ካርዲናል ግሬች ምስ ፓትርያርክ በርተሎሜዎስ ተራኺቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 17 ሰነ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ፋናር ኣብ መንጎ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብዚ እዋን’ዚ ንኣኼባ ዋና ጸሓፍቲ ጉባኤታት ጳጳሳት ኤውሮጳ (CCEE) ኣብ ኢስጣምቡል ዝርከቡ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስን ሕውነታዊ ክሌኣዊ ዘተ ከም እተኻየደ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብቲ ናይ ዋና ጸሓፍቲ ጉባኤታት ጳጳሳት ኤውሮጳ (CCEE) ዓውደ ኣኼባ፣ ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ሲኖዶስ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ንምዕራፍ ትግባረ ሲኖዶስ ዘሰይዮ መስርሕ ከም ዘቕረቡን፣ ኣብዚ መገሻኦም ኣብ ኒቅያ፡ ሎሚ ኢዝኒክ ዝብል መጸውዕ ዝተዋህቦ - መበል 1700 ዓመቱ ንምብዓል ዝቀራረብ ዘሎ ቀዳማይ ኤቁመናዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ዝተኻየደሉ ቦታ ዑደት ከካይዱን እዚ ዘካይድዎ ዑደት ድማ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘሰናድውን ዕላማ ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መሰረት ዝገበረ እውን ምዃኑ የመላኽት።
ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ
ፓትርያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ንተጋባእያን ዋና ጸሓፍቲ ጉባኤታት ጳጳሳት ኤውሮጳ (CCEE) ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ምስ ነፍሰ ሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ዝነበሮም ውልቃዊ ምሕዝነትን ናይ ፍራንቸስኮ ተወፋይነትን” ኣስሚሮም፣ ከምኡ እውን ፈታዊ ኦርቶዶክስ” እንክብሉ ብምግላጽ ብዓቢይ ሞሳ ዘኪሮም፣ ናይ ፍርንቸስኮ እዋን ር.ሊ.ጳጳስና “ናይ ምዉቕን ሓድሕዳዊ ምትብባዕን ዘመን” እንክብሉ ገሊጾም፣ ኣስዒቦም ድሮ ምስ ሓድሽ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ክልተ ግዜ ከም እተራኸቡን ዘኪሮም ካርዲናል ፕሮቨስት ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምሕራዮም እውን ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም፣ “ብመሪሕነቶም ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያናትና ዘሎ ምትእስሳር ብሓቅን ፍቕርን እናዓሞቐ ከም ዝቕጽል ርግጸይናታት ኢና። ቤተ ክርስቲያን ኣንፈትን ሓድነትን ኣብ እትናፍቕ ዓለም እተቕርቦ ምስክርነት ኣብ እትቕጽለሉ ዘላ እዋን፡ ናይ ልዮን መበል 14 ር.ሊ.ጵጵስና ብመንፈሳዊ መመያን ትንቢታዊ ትብዓትን ዝልለ ክኸውን ጸሎትና እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣገዳስነት ዘተ
