MAP

ኣብ ላቲን ኣሜሪካ እትርከብ ቤተክርስትያን ኣድላይነት "ናብ ፍትሓዊ ስነ ምህዳር ምስግጋር" ተተሓሳብ ኣብ ላቲን ኣሜሪካ እትርከብ ቤተክርስትያን ኣድላይነት "ናብ ፍትሓዊ ስነ ምህዳር ምስግጋር" ተተሓሳብ  (© Óscar Elizalde - CELAM)

ኣብ ላቲን ኣሜሪካ እትርከብ ቤተክርስትያን ኣድላይነት "ናብ ፍትሓዊ ስነ ምህዳር ምስግጋር" ተተሓሳብ

ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝርከብ ናይ ሃገረ ኮሎምብያ ልኡከ መግንስቲ ኣብ ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ከባብያውን ዘላቒ ልምዓት ብኸመይ ቅርጺ ተትሕዞ ከምዘላ ዝገልጽ መድረኽ ከም ዘአንገደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሞንጎ ኮሎምብያን ቅድስቲ መንበርን ናይ 190 ዓመት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድና ምኽንያት ብምግባር ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ ጎርጎርዮስ መንበረ ጥበብ ኣብ ቅድስቲ መንበር ምስ ዝርከብ ናይ ሃገረ ኮሎምቢያ ልኡከ መግንስቲ ብምትሕብባር ዝተሰናደወ ዓውደ ጉባኤ፣ ኣረኣእያ ኣብ ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ብዙሕነት ህይወትን ለውጢ ከባቢያዊ ኣየርን ዘማእከለ ምንባሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣"ፍትሓዊ ምስግጋራት፡ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ከባብያውን ዘላቒ ልምዓት ራእይ ኣብ ምቕናይ ተራ ቤተክርስትያን" ዝብል ኣርእስቲ ዘማእከለ ዓውደ ጉባኤ፡ ነቲ ብዙሓት ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዘጋጥመን ድርብ ብድሆ ዘዘኻኸረ ኮይኑ፣ ብሓደ ወገን ኣድላይነት ከባብያዊ ስጉምቲ ንምስጓም፣ ሓደ ሓደ ግዜ እውን ብዋጋ ማሕበረ - ቁጠባዊ ልምዓት፤ ከምኡ’ውን ብኻልእ ወገን ድማ ካብ ጽልዋ ስሉስ ዓለማዊ ቅልውላው (ለውጢ ካባቢያዊ ኣየርን፡ ክሳራ ብዙሕነት ህይወትን ብከላን) ዝመጽእ ዘይምዕሩይነት ምፍታሕ ኣድላዪ ምዃኑ ዘስተብሃለ እውን ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ኮሎምብያ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኻቨሪያን መንበረ ጥበብ ጉዳያት ክፍለ መጽናዕቲ ምኽትል ኣመሓዳሪ ማሪያ ኣደላይዳ ፋራህን ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎርያና መንበረ ጥበብ መምህር ኣባ ደልሶን ኣራውዦ ዶስ ሳንቶስ ኣብቲ ብናይ ላቲን ኣመሪካ ጉዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ሽማግለ ዋና ጸሓፊት ኤሚልሰ ኩዳ ብወሃሃድነት ዝተመረሐ ዓውደ ጉባኤ መደረ ከም ዘስምዑን ተሳተፍቲ ንጉዳይ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ንምፍታሕ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣማኪሎም ከም ዝዘተዩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናይ ተስፋን ናይ መጠንቀቕታን ድምጺ

ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣሜሪካን ካሪብያንን ካርዲናል ኻይም ስፐንግለር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ "እዚ ሕጂ ዘሎ ህሞት እታ ብኩለ መዳይ እትድግፈና ዓለም ትፈርስ ከምዘላ ዘመልክት ይመስል" እንክክብሉ ከም ዘጠንቀቑን፣ ከም መልሲ ናይዚ ድማ ኣብ ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንህሉው ኩነታት ከባብያውን ማሕበራውን ምንቁልቋል ክትኩንኖን ድምጺ ተስፋ ክትከውንን ኣተሓሳሲቦም። ብመሰረት ስነ - መጐት ዕዳጋ፡ ንተፈጥሮ ናብ ገንዘባዊ ንብረት ዝቕይር ናይ ሓሶት ፍታሕ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ነቒፎም፣ እቲ መፍትሒ "ህጹጽ መዋቕራዊ ለውጢ" ዘጠቓልል ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ብድሆታት ምውጻእ ማዕድናትን ምዝመዛ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ላቲን ኣመሪካን ብምጥቃስ፡ ምክልኻል ግዝኣታት ደቀባት፡ ንንኣሽቱ ምስ ከባቢያዊ ኩነታት ዝሰማማዕ ዘይምዝምዝ ሕርሻዊ ሜላታት ደገፍ ፡ ከምኡ’ውን ንተፈጥሮ ምስ ገንዘባዊ ጉዳያት ዝግበር ምትእስሳር ክንጸግ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

12 Jun 2025, 16:35