MAP

2025.06.15 Floribert beatificazione Goma Congo Sant'Egidio 2025.06.15 Floribert beatificazione Goma Congo Sant'Egidio 

ብፁዕ ፍሎሪበርት ብዋና ቹዊ - ምስክርነት ሰናይን ሰላምን

ኣብ ሮማ ዝለፈ ሰንበት ብፁዕ ካርዲናል ማርቼሎ ሴመራሮ ኣዋጅ ብፅዕና ፍሎሪበርት ቡዋና ቹዊ ኣዋጅ ቅድስና ኣካይዶም። እቲ ወዲ 26 ዓመት ኮንጎኣዊ ናይ ጉምሩክ በዓል ስልጣንን ከምኡውን ኣባል ማሕበር ቅዱስ ኤጂድዮ ዝነበረ ፍሎሪበርት፣ እተበላሸወ መግቢ ናብ ዓዱ ንምእታው ብምእባዩን ካብ ብልሽውና ንጽህና ብምምራጹን ብ2007 ብሰማእትነት ተቐትለ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓልፈ ሰንበት ዕለት 15 ሰነ 2025 እቶም ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳይት ኣዋጅ ቅድስና ናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማርቼሎ ሴመራሮ፣ ኣዋጅ ብፅዕና ፍሎሪበርት ቡዋና ቹዊ ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ስገር መናቕ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣካይዶም። ፍሎሪበርት ሓደ ናይ ጉምሩክ በዓል ስልጣን ኮይኑ ከምኡውን ኣባል ናይቲ ኣብ ጎማ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝርከብ ማሕበእ ቅዱስ ኤጂድዮ ኢዩ፣ እተበላሸወ ምግቢ ዶብ ሃገሩ ክሰግር ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ ብ2007 ዓ.ም. ተቐትለ ።

ብፁዕ ካርዲናል ሴመራሮ ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ "ፍሎሪበርት መምህር ተስፋ እዩ፣ ንእከይ ብጽቡቕ ክንዋጽኣሉ ድማ ይምህረና " ክብሉ መስከሩ ።

ኣብቲ ብመዛሙርን ሓጐስን ዝማዕረገ መሥዋዕተ ቅዳሰ፣ እቶም ኣብ ሮማ ዝነበሩ ኮንጎኣውያን ማሕበረሰብን በቶም ካብ መላእ ኣፍሪቃ ዝመጹ ኣባላት ማሕበር ቅዱስ ኤጂድዮን ውን ዝተሳተፍዎ ኢዩ ዝንበረ። ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ድማ ብፁዕ ኣቡነ ዊሊ ኑጉምቢ ናይ ጎማ ጳጳስን ከምኡውን ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ውን ተሳቲፎም ነበሩ።

ኣዋጅ ብፀዕና ፍሎሪበርት ብዋና ቹዊ
ኣዋጅ ብፀዕና ፍሎሪበርት ብዋና ቹዊ

ሓዋርያዊ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ናብቲ ሥርዓተ ኣዋጅ ብጽዕና ዝተላእከ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፣ ነዚ ኮንጋዊ መንእሰይ ካብ ህይወቱ ንላዕሊ ንኻልኦት ፍቕሪ ዝመርጸ ተራ ምእመን ሰማእት ምዃኑ ኣፍልጦ ዝሃበሉ፣ እዚ መእኽቲ ቅዱስነቶም ድማ ኣባኡ ተነበነ -  በዚ ኸምዚ ድማ ፍሎሪበርት ብፅዕናኡ ብወግዒ ተኣወጀ። ክብረ በዓል ናይዚ ሰማእት ድማ ኣብ 8 ሓምለ ዓመታዊ ኣብ ዕለተ ሰማዕትነቱ ክኽበር ተነግረ።

ነቲ ፍሎሪበርት ሰማእትነት ክቕበል እንከሎ ተኸድንዎ ዝነበረ ጃኬት ድማ ከም ቅርያት በኣሕዋቱ ቐረበ። ወ/ሮ ገርትሩድ ኣዲኡ እውን ኣብቲ ሥርዓተ ጽንብል ተረኺበን ነበራ።

ብፁዕ ካርዲናል ሰመራሮ ነቲ ፍሎሪበርት ዝገበሮ ስነ- ምግባራዊ ምርጫ ብምዝካር ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ንእተዛረቦ ቓላት ጠቐሱ - "ክርስትያን ከም ምዃነይ መጠን ህይወት ካልኦት ክስውእ ኣይቅበሎን ኢየ። ነዚ ገንዘብ እዚ ኻብ ምቕባል ሞት ይሓይሽ" በለ።

ቅርያት ብፁዕ ፍሎሪበርት ብዋና ቹዊ
ቅርያት ብፁዕ ፍሎሪበርት ብዋና ቹዊ

ኣንጻር እከይን ብልሽውናን ምስክር ምዃን

እቲ "ጸረ እምነት" ተባሂሉ እተፈጸመ ሰማእትነቱ ኣንጻር ብልሽውና እውን ምስክርነት ኢዩ ዝነበረ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ከኣ "ረግረግ እከይ" ክብሉ ጸውዕዎ። ብፁዕ ካርዲናል ሰመራሮ ኣብ ስበክቶም "ፍሎሪበርት ንክርስቶስ ደኣ እምበር ንእከይ ብምንጻግ ደሙ ኽሳዕ ምፍሳስ መረጸ፣ ንርእሱ ኺነብር ውን ኣይደለየን" ብምባል መስከሩሉ።

ፍሎሪበርት ኣብቲ መንፈሳዊ ጕዕዞኡ ኣብ ማሕበር ቅዱስ ኤጅድዮ ብርታዐ ረኸበ ኣብኡ ኸኣ ንድኻታት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ጐደናታት ዝተደርበዩ ቘልዑን ህጻናትን የገልግል ነበረ።

ብፁዕ ካርዲናል ሰመራሮ ብሰንኪ እቲ ኣብ ጎማ ዝፍጸም ዝሎ ዓመጻ፣ ኣዋጅ ብፅዕናኡ ኣብ ከተማ ሮማ ምፍጻሙ ዘለዎ ኣገዳስነት እኳ እንተ ገለጹ፣ ኣስዕብ ኣቢሉ ግን "ሎሚ ፍሎሪበርት ንግደት ናብ ሮማ ይኸውን ኣሎ፣ ቅድሚ ሰማእትነቱ ዝንበሮ ሕልሚ ድማ እዚ ኢዩ ዝነበረ" በሉ።

ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ መንእሰይ ሰማእት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ኣድናቖቶም ገለጹ - "ምጕዳል ፍትሒ ብምቅዋሙን ንድኻታት ብምጥባቑን ወዲ 26 ዓመት ከሎ ኢዩ ተቐቲሉ። እቲ ዝሃቦ ምስክርነት ንመንእሰያት ኮንጎን ንዅሎም ኣፍሪቃውያንን ተስፋ የምጽኣሎም።"

ሥርዓተ አዋጅ ብጽዕና
ሥርዓተ አዋጅ ብጽዕና
17 Jun 2025, 11:50