ካርዲናል ኦማሊ ብዛዕባ ግህሰት፡ ቤተክርስትያን ንግዳያትን ስድራቤቶምን ቀዳምነት ትህብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ከምቲ ወትሩ ዝነበረ፣ ቤተ ክርስቲያን ንምክልኻል ግህሰት ህጻናት ቀዳምነት ከም እትህበሉ ካርዲናል ሾን ኦ’ማሊ ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ሽማግለ ዑቕባ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣረጋጊጾም፣ ንጉዳይ ግህሰት ህጻናትን ግህሰት ተቓላዕቲ ሰባትን ንምፍታሕ ኣብ እትገብሮ ዘላ ቀጻሊ ጻዕሪ፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ህንጸትን ቀዳምነት ከም ዝወሃቦ ኣስሚሮም፣ “ቤተ ክርስቲያን ብተልእኾኣ መግለጺ ፍቕርን ምሕረትን እግዚኣብሔር ክትከውን ኣለዋ፣ ስለዚ ድማ ሓልዮትን ሓለዋን ሕጻናትን መንእሰያትን ኣብ ተልእኾና ማእከል ክኸውን ኣለዎ” . . . ሰባት ንመልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን ዝሰምዑ “ንሕና ከም እንሓልየሎም፣ ብዛዕባ ደቆም ከም እንሓልን፣ ብዛዕባ ድሕነት ደቆም ከም እንግደስን ምስ ዝእመኑ ጥራይ እዩ” ኢሎም።
ካርዲናል ኦማሊ እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ዑቕባ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ካብ ዝምስረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዘካየድክምዎ ስራሕ ክትነግሩና ትኽእሉ ዶ?
ንነዊሕ ዓመታት ኣካል ናይቲ ሽማግለ ምዃንን ኣብቲ ኩሉ ግዜ ኣቦ መንበር ናይቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ምዃነይን ዓቢ ዕድል እዩ። ብሓቂ እቲ ሽማግለ ብሕቶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ እዩ ጀሚሩ - ቢሎም - እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ብሰለስተ ጉጅለታት ዝቖመ ኮይኑ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ሰባት ዝውክል እዩ፡ ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ምክልኻል ህጻናት ብዙሕ ተመኩሮ ዘለዎም፣ ከምኡ’ውን ኣብ ጳጳሳዊ ሽማግለ እውን ወትሩ ካብ ግህሰትን ዓመጽን ዝደሓኑን ወለድን ዝውክሉ እውን ኣለዉ። እዚ ድማ ስራሕና ክውንን ምስቲ ካብ ግህሰት ዝደሓኑ ማሕበረሰብ ንምርኻብን ከምኡ’ውን ቤተ ክርስቲያን ንጉዳያት ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ግህሰት ብኸመይ ምላሽ ከም ዝሃበትሉን ከም ዝፈትሓቶን ተመኩሮታቶምን ተመኩሮታቶም ኣብ ምርዳእን ኣዝዩ ዋጋ ዘለዎ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ስራሕ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓደ ዓይነት ምዕባለ ተራእዩ እዩ። ቀንዲ ዕላማና ኣብ ዓውዲ ዑቕባ ንቅዱስ ኣቦና ኣማኻሪ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ንሕና እውን ኣብ ህንጸታዊ ጻዕርታት ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ምስ ኣመራርሓ፣ ምክልኻል ንኽርድኡ ክንሕግዞም ኣዚና ንሳተፍ ኢና። ዑቕባን ምክልኻልን መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመን ንምድንፋዕ ዝሕግዙ መምርሕታትን ውዕላትን ንምግምጋምን ንምምዕባልን ገዝእ ርእስና ተወፊና ኣሎና።
ኣብዚ ቀረባ እዋን እውን ዓመታዊ ጸብጻብ ከነሰናዱ ጸኒሕና ኢና፣ እዚ ጸብጻብ እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ዑቕባን ምክልኻልን ህጻናትን ተነቀፍትን እንታይ ይፍጸም ከምዘሎን እንታይ ዕዉት ኮይኑን እንታይ ይጎድልን ዝግምግም እዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ድማ ብፍላይ ብዛዕባ ናይ ዑቕባን ምክልኻልን ሕቶ ገና ክዝረበሉ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፣ ብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ውሑድ ጸጋታት ዘለወንን ኣብ ዓለማዊ ደቡብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ሰሪሕና ኢና። ስለዚ ድማ እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ስልዕቲ ኣጣይሱ ኣሎ። ኣብተን ሃገራት ንዝርከቡ ሰባት ኣብ ጉዳይ ምክልኻል ንምስልጣን ንማእከላት ሰማዕቲ ቃል ኣደዳ ግህሰትን ንምምዋል፣ መምርሕታት ኣብ ቦትኦም ንምትግባርን ግዳያት፣ ስድራቤቶምን ማሕበረሰቦምን ዘቕርብዎ ጥርዓን ምቕባልን ምክንኻንን ከምዝገብራን ዘብቕዕ እዩ፣ ኣብዚ መዳይ ናይ ሓያሎ ናይ ጳጳሳት ጉባኤታትን ካቶሊካውያን መሰረታዊ ሓገዝ ረኺብና ኢና።
ስለዚ እዚ ኩሉ ነገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታትን ብመሰረት እቲ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ቅዋም፣ እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣዝዩ ናጻ ዝኾነ፣ ዳርጋ ዝተፈለየ ሽማግለ ዝነበረ፣ ሕጂ ኣካል ናይቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሓድሽ ኣድማስ ከፊቱልና ኣሎ። ምኽንያቱ ብዙሕ ግዜ ከም ግዳማውያን፣ ከም ኣዝዮም ናጻ ዝኾኑ ኣካል ኢና ንርአ ዝመበርና። ሕጂ ድማ ምስ ዝተፈላለያ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ዝዓበየ ዘተ ክንገብርን ኣብ ውሽጢ ቫቲካን ናይ ሓለዋ ባህሊ ንምስፋን ክንሕግዝን ሓድሽ ኣፈት ክንረክብ ገይሩና ኣሎ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ጳጳሳት ዓለም፣ ኣብ ሮማ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ምስ ዝተፈላለያ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ንኽራኸቡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሃገረ ስብከቶም ዘጋጠመ ጸብጻብ ንምቕራብ ዝገብርዎ ምብጻሕ መሰረት እውን እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ምስ ንፍሲ ወከፍ ጉባኤ ጳጳሳት ሃገራት ክራኸብ ክኢሉ እዩ። ከምኡ’ውን ብፁዓን ጳጳሳት ዝያዳ ንኽመሃሩን ኣብዚ መዳይ’ዚ ሓገዝ ንኽረኽቡ ዘለዎም ተገዳስነትን ድሌትን ምርኣይ ኣዝዩ ዓስቢ ዘለዎ እዩ። ስለዚ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምእኩል ኣስራርሓ ክህሉን ኣብዚ መዳይ እውን ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ጳጳሳት እማመታቱ ንምሕያልን ዝዓበየ ተሳትፎ ዓለማውያን ምመናን ንምድንፋዕን ሓጊዙ እዩ፣ ብናተይ ኣረኣእያ፡ እዚ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ናይቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ እዩ ክብል እኽእል።
ዓመታዊ ጸብጻባት ጠቒስኩም ኣለኹም፡ እዚ ድማ ሓድሽ ናይቲ ሽማግለ ዕዮ ኮይኑ ኣሎ፡ ዝቕጽል ጸብጻብ እንታይ ከም ዘጠቓልል ክትነግሩና ትኽእሉ ዶ?
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዓመታዊ ጸብጻብ - 2024 ዓ.ም. ክንዝርግሕ ተስፋ ንገብር።እቲ ቀንዲ መርሕ ቃል ድማ ካሕሳን “ፍትሒ ምልዋጥን” ክኸውን እዩ። እቲ ጸብጻብ ናይ 22 ዝተፈላለያ ሃገራትን ክልተ ናይ ሰብ ውፍይ ሕይወት ማሕበራትን ናይቲ ብምኽንያት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ጉባኤ ጳጳሳት ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝገብዎ ምብጻሕን ብዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ናይ ዝተግብረ ዘተ ውጺት ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስቶም ማሕበረሰባት፡ ምስቶም ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ዘካይድናዮ ርካባት ብዛዕባ እቲ ሓለዋ፡ ከምኡ’ውን ጭብጥታት ብኣሃዝ ኣብ ምቕራብ፡ መምርሕታት ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፡ ብኸመይ ተተግቢሮም፡ ዘጋጠሙ ብድሆታትን ዝተራእዩ ጌጋታትን ብፍሉይ ክንርዳእ ዕድል ኮይኑና እዩ።
ስለዚ ድማ እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግሉጽነት ንምስፋን ክንቅጽል የኽእለና፣ ሰባት እንታይ ይፍጸም ከምዘሎ፣ ጽቡቕ ነገራት ከምኡ’ውን ጉድለታት ክርእዩ ከኽእለና እዩ። ከምኡ’ውን፡ ንቕድሚት እንተኸይድና፡ እቲ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክፋል ተልእኾና ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ።
ኣብ ዓውዲ ሓለዋ ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣማኸርቲ ኮይንኩም ዘለኹም ግደ ተዛሪብኩም። ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንምክልኻል ግህሰት ህጻናት ብዝምልከት ቀዳምነታት እንታይ ምዃኑ ክትገልጹልና ትኽእሉ ዶ?
