ካርዲናል ችዘርንይ ቤተክርስትያን ኣብ ሰንበት መዓልቲ ባሕሪ ንባሕረይናታት ክትዝክር ይሓቱ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማይክል ችዘርንይ፣ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተመርኩይዞም እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝቃላሕ ብዛዕባ ሓቀይና ሰብ ዘቕርቦ ኣስተንትኖ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ከስተውዕሎ ብምዝኽካር፣ "ንዅሎም እቶም ኣብ ባሕሪ ዚሰርሑ . . . ኣብ ልቢ ቤተ - ክርስትያን ዘለዉ፣ ፍትሕን ክብርን ሓጐስን ክወሃቦም ዚደልዩ በይኖም ኣይኰኑን" ቤተ ክርስቲያን ምስኦም ሓቢራ ትጓዓዝ ምዃና ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ዓለማዊ ቁጠባ ኣብ ሕቶ ምእታው
ካርዲናል ቺዘርንይ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ካልኣይ ሰንበት ወርሒ ሓምለ ተዘኪሩ ዝውዕል ምዃኑ ብምዝኽካር - ብስራት ትንሳኤ ክርስቶስ፣ መንግስቲ ኣምላኽ ክንልወጥ ዝጽውዕና ምዃኑ ከም ዘመላኽት ኣስተብሂሎም፣ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው “ብዝያዳ ሱር በተኻዊ ብዝኾነ ኣገባብ . . . ነቲ ዘሎ ስርዓት ኣብ ሕቶ ከእትዉ ዝጠልብ ምዃኑ” ከስተውዕሉ ሓቲቶም፣ “ብዘላ ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ሰባት ኣብ ወደባትን ኣብ መራኽብን ከመይ ከም ዝሰርሑ፡ እንታይ መሰል ከም ዘለዎም፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ከም ዝርከቡን ሰብኣውን መንፈሳውን ሓገዝ ብኸመይ ከም ዝረኽቡን ክትሓስበሉ ትጽዋዕ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብጭቡጥ ኣዘራርባ፡ ካርዲናል ችዘርንይ ንካቶሊካውያን “ብድሕሪ ቁጠባ ዘሎ፡ መዓልታዊ ኣብ ዕዮ ዝተዋፈሩ ሰባት ጽልዋ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ፈጺሞም ረብሓታት ዘይረኽቡ፡ ብሓቂ ድማ ንኣድልዎን ሓደጋን ንዝቃልዑ ኣቃልቦ ክግበርን ኩነታቶም ክፍለጥ ኣብ ምግባር ዘለዎም ሓላፍነት ክፍጽሙ ከም ዝሓተቱ ኣፍሊጡ።
ባሕረይናታት ከም 'ነጋድያን ተስፋ'
ብጹዕነቶም ቀጺሎም ንባሕረይናታት ከም "ነጋድያን ተስፋ " ገይሮም ክፈልጥዎም ዘለዎም ባህጊ ገሊጾም፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም፣ ክብሪ ሰብ ዘኽብር ስራሕን ናብራን ርክባትን ዝብል "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ድሌታት ዜንጸባርቑ " እዮም፣ . . . ተስፋ "ወትሩ ብዛዕባ ሸቶና ከዘኻኽረና ኣለዎ - ብዘይ ጽሕፍቶ እንጐዓዝ ኣይኰንናን፣ የግዳስ ብማንም ኣብ ዝኾኑ ይኹን ኩነት ሰብኣዊ ክብረቶም ዘይገሃሶም ፍጥረት ኢና . . . ኵላትና ናብ ሓንቲ ቤት እንምለስ ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ ዝዀንና ኸኣ፣ "ተስፋ ክንገብር ንኽእል፣ በዚ መሰረት "ሎሚ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ዅሎም ህያዋን ፍጡራትን ዘሎ ሓድነት እናደልደለ ኪኸይድ ከም ዝኽእል ርግጸይናታት ኢና” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ባሕሪ ናብ ምልዋጥ ይጽውዓና
ንባሕረይናታትን መሳርሕቶምን፡ ሃይማኖታዊ ይኹን ባህላዊ ምትእስሳሮም ብዘየገድስ፡ ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ መልእኽቶም ብምምስጋን፡ ነጋድያን ተስፋ ብምዃኖም፡ “ዋላ ኣብ መንጎ ጸላእቲ ሃገራት ነብያት ድልድል ሰላም ክኾኑ” ዓዲሞም፣ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ንዓቕለስያውን ማሕበረሰባት ብፍላይ ድማ ንባሕሪ፡ ሩባታት ወይ ቀላያት ዘጠቓልላ ሃገረ ስብከታት፣ “ንባሕሪ ከም ስጋውን መንፈሳውን ሃዋህው ናብ ምልዋጥ ዝጽውዓና ምዃኑ ዝብል ኣቓልቦ ከስፍሑ” ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።