MAP

2025.06.06 ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዩክሬን፡ ተስፋኦምን ሓዘኖምን ንር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 የካፍሉ 2025.06.06 ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዩክሬን፡ ተስፋኦምን ሓዘኖምን ንር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 የካፍሉ  (@VaticanMedia)

ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዩክሬን፡ ተስፋኦምን ሓዘኖምን ንር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 የካፍሉ

ኣብ ዩክረይን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ቪስቫልዳስ ኩልቦካስ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ቫቲካን ንፈለማ እዋን ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ምስ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፣ "እቲ ርክብ ኣዝዩ ዘጸናንዕ፡ ጸሎት ዝመልኦ" ምንባሩ ብምሕባር፡ ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ሃገር ዘሎ መዓታዊ ኩነታት የስተንትኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ተስፋ፡ ጸሎት፡ ምስክርነት ሰብኣውነት፡ ከምኡ’ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መላእ ዩክሬን ዝተፈጸመ ጽዑቕ መጥቃዕትን ዘስዕቦ ዘሎ ሓዘን፡ ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ሃገር ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳስ ቪስቫልዳስ ኩልቦካስ፡ ብዓርቢ ዕለት 6 ሰነ ኣብ ሃገረ ቫቲክን ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ሓዋያዊ መንበር ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ከም ዘካፈልዎም ብዛዕባ እቲ ምስ ቅዱስነቶም ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም ምስ ቅዱስነቶም ክራኸቡ ንፈለማ ግዜ እውን ምዃኑ ገሊኦም ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘስካሕክሕ ኩነትት የካፍሉ።

ሊቀ ጳጳሳት ኩልቦካስ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ናይ መጀመርታ ርክብኩም ከመይ ነይሩ?

ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ፣ ብብዙሕ ጸሎት ዝተዳለወ፣ ናይ ብሕተይ ጸሎት፣ ናይቶም ኣብ ኪየቭ ዝርከቡ መሳርሕተይ፣ ናይቶም ጳጳሳት፣ ዋላ እውን ኣብ ዩክሬን ዝነበሩ ገለ ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ከምኡውን ናይቶም ኣብ ሊትዋንያ ዝነበሩ ምእመናን ጸሎት ዝተዳለወ እዩ. ነይሩ። ምኽንያቱ ልዕሊ ኩሉ እቲ ርክብ መንፈሳዊ እዩ ነይሩ . . . ምስኦም ምርኻበይ ዓቢይ ሓጎስ ይስምዓኒ። ምስ ር.ሊ.ጳ. ዘካየክዎ ርክብ ነዊሕን ብቐንዱ ኣብ እዋን ኲናት ከም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝምልከተና ጉዳያት ዘተኮረ እዩ ነይሩ። ልክዕ ከምቲ ኣብዚ ናይ ኲናት እዋን ናይ ገዛእ ርእሰይ ተመኩሮታት ብፍላይ ድማ መንፈሳዊ ተመኩሮታት ምክፋል ኣገዳሲ ዝኾኖ፣ ንዓይ እውን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልቢ ክስምዕ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ብጸሎት ዝተመልአ፣ ኣዝዩ ዘጸናንዕ ርክብ እዩ ነይሩ። ነዚ ከስምረሉ ዝደሊ፣ ጸሎት ቀንዲ ዕጥቅና ስለዝኾነ እዩ። ከምኡ ኢለ እየ ዝገልጾ፡ ቅዱስ ኣቦና ጸሎት ካብ ኩሉ ዝሓየለ ኣጽዋር እንክብሉ ከም ዝገልጽዎ።

ኣብቲ ርክብ ካልእ ገለ ፍሉያት ጉዳያት ከም እተተንከፉን፣ ንኣብነት እቲ ዕለት 6 ሰነ ምሸት ኣብ ኪየቭ፣ ተርኖፒል፣ ሉትስክን ካልኦት ዞባታትን ከተማታትን ዩክሬንን ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ቦምባታት። ኣብ መንጎን ኣብ ውሽጢን ከተማታት ብናጽነት ክትድቅስ ወይ ክንቀሳቐስ ከይከኣልካ ምንባር እንታይ ማለት ምዃኑ ተመያይጥናን። መደምደምታ ናይቲ ኣኼባ ዋላ እኳ ሰብኣዊ ድኻምን ሓጢኣትን እንተሃለወ፣ ንሕና ከም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣዚዩ ከቢድን ዘሰክፍን ኩነታት እውን እንተኾነ፡ ኣምላኽ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል መሰኻኽር ምዃንናን  ዘዘኻኸረ እዩ። እዚ እዩ ተስፋና፣ ነዚ ናይ ቀረባ ምዃንን ጸሎትን ህሞት፣ ምሳይ ተሰኪመ ናብ ዩክሬን ክምለስ ብሓቂ ንቅዱስ ኣቦና ኣዝየ አመስግኖም።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ዞባታት ዩክሬን ዘካየደቶ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ጠቒስኩም፣ ሓፈሻዊ ኩነታት እታ ሃገርና ብኸመይ ምገለጽክምዎ?

እቲ ኩነታት ካብ ዞባ ናብ ዞባ ይፈላለ እዩ። ንኣብነት ኣብ ከርሶን ህንጻ ዞባዊ ምምሕዳር ዓንዩ። ኣብኡ እቲ ቦምባታት ንኣርባዕተ ዓመት ቀጻሊ እዩ ነይሩ - እቲ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ተደጋጋሚ ስለ ዝዀነ ንዓሰርተ ደቓይቕ ዝኸውን ጽምዋ እውን የሎን። ካልኦት ከም ኦዴሳ፡ ዛፖሪዝዝያን ካርኪቭን ዝኣመሰላ ቦታታት፡ ገለ ዕረፍቲ እኳ እንተሃለወን፡ ብቐጻሊ ኣብ ተጠንቀቕ እየን ዝርከባ። ብድሕሪኡ ኣብ ካልእ ክፋል ኣታ ሃገር መጠንቀቕታታት ውሑድ እዩ። ኣብ ርእሰ ከተማ ኪየቭ ከይተረፈ፣ ግን ኣብ ወርሒ ሓደ ወይ ክልተ ለይቲ እንተወሓደ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከይተፈጸመ ክሕደር ኣጸጋሚ እዩ።

ክሰርሑ ዝኽእሉ ኣካላዊ ሓይሊ ስለዘይብሎም ድማ ብዙሕ ኣፍረይቲ ከምዘይኮኑ ይነግሩኒ። ኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ እዋን መጥቃዕቲ፡ ናይ መግቢ መሸጣታት፡ ባንክታት፡ ኣብያተ ጽሕፈት ዞባን ኣብያተ ትምህርትን ይዕጸዋ፡ ኣኼባታት ሚኒስተራት ከይተረፈ ይቋረጽ። ድሮ ገለ ትሕቲ መሬት ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣለዋ፡ ካልኦት 140 ድማ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ህንጸት ይርከባ። ኣብ ከም በዓል ሱሚ ዝኣመሰላ ዞባታት ዝርከቡ ህጻናት በጻሕቲ ጉጅለታት ምስ መጹ ጥራይ እዮም ዝእከቡ።

ኣብ ቅድመ ግንባር ዘሎ ኩነታት ብዝያዳ ክትነግሩና ትኽእሉ ዶ?

ኣዝዩ ኣገዳሲ ነጥቢ ከጉልሕ እደሊ። ኣብ ግንባር ዝሞቱ ዘለዉ ወተሃደራት ሓደ ነገር ጥራይ እዮም ዝሓቱ፡ ንሱ ድማ ምሕረት ሓጢኣቶም እዩ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ዝኾነ ሓኪም ወይ መጥባሕቲ ዝገብር ሓኪም ክሕግዞም ኣይክእልን እዩ - ናይ ወተሃደራት ኣበ ነፍስ ወይ ክጽልየሎም ዝተዋህቦም ሰብ ጥራይ እዩ ዘድልዮም። ንውጉኣትን ንዝተጎድኡን እውን ከምኡ። ብዙሕ ግዜ ክኢላታት ስነ - ልቦና፣ ቤተ ክርስቲያን ዓቢ ዓቕሚ ከም ዘለዋ ይነግሩኒ ምኽንያቱ ክልቲኦም ካህናት ይኹን ኣባል ሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ ከቢድ ኩነታት ምስ ሰባት ናይ ምስራሕ ናይ ዓመታት ተመክሮ ስለ ዘዋህለሉ፣ ብውጉኣት - ዋላ እቶም ብኸቢድ ዝተጎድኡ - ኣዝዩ ዝያዳ እወንታዊ ተቐባልነት ይረኽቡ። ስለዚ እዚ ቤተ ክርስቲያን ዋላ ብስነ - ኣእምሮኣዊ ደረጃ እትህቦ ኣገልግሎት ኣገዳስን መሰረታውን እዩ።