ቀዳምነታት ከም ወትሩ ሓደ እዩ። ማለተይ ነቶም ግዳያትን ስድራቤቶምን ቀዳምነት ክንህቦም ንፍትን ኣሎና። ብርግጽ ግሉጽነት ኣሎ፤ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እቲ ዝኸፍአ ተግባራት ቤተ ክርስቲያን ንገበናት ምኽዋል እምበር ምሕባር ኣይነበረን። ስለዚ፡ ምስ በርገሳዊ ሰበስልጣን ምትሕብባርን ምስራሕን ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ። ግሉጽነት፤ ሰባት እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ክፈልጡ፤ ናይ ተሓታትነት ስምዒት፤ ከምኡ’ውን ኣገዳስነት ምሉእ መስርሕ ሕንጸት ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ቤተ ክርስቲያን ብተልእኾኣ መግለጺ ፍቕርን ምሕረትን ኣምላኽ ክትከውን ከም ዘለዋን በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ሓልዮትን ሓለዋን ህጻናትን መንእሰያትን ማእከላይ ተልእኾና ክኸውን ከም ዘለዎን ሰባት ክርድእዎ መታን።
ከምኡ’ውን፡ ከምቲ ዝብሎ፡ ሰባት ንመልእኽትና ዝሰምዕዎ፡ ንሕና ከም እንሓልየሎምን ብዛዕባ ደቆም ከም እንግደስ፡ ምስ ዝኣምኑ ጥራይ እዩ።
ስለዚ እዚኦም እዮም ቀጻሊ ቀዳምነታት ዝወሃቦም ጉዳያት። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብርግጽ ቅድሚ ገለ ዓመታት ንሓለፍቲ ኩሎም ጉባኤ ጳጳሳት ኣኪቦም ብዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ብዕቱብ ክምልከትዎን ስጉምቲ ክወስዱን ተሓተትቲ ንግቡእ ፍርዲ ንምቕራብ ብድሆ ኣቕሪቦም እዮም። እዚ እውን ዓቢ ስጉምቲ እዩ ነይሩ። በቲ ዝቖመ ጳጳሳዊ ሽማግለ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣቢላ ቤተ ክርስቲያን እናተሓገዘት ኣብ ደቡብ ዓለም ብዙሓት ሃገራት ምስ እዚ ጉዳይ ክቃለሳ ትድግፍ ኣላ፡ ድሮ እውን ጀሚረን ኣለዋ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ጳጳሳት ናይ ገዛእ ርእሱ ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝሓልይ ሽማግለ ቆይሙ እዩ።
ብሓቂ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንቕሓት እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ንርኢ ኣሎና። ፍራንቸስኮ ጥራሕ ዘይኰኑስ በነዲክቶስ መበል 16ን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን እውን ተወፋይነት ኩሎም ናይ ቀረባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ርኢና ኢና። ተወፋይነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ሓድሽ ንቕሓት ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ተሰማሚዑ እዩ ክትብሉ ትኽእሉ ዶ? ንዝመጽእ ዓመታትከ እንታይ ምልክታት ተስፋ ትርእዩ?
ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መግለጺታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ርዱእ እዩ ዓለማዊ መራኸቢ ብዙሓንን ከምኡ እውን መራኸቢ ብዙሃን ቤተ ክርስቲያን ህዝቢ ነዞም ጉዳያት እዚኣቶም ንኽፈልጡ ኣዝዮም ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ብርግጽ ኣዝዩ መሪር መስርሕ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ፡ ግን ኣገዳሲ እዩ። መሪር እውን እንተኾነ ወንጌል ከም ዝብሎ ሓቂ ሓራ ክተውጽኣና እያ።
እዚ ጉዳይ እዚ ብዙሕ ግዜ ብካቶሊካውያን ጥርጣረታት ኣጋጢምዎ እዩ:- “እዚ ግና ጸረ ካቶሊክ ምዃን ማለት እዩ።” ወይ “ኩሉ ብዛዕባ ገንዘብ’ዩ” ወይ “ኩሉ ሓሶት’ዩ” ዝብል ርእይቶ ክወሃቦ ትሰምዕ፣ ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጣልቃ ኣትዮም ግሉጽነት ምስ ሓተቱ፡ ይቕሬታ ምስ ሓተቱ፡ ምስ ግዳያት ምስ ተራኸቡ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ካቶሊካውያንን ህዝብን ንቕሓት ክዓቢ ሓጊዙን እቲ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝወሃብ መግለጺ ተቐባልነት ክረክብ ክኢሉ እዩ።”
ከምኡ’ውን ንቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ኣቓልቦ ክወሃባ እንከሎ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን እንተወሓደ ኣብ ኣመሪካ፡ ንስካውት፡ ወይ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ወይ ጋንታታት ስፖርት’ውን ብዙሕ ኣቓልቦ ተዋሂቡ እዩ። ስለዚ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ግህሰት ናይ ሰብ ጸገም እዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክፍጸም እንከሎ ግን ክሳብ ክንደይ ዘስካሕክሕ ምዃኑ ዝክሓድ ኣይኮነን።
ካልእ ክትብልዎ እትደልይዎ ነገር እንተሎ?
ነዚ ኩሉ ዓመታት ኣብ ሽማግለ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምግልጋለይን ምስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ድንቂን ውፉያትን ሰባት ክሰርሕ ምኽኣለይ ዓቢ ዕድል እዩ። እዚ ጳጳሳዊ ሽማግለ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ መጻኢ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ክሰርሕ ብሃንቀውታ ይጽበ ከም ዘሎ እረጋግጽ እንክብሉ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።