ክርስቶስ ክብ ቢሉ ክርአ መታን ገዛእ ርእስኻ ትሕት ምባል!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሒደት ቃላት ነቲ ዝስዓብ ኪደት ናይ ምምልካት ዕጫ ዘለወን ይኾና። ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ብጉባኤ ካርዲናላት ተሰንዮም ዕለት 9 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝለገስዎ ቀዳማይ ስብከቶም እንክዛዝሙ፣ ከምቲ ዮሃንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተልእኾኦም ብወግዒ ንምብጋስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ "ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ" ዝብል ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ኑዛዜ እምነት የቃልሑ። ኣብዚ ኑዛዜ እምነት እዚ እውን ኣብ ቤተ - ክርስትያን ከምኡውን ኣብ ውሽጣ ዝዀነ ይኹን ኣገልግሎት ብኸመይ ክፍጸም ከም ዘለዎ ዝገልጽ ራእይ ኣሎ። ቅዱስ ኢግናዚዩስ ዘኣንጾዮክያ ናብ ሰማእትነት ክኸይድ ከሎ፣ " ዓለም ድሕሪ ደጊም ስጋይ ምስ ዘይርኢ፡ ብሓቂ ወደ መዝሙር ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን እየ” ዝበሎ ጠቒሶም፣ እቲ ዓብዪ ኣቦው ቤተ - ክርስትያን ብኣራዊት ክብላዕ ምዃኑ እዩ ዚዛረብ ዝነበረ፣ እንተዀነ ግን እዘን ቃላት እዚኣተን ንነፍሲ ወከፍ ህሞት ክርስትያናዊ ህይወት ዘብርሃ እየን” እንክብሉ ሊዮን መበል 14 ይሕብሩ። ክርስቶስ ምእንቲ ኺፍለጥን ኪኸብርን ኢሉ ርእሱ ምእንቲ ከትሕት፣ ኵሉ ሰብ ንኢየሱስ ምእንቲ ኺፈልጦን ኬፍቅሮን ዚከኣሎ ዅሉ ይገብር።" ንዅሉ እቲ ኣብ ስልጣን መዋቕር ገንዘብ ወይ ሃይማኖታዊ ናይ ንግዲ ሜላታት ዝምርኰስ ዓለማዊ ትውክልቲ ጠንጢንካ፣ ነብስኻ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ዝመርሕ ኣሕሊፍካ ሃባ: ብዘይ ብእኡ ከምቲ ባዕሉ ዝበሎ፣ ዋላ ሓንቲ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ኩሉ ግዜ ነቲ ዅሉ ሳዕ ቅድመና ዝዀነ ጸጋኡ ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝብል እዩ።
ኣብዚ ኣረኣእያ እዚ እቶም ቕድሚኦም ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ነቲ ኣቦታት ቤተ - ክርስትያን ንቤተ-ክርስትያን ንምግላጽ ዚጥቀሙሉ ዝነበረ mysterium lunae - ምስጢራዊት ወርሒ ዝብል ምስሊ ይጠቕሱ። እዛ ወርሒ እዚኣ ብርሃን ካልእ ጥራይ ከተንጸባርቕ ኣምበር ብናይ ገዛእ ርእሳ ብርሃን ከተብርህ ከም ዘይትኽእል ዘረጋግጽ እዩ። ቤተ ክርስቲያን እውን ከምኡ፣ ኣብ መጀመርያ ጉዕዞኦም፡ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኣብ ኣመሪካ ዝተወልዱ ልኡካነ ወንጌል ኣብ ወሰን ዓለም ከም ጓሳ “ብጨና ኣባጊዕ” ዝነብርዎ ህይወት፣ ነቲ ዮሓንስ መጥምቕ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝበሎ ቃል ዘቃልሕ ይመስል፣ ንሱ ክብ ክብል ኣለዎ፡ ኣነ ድማ ትሕት ክብል ኣለኒ። ኩሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ተልእኾ፣ ጎይታ ምእንቲ ክብ ክብል እዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክሳብ እቲ ናይ መወዳእታ ዝተጠመቐ ኩሉ ሰብ፣ ንኢየሱስ ምእንቲ ክፍለጥ፣ ንሱ ቀንዲ ተዋሳኢ ምእንቲ ክኸውን፣ ትሕት ክብል ኣለዎ። እዚ ድማ ነቲ ኣጎስጢኖስ በዓል ሂፖ ኣብ ምድላይ ሓቂ፣ ምድላይ ኣምላኽ፣ ንዕኡ ክትፈልጦ ምድላይ፣ ካብ ገዛእ ርእስኻ ሓሊፍካ ንኻልኦት ከተፍልጦ፣ ኣብ ኩሉ ሰብ ድሌት ኣምላኽ ዳግማይ ምእንቲ ክለዓል፣ ዕረፍቲ ዘይብሉ ምዃኑ ዘንጸባርቕ እዩ።
ሊዮን ዝብል ዝሓረይዎ መጸውዕ ስሞም፣ ምስቲ ዓብን ኩሉ ግዜ ኣገዳስን ትውፊትን ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብቐጥታ ስለ ዘራኽቦም፣ ምክልኻል ሰራሕተይናታት፣ ከምኡ’ውን ዝያዳ ፍትሓዊ ቁጠባውን ገንዘባውን ስርዓት ንኽህሉ ምስ ዝግበር ጻውዒት ስለ ዘራኽቦም፣ ኣዝዩ ዘገርም እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ትርጉም ዘለዎ ምቕሉልነት ናይቲ ቀዳማይ ሰላምታኦም፣ ዘቃልሕዎ ፋሲካዊ ሰላምታ፣ ብህጹጽ ዘድሊ ሰላም፣ ከምኡ’ውን እቲ ፍራንቸስኮ፣ ንኹሉ ንማንም ዘይንጽል ንኹሉ ክፉት ምዃን ዝብል ዘመሓላለፍዎ ጭቡጥ ትምህርቲ ዘቃልሕ እዩ። ከምኡ ውን እቲ ዘገርም ድማ ኣብ መንገዲ ሲኖዳውነት ክቕጽሉ ዘለዎም ድሌት ዘረጋግጽ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ዕለት 8 ግንቦት ድሕሪ ቐትሪ ጉባኤ ካርዲናላት ር.ሊ.ጳ. ቢሉ ምስ ሓረዮም፣ ካብ ