"ኣመንቲ ቅድሚ ምዃንና ሰብ ክንከውን ኢና ተጸዊዕና!"
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ኣመንቲ ቅድሚ ምዃንና ሰብ ክንከውን ኢና ተጸዊዕና!"
እዚ ሓደ ክፍሊ ናይቲ ኣብ ቫቲካን ዕለት 28 ግንቦት ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ምዃኑ ቶርኒየሊ ኣስተብሂሉ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ምሳሌ ሕያዋይ ሳምራዊ ከስተንትኑ እንከለዉ፡ ኣብቲ ንሕይወትና ዘቑሙ ርክባት፡ “ብሓቂ መን ምዃንና ንገልጽ” ቢሎም፡ ምስ ተኣፋፍነትን ድኻምን ካልኦት ኣብ እንራኸበሉ እዋን፡ ወይ “ክንከናኸኖም ወይ ድማ ዘይግደሱ ክንከውን ዝከኣል ምዃኑ ይገልጹ።
እዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ ኢየሱስ ምሳሌ ዘጋጠመ፡ እቶም ክልተ ኣገልገልቲ - ካህናት፡ ናብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ቤተ መቕደስ ናይ ምእታው ፍሉይ ዕድል ዝረኸቡ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ብሸፋቱ ዝቖሰለን ኣብ ወሰን መንገዲ ተጠንጢኑ ዝነበረ ሰብኣይን ደው ኣይበሉን። ኣብ ክንድኡስ ሓደ ሳምራዊ፣ ማለት ብኣይሁድ ርኹስ ተባሂሎም ካብ ዝቑጸሩ ሰባት ዝኾነ - እዩ ሓልዮትን ክንክንን ዝረኸበ። እቲ ብሃይማኖታዊ ትውፊት ዳርጋ ከም “ጸላኢ” ዝቖጽር ዝነበረ ሰብኣይ እዩ ዝተኸናኸነ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ዕለት 28 ግንቦት ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ "ልማዳዊ ኣምልኾ ብቐጥታ ንርህራሄ ዝመርሕ ኣይኮነን። ብሓቂ ቅድሚ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ምዃኑ፣ ርህራሄ ናይ ሰብኣውነት ጉዳይ እዩ!" ከም ዝበሉ ቶርኒየሊ ኣዘካኺሩ፣ ኣመንትን እምነት ዝነብሩ ምዃን፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምዃን፡ ርህራሄ ዘረጋግጽ ኣይኮነን፡ ከምኡ’ውን ብክውንነት፡ ብርክባት፡ ብናይ ድሌት ኩነታት ንነብስና “ክንትንከፍ” ከም እንፈቅድ ዘረጋግጽ ኣይኮነን።
“ቅድሚ ኣመንቲ ምዃንና ሰብ ክንከውን ኢና ተጸዊዕና!”
ልክዕ እዚ ሳምራዊ እዩ ናይቲ ኣብ ወንጌል ዝግለጽ ርህራሄ፣ እዚ እዩ ንምምስካር ዕድል ዝኸውን።
እዚ ሓሳብ እዚ ድሮ ኣብ 1959 ዓ.ም. ተገሊጹ ነይሩ፣ ብትንቢታዊ ንጹርነት፣ ኣብቲ እዋን እቲ ኣባ ጆሴፍ ራትዚንገር፡ ሽዑ ኣብ መንበረ ጥበብ ቦን ናይ መሰረታዊ ቲዮሎጊያ መምህር ኣብ ዝነበርሉ እዋን ዝገለጽዎ ኮይኑ፣ ኣብቲ “ሓድሽ ኣረማውያንን ቤተ ክርስቲያንን” (" Die neuen Heiden und die Kirch e," 1958–59) ዝብል ናይ መጽናዕቲ ጽሑፎም፡ ነቲ ዝተቐየረ ኩነታት ናይቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽል ሕብረተሰባት እንከስተንትኑ ፣ብዛዕባ ወንጌላዊ ምስክርነት ክጽሕፉ እንከለዉ፣ "ክርስትያን ኣብ መንጎ ካልኦት ክርስትያን ሓው ክኸውን ዘይክእል ጎረቤት ካብ ምዃን፣ ሕጉስ ሰብ ክኸውን ኣለዎ" ይብሉ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ከምቲ ሕያዋይ ሳምራዊ “ብጻይ” ዝዀነ ሰብ ምዃን ከም ዘድሊ የተሓሳስቡ።
ናይ መጻኢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ወሲኾም፣ "ብቐጻሊ ናይ ምልዋጥ ፈተነታትን ስብከትን ብምቕራብ ዘሕርቕ ሰብ ዘይኮነስ፣ ኣብቲ ምስቲ ዘይኣማኒ ጎረቤቱ ዝገብሮ ዝምድና ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉ ብልክዕ ሰብ ክኸውን ኣለዎ . . . ሰባኺ ክኸውን የብሉን፣ እንታይ ደኣ፣ ብጽቡቕ ግሉጽን ገርሀይናን ሰብ ክኸውን ኣለዎ" ከም ዝበሉ ትርኒየሊ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ የስተብህል።
ኣባ ራትዚንገር ቤተ ክርስቲያን ከመይ ጌራ ከም እትውለድን ዳግማይ ከም እትውለድን ብንጹር ዝርድኡ እዮም ዝነበሩ፣ ማለት ካብቲ ካብ ምስክርነት እቶም ብክርስቶስ ዝተሳሕቡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፣ ብህይወቶም ንዕኡ ክምስክሩ ዝኽእሉ - ብርህራሄ፣ ኣብ ጉዕዞኦም ዝኾነ ዝረኸብዎ ሰብ ብጻይ ብምዃን።
ብኻልእ ሸነኽ እቶም ናይ መጻኢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16፡ ንውድቀት ምዕራባዊ ክርስትና ደው ንምባል ናብ ዕርዲ ንድሕሪት ብምምላስ፡ እምነት ናብ ባህላዊ ኣተሓሳስባ፡ ናብ ኣባልነት ጉጅለ ናብ መንነታዊ መጣበቒ፡ ወይ ንገለ ፖለቲካዊ ውጥናት ዝድግፍ ስነ - ሓሳብ ብምውራድ ከም ዘይከውን ድሮ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም።
እዚ እዩ፡ ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሕመረት ተልእኾ ወንጌል፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ለውጥና ናይ ወንጌላውነት ሓይሊ - ሰባት ቅድም ቀዳሚ ሰብኣውያን ክፉታትን ርሕሩሓትን ክዀኑ ከም እተጸውዑ ኣብ ምፍላጥ፣ እቶም ካብ ካልኦት ጸብለል ዝበሉ ዀይኑ ዘይስምዖም ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን መብዛሕትኡ ግዜ "ርሑቕ" ምዃኖም ዝፈልጡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ሕያዋይ ሳምራዊ ንርሕራሐ ዝምስክሩ "ሓጥኣን" ምዃኖም ኣብ ምፍላጥ እዩ” እንክብሉ ቶርኒየሊ ዘቐረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝም።
(Andrea Tornielli)