ኣብ ሽፋን መራኸቢ ብዙሓን መብዛሕትኡ ግዜ ምስሊ ውግእን ዕንወትን መከራን ንርኢ። ብዙሓት ድማ ንውሽጣዊ ሰላም ክብሉ ካብኡ ምርሓቕ ከምዘድሊ ይስምዖም፡ እንተኾነ ግን ርህራሄ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ እውን ኣሎ። ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተሪር ክውንነት ርህራሄ ምስ ውሽጣዊ ሓጐስና ምዕቃብ ከመይ ጌርና ነተዓርቖ?

ኣብዚ ክልተ መዳያት ኣሎ። እቲ ሓደ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ: ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ማሕበረሰብ ዓለም ንኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ይኹን ንባዕሉ ኣህጉራዊ ሕጊ ክከላኸል እንተዘይክኢሉ እዚ ዓቢ መዓት እዩ። እዚ ሓሳብ እዚ ናብ ካልእ መደምደምታ ይድርኸኒ፡ እቲ እንኮ ተስፋና ኣብቲ ንተግባር፡ ተወፋይነት፡ መስዋእቲ፡ ጽንዓትን ትብዓትን ዘነቓቕሕ ጎይታ እዩ ዘሎ።

ብዛዕባ ተስፋን ሓጐስን ክዛረብ ከለኹ፡ ናይ ሓይሊ ምክልኻል ኣበ ነፍስ ዝኾኑ ካህናት ናብ ግንባር ዘምጽእዎ ተስፋን ሓጐስን እውን ማለተይ እየ: ይጽልዩ: ንኣባላት ሃይሊ ምክልኻል ንንጹህ ልቢ ድንግል ማርያም የወፍዩ፣ ጸሎት ይመርሑን መስዋዕተ ቅዳሴ ይሰርዑም። ሓደ ወተሃደር "ትማሊ ክልተ ብጾተይ ክሞቱ ርእየ። ጭቡጥ መረጋገጽ ስለ ዘይብለይ ንኣንስቶም ክርድ ኣይክእልን - ሙማቶም ብዓይነይ ጥራይ እየ ርአዮዮ። ንዓይ ዓቢ ቃንዛ እዩ" ክብለኒ እዝክር።

ንዓይ ከም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ መጠን ንዅሎም እዞም ሰባት እዚኣቶም አረ ንኣዘዝቲ ወተሃደራት እውን ከይተረፈ ምዝርራበይ ከምኡውን እቶም ወተሃደራት ክሳዕ ክንደይ ልቦም ከም ዝኸፍቱ ምርኣየይ ብዙሕ ኢዩ ዘጸናንዓኒ። ምሳታቶም ክዘራረብ ከለኹ ነቲ ኣብ ከም ሰብ ንኺዓብዩ ዘለዎም ባህጊ እውን ምስክር እየ ። ብሓጺሩ ከም ሰብ ንሓድሕዶም ኪተሓጋገዙ ምዃኖም ተስተውዕል።

ካልእ ክትብልዎ እተድልይዎ ነገር ነገር ኣሎ ድዩ?

ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ድሕሪ እቲ ምስ ርእሰ ብሔር ዩክረይን ዝገበርው ርክብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎቶም ብወግዒ ንምጅማር ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምርኻቦም ከምኡውን ምስ ርእሰ ብሔር ፈደራላዊት ሩስያ ብስልኪ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ እየ ዝተራኸብክዎም፣ መራሕቲ ዓለም ኣብዚ ጽንኩር እዋን ምስ ቤተ-  ክርስትያንን ቅዱስ ኣቦን ርክብ ክገብሩ ፍቓደይናታት ምዃኖም ኣርእዮም ኢዮም። እዚ ርክብ እዚ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቤተ-ክርስትያን ጥራይ ዘይኰነስ ንብምሉኡ ደቅሰብ ዘለዎ ግደ ዘጕልሕ ኢዩ ምበልኩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ካቶሊክ - ሓይሊ ቤተ - ክርስትያንን ኢየሱስ ክርስቶስን ፍረ ምእንቲ ኽፈሪ ንቤተ - ክርስትያንን ንቕዱስ ኣቦን ናብ መንፈስ ቅዱስ ናይ ምጽላይ ግዴታ ኣለዎ ቢለ እየ ዝኣምን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

09 Jun 2025, 17:16