ፓትርያርክ በርጠለዎምስ ቀዳማዊ ዘተ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ዘተ ኤቁመናውን ኣብ ሓድሕድ ሃይማኖታውን - ብፍላይ ኣብዚ ብዓመጽን ምግምማዕን ፍርሕን ዝልለ ዓለም “መንደቕ ዘይኮነስ ሃነጽቲ ድልድላት ክንከውን ኣብ ዝተጸዋዕናሉ ፍልዩን ልዑልን ኣቓልቦ ክንህበሉ ይግባእ - ቢሎም - ብፍላይ ድማ ኣገዳስነት ናይቲ ምስ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብን እቲ ቅድሚ ዳርጋ ፍርቂ ዘመን ድሕሪ ምስራዝ ሓድሕዳዊ ውግዘትን ኣብ 1965 ዓ.ም. ዳግማይ ዝተበገሰ ስነ መለኮታዊ ዘተ ኣስሚሮም፣ እዚ ዝምድና እዚ “ጽኑዕን ዕቱብን መገዲ ርክብ” ንምስዓብ ኣገዳሲ እዩ - እዚ ጉዕዞ እዚ ብድሆታት ዘይብሉ እኳ እንተዘይኮነ፣ “ብህሞታት ጸጋን ዝዓሞቐ ምርድዳእን ነቲ ክርስቶስ ዝደልዮ ሓድነት ልባዊ ድሌትን” እውን ዝልለ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ሰላም ኣብ ሕመረት
ፓትርያርክ ምስ ካልኦት ጥንታውያን ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ምስ ትውፊታት ፕሮቴስታንት ከምኡ’ውን ምስ ብዙሓት ኣብ መንጎ ክርስትያናት ዝነብሩ ኣካላት ዝግበር ዘሎ ዘተ ኣስሚሮም፣ እዚኣቶም፡ “ተራን መደበይናን መስርሓት” ዘይኰኑስ፡ “መንፈሳዊ ርክባት” ከምኡውን “ንወንጌል ዳግማይ ተወፋይነት” ዚግበረሎም ዕድላት ምዃኖም ኣስተብሂሎም፣ ከም ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መጠን፡ “ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ንዝግበር ዘተ ዓቢ ኣገዳስነት ንህበሉ - ምስ ኣይሁዳውያን፡ ኣስላምን ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖትን ዝግበር ዝምድና፡ “ሰላም፡ ሓድሕዳዊ ምርድዳእን ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ምኽባርን ንኹሉ ልምድታት እምነት ቀንዲ ቃል ኪዳን ክኸውን ኣለዎ ብዝብል እምነት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ፍርያም እናኾነ ይቕጽል ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ብድሆታት ንቤተ ክርስቲያንን ንሰብኣውነትን
"ብርግጽ ሎሚ ንቤተክርስትያንን ሰብኣውነትን ዘጋጥሞ ዘሎ ብዙሕ ብድሆታት ዕዉራት ኣይኮናን፡ ሕቶታት ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ስደት፡ ኲናት፡ ሃይማኖታዊ ስደት፡ ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየር ኩሎም እዚኦም ኣቓልቦና ዝጠልቡ እዮም፣ እዚ ተኣፋፊ ስክፍታታት እዚ “ካብቲ እንእውጆ ወንጌል ዘይፍለ እዩ። ብፍላይ ንፍጥረት ዝግበር ሓልዮት “ምስ ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያናትን ትካላትን ዝገበርናዮ ምትሕብባር ብዙሕ ፍረ ዝፈረየሉ ዓውዲ” ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
ኣገልግሎት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ኤውሮጳ
ኣብዚ መንጽር እዚ፡ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ነቲ “ናይ ቤተ ክርስቲያን ምስክርነት ንምግላጽን ንህዝቢ ዘድልዮ ምላሽ ንምውህሃድን” ዝሕግዝ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ኤውሮጳ ኣሞጊሶምን ኣተባቢዖምን፣ “እቲ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን እትዛረበሉ ዘሎ ምትእስሳርን ንጹርነትን ፍቕርን - ለጋስነትን ንስኻትኩም ከም ዝከኣል ትገብርዎ ኣለኹም” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ቀዳማይ ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ንምዝካር ዝካየድ ዘሎ ምድላዋት ጠቒሶም - “ሓድነት ንምሾትን ወይ ንስልቲ ዝምልከት ጉዳይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ብክርስቶስ ዝተገልጸን ብሕይወት ቤተ ክርስቲያን ዝተኣወጀን ሓቂ ተኣማኒ ምዃኑ ዘዘኻኽር እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ብካርዲናል ግሬች ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ
ኣብ ኢስጣምቡል ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ እንጦንዮስ ዘፓዶዋ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ዘዕረገዎ ሓሳብን ከምኡ እውን ናይ ዘስምዕዎ ስብከት ማእከል “ንቂያ” ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ገሊጹ፣ “ኣብዚ ቅድሚ 1700 ዓመት ቤተ ክርስቲያን ወልድ ምስ ኣቦ ሓደ ዓይነት ባህሪ ከም ዘለዎ ብኽብሪ ዝኣወጀትሉ ቦታ ተጠርኒፍና ኣሎና” እንክብሉ ስብከቶም ኣበጊሶም፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ “ንብዙሓት እዚ ዜሕፍር ምርጫ ቃላትን ንባህርይ ኣምላኽ ዝይምጥን እዩ ነይሩ”፣ ብሓቂ ግና “ንዕብየትን ስነ - መለኮታዊ ትብዓትን ዘርኢ” ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ ናይቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኽቡ: “ባህሪ ኣምላኽ ሓደ እኳ እንተዀነ: ግን ኣሳታፊ እዩ ኢሎም ይካትዑ ነይሮም። ወልድ ኣብ ባህርይ ኣቦ ይሳተፍ እዩ . . . ኢየሱስ ደቂ ኣምላኽ ይብለና፡ ወልድ ድማ ምስቶም ወለዲ ኣብ ሓደ ባህሪ ይሳተፍ፣ ኣብ ጉዳይና ደቂ ሰባት፡ እግዚኣብሄር ተበግሶ ወሲዱ ኣብ ባህርያቱ ብጽሒት የቕርበልና - ንሱ ውልዱ ይገብረና። ብዓይኒ ናትና ኣረኣእያ ድማ፡ ከምቲ ኣቦ ዝገብሮ ብምውሳእን ብምምልላስን፡ ከም ኣቦ ብምዃን ኣብ ባህርይ ኣምላኽ ክንሳተፍ ንኽእል ኢና" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ብሲኖዶዊ መንገዲ ሓድነት ምንባር
“ንኣምላኽ ምምሳል ማለት ከቢድ እኳ እንተ ዀነ ምስ ካልኦት ናብ ሕብረት ምእታው፡ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ሰባት ናይ ሕብረት ድልድል ምህናጽ ማለት እዩ፡ ብምባል ኣስተብሂሎም፣ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰነድ ናይቲ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስ ጳጳሳት ሕጡበ - ጽሑፍ 154 እውን ጠቒሶም፡ “ብመስርሕ ሲኖዳውነት እናነበርና፡ እቲ ክትቕበሎን ክእወጅን ዘለዎ ድሕነት ብባህሪኡ ዝምድናዊ - ተራኽቦ ምዃኑ ናይ ምስትውዓል ንቅሓና ኣሐዲስና ኣለና . . . መንፈስ ንሓቀይና ዝምድናን ሓቀይና ምትእስሳርን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ኣቐሚጥዎ ኣሎ . . . ነቲ ዘድሕን ሕብረት ብናይ ሲኖዳውነት ፍኖት ብምጉዓዝ፡ ብጸዋዕታታትናን መንፈሳዊ ህያባትናን ኣገልግሎትናን መሰረት ናይ ወንጌል ሓሴት ንኸነበስር ምስ ኩሉ ንኽንራኸብ ምውጻእ” ምስ በሉ፣ ኣብ መደምደምታ “ድልድላት ሓድነት ምህናጽ ፈጺሙ ቀሊል ኣይኰነን . . . ልክዕ ከምቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝዘተየ ሲኖዶስ ክትዓትን ንጽጽር ሓሳባትን ዘበገሰ፡ ንገዛእ ርእሱ ጉባኤ ኒቅያ ብኸመይ ብወጥሪ ዝልለይ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ “ግናኸ ነቲ ደረት ኣልቦ ዝኾነ ባህርይ ኣምላኽ ክንመስሎ እንፍትን ደረት ኣልቦ ፍጥረት ጥራይ ምዃንና ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞ ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።