን" ብምባል ውን ኣጕልሕ። "ንቐንዲ ጠንቅታት ግጭት ናይ ምቕናስን፣ እንተ ተኻኢሉ ከአ ናይ ምውጋድን ግዴታ እውን ክህሉ ኣለዎ" ክብሉ ውን ብኣጽንዖት ገለጹ።
ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ቃዛ
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃዛ ዘሎ ዅነታት ከምዚ ብምባል ንጹእ መገለጺ ውን ኣካፈሉ፦
"ኣብ 2025 ኣብ ቃዛ ሰላማውያን ሰባት ንሓደ ክግመት ዘይከኣል ሰብኣዊ ዘሕዝን ፍጻሜ ምቅልዖም ናይ ዓይኒ መሰካኽር ምዃና ክትቅበሎ ዘይከኣል ኢዩ። "
ውግእ ጸገማት ዝፈትሓሉ መገዲ ኪኸውን ከም ዘይክእል ብምግላጽ ድማ፣ ንመንግስቲ እስራኤል ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ናይ ግብረ ሰናይ ረድኤድ ዝገብሮ ዘሎ ዕንቅፋታት ብህጹጽ ከቋርጾ ተማሕጸኑ። ቅድስቲ መንበር ነቲ እተገብዛ ውዕላት ከም መፍትሔ ካብ ምድጋፍ ውን ኣየቋረጸትን።
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "እዚ ኽልተ ውግኣት እዚ ደው ንምባል እተገብረ ጻዕሪን፣ ነቶም ልዕሊ 140 ዝኾኑ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ውን ናጻ ክወጹ እተገበረ ጻዕርታትን፣ ኣብ ርእሲ እዚ ውን እቲ ንሰላም ዝብገር ዘተ ኣብ ኣዝዩ እተሓላለኸ ዅነታት እውን ከይተረፈ ውጽኢታዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝሕብር ኢዩ" ክብሉ ውን ኣመልከቱ።
ርክባት እስራኤልን ቫቲካንን ከምኡ ውን ኣይሁድን ክርስትያንን
ርእሰ ብሔር ሃገረ እስራኤል ይስሃቅ ሀርዞግ ኣብ ዕለተ ሲመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስታፉ፣ ነቲ ኣብ እዘን መንጎ ሃገራት ዘሎ "ብሉጽ ዲፍሎማሲያዊ ምሕዝነት" ዘመልክት ከም ምዃኑ ምስ ተሓተቱ ድማ፦ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን "ቅድስቲ መንበት ንዋላ ሓደ ሰብ እኳ ማዕጾአ ዓጽዩ ኣይትፈልጥን ኢያ" ብምባል ኣረጋገጹ።
ብፁዕ ካርዲናል ኣስዒቦም፣ ሀርዞግ "ፕረዚደንት ሓንቲ ሃገር ኢዩ፣ ካብ ሃይማኖት ብእተፈልየ ደረጃ ከአ ኢዩ ዝዓዪ፣ እዚ ድማ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሓቀይናን ነባርን መስርሕ ሰላም ከም እትዓይን ከምኡውን ኣብ መንጎ ኽልተ መንግስታት ሓባራዊ ረብሓ ኣብ ዘለዎ ጕዳያት ተስፋ ከማዕብል ዘለዎ ፖለቲካዊ ኢያ እትድግፍ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣንጻር ጸረ-ሴማዊነት ዝነበሮም ጽኑዕን ዘይቀያየርን ኣቕዋም ውን ኣጕልሑ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከአ "ኣብ መንብጐ ኣይሁዳውያንን ክርስትናን ዘሎ ርክብ ኣብ ምድንፋዕ ክቕጽሉ ኢዮም" ብምባል ድማ ኣረጋገጹ።
ሓድሽ ዝሑል ውግእ ምውጋድ
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ እናገደደ ዚኸይድ ዘሎ ውጥረት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ቻይናን ምስ ተሓተቱ፣ ኣብ መጻወድያ ዝሑል ውግእ ከይንወድቕ ኣጠንቀቑ። "እዚ ፍልልያት እዚ ናብ ግጭት ንኸይቅየር ክዓግቶ ዝኽእል እንኮ መገዲ ዘተ ከም ምዃኑ፣ ቅድስቲ መንበር እትኣምነሉ ሓዊ ኢዩ" ውን በሉ።
ዋሽንግተንን ቤጂንግ ሃናጺ ዝርርባት ክቕጽሉን፣ ኣብ ከም ንግድን ድሕንነትን ዝኣመሰለ ወሳኒ ጕዳያት ሓባራዊ ባይታ ኸናድዩን ህጹጽ ጉዳይ ከም ምዃኑ ውን ኣጕልሑ።
"ግጭት ከም እንኮ መፍትሔ ገይርካ ኸይርአ ኣገዳሲ ኢዩ" ውን በሉ። ንኻልኦት ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ከኣ ኣብ ሕድሕዳውዊ ርክባት ዳግም ክጽመዱን ሚዛናዊ ዝዀነ ብዙሓ ጽላላታት ክትሓጋገዙ ጻውዒት ኣቕረበሎም።
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ወሲኾም "ዲፕሎማሲ፡ ሕድሕዳዊ ምክብባር፡ ፍትሒ ከምኡውን ግሉጽነት ኣድላዪ መሳርሒ ኢዩ" ብምባል መግለጺኦም ደምደሙ።
እሙን ድምጺ ሰላም
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን መራሕቲ ዓለም፣ ኣብ ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስክፕ ምስታፎምን፣ ብዛዕባ ዕለተ ሲመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ውን እንክገልጹ ነቲ ሃገረ ቫቲካን ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ግደ ዳግም ኣረጋገጹ፦
"እዚ ነቲ ቅድስቲ መንበር ንሰላም ዘለቃ ቘራጽነት ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ከም ዘለዎ ዝሕብር ዓቢ ምልክት ኢዩ ዝነበረ።"
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከም ኣብ መደምደምታ ከም ዘመልከትዎ፣ ኣብቶም ቀዳሞት መዓልትታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሮ "ሓባራዊ ድልድል ንምህናጽ ብርቱዕ ጻውዒት ቀሪቡ እዩ፣" እዚ ኸኣ " ኣብ መንጎ መራሕቲ ዓለም ኣገዳስን ሃናጽን ዘተ ከም ዘለዓዓለ" ብምግላጽ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።