ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ኩባ፡ ምድንፋዕ ሰላምን ሓድነትን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ካቴድራል ሃቫና መበል 90 ዓመት ስነ ሜላዊ ዝምድና ቅድስቲ መንበርን ኩባን ንምብዓል ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ቅድስቲ መንበር፡ ብመንጽር ራእይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝሓበሩን፣ ኣስዒቦም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ሰላምን ፍትሕን ሓቅን መሰረታዊ መትከል ቤተ ክርስልቲያን ኣብ ተልእኾ ወንጌልን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን ምዃኑ ኣጉሊሖም። ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ህዝቢ ኩባን ዘሎ ርክብ ብዕዮ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር፣ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን በነዲክቶስ መበል 16ን ኣብ 2015 ዓ.ም. ፍራንቸስኮስን መሰረት ገይሮም ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መልእኽቲ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ኩባ ዑደት ኣካይዶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እታ ሃገር “መንገዲ ፍትሕን ሰላምን ሓርነትን ዕርቅን” ክትስዕብ ዘለዎም ድሌት ኣመልኪቶም ከም ዝነበሩ ዘኪሮም፣ ኣብቲ ጽምብል፡ ጋላገር ንኣማላድነት ብጹእ ኦላሎ ቫልደስ፡ ኾሴ ሎፔዝ ፒተራን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ፌሊክስ ቫሬላን እውን ተማሕጺኖም፡ ጥምረትን ሰላምን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ክቕጽል ተላብዮም፣ እቲ ቅዳሴ እውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምምራጾም ምስጋና ምንባሩን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ናይ ቅዱስ ኣቦና ሰላምታ ንህዝቢ ኩባ ከም ዘቕረቡ የመላኽት።
ሓድነትን ተልእኾን
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ምርጫ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምልክት ናይቲ እግዚኣብሔር ንህዝቡ ዘለዎ ነባሪ ሓልዮት ዘረጋግጽ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ኣብቲ ሓድነት ማእከል ኣብ ዝገበረ ስብክቶም ኣስዒቦ፣ ሓድነት ኣብ ንቕሓት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ብተግባር ዝንበር ምዃኑ ኣረጋጊጾም። ምስ ኣቡናትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ሓድነት ከም ዚህሉ ምግባርን ነዚ ሓድነት እዚ ምዕቃብን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣስሚሮም፣ እዚ ሓድነት እዚ ክህሉ ድማ ኣተባቢዖም፣ ካብቲ ንወንጌል ዜዛብዕ ወይ ንቤተ - ክርስትያን ዚኸፋፍል ስነ - ሓሳባት ምጥንቃቕ የድሊ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ In illo uno unum - ንሕና ኣብቲ ሓደ ስኾነ ሓደ ኢና" ዝብል ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ጭርሖ ር.ሊ.ጵጵስና ጠቒሶም፡ እዚ ጭርሖ እዚ ንቤተ ክርስቲያን ንሓድነትን ዕርቅን ዘለዋ ጸዋዕታ መዘኻኸሪ እዩ። እዚ ተልእኾን ኣተሓሳስባን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገልጽ እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጎ ብድሆታት
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅዳሴ ስተነበ ወንጌል እንከስተንትኑ፡ ኢየሱስ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቱ ሓድነት ንኽህሉ ዝገበሮ ጸሎት ዘኪሮም፣ ቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ብድሆታት እኳ እንተ ኣመኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብመንፈስ ቅዱስን ብኣገልግሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ተመሪሓ፡ ኣብቲ ብፍልልይን ስደትን በደልን ዝልለ ታሪኽ ጉዕዞኣ ከም እትቕጽል ኣስተብሂሎም፣ ህዝቢ ኩባ ኣብ ድንግል ቅድስተ ማርያም እመ መለኮታዊ ፍቅር ዘኮብሬ ዘለዎ ነባሪ እምነት ብፍላይ ኣብ እዋን ጸገም እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣገልግሎትን ሓቅን
መርበብ ወንጌል ናብ ማያት ዓለም ምድርባይ ዝብል ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ዝቕጽል ኮይኑ፣ ኣብ ሓቂ ሱር ዝሰደደ ናይ ኣገልግሎት ንኻልኦትን ግሉጽነትን ህይወት ምድንፋዕም ምዃኑ ኣብሪሆም፣ ውልቃዊ - ረብሓ ንጐድኒ ብምግዳፍ ጥራይ እዩ ሰባት ከም ደቂ ኣምላኽ ክረኣዩ ዝኽእሉ - ቢሎም - ሓቀይና ዝምድናታትን ምክብባርን ዘተን ዋላ ተቓውሞ ኣብ ዝገጥመሉ እዋን ኣብ ሓቂ ወንጌል ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፍቕሪ ከም መሪሕ መትከል
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓልዮትን ፍቕርን ኣብቲ Rerum Novarum - ሓደስቲ ነገራት ዘርእስቱ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 13 ዓዋዲት መልእኽቲ ዝተሰረተ ከም ዝኾነን እዚ ድማ ከም ሓገዝ ንኻልኦት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ከም ዝለዓለ መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ ማለት ንሓባራዊ ጥቕምን ክብርን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ተወፋይነት ዘቃልሕ እዩ - ቢሎም - መትከላት ሰላምን ፍትሕን ሓቅን ኩሉ ግዜ ኣብ ፍቕሪ ክጸንዕ ከምዘለዎ ኣረጋጊጾም፣ ንበረገሳዊ ሰበስልጣን፣ ቅድስቲ መንበር ንሰናይ መላእ ህዝቢ ኩባ ቀጻሊ ደገፍ ከምእትገብር ብምርግጋጽ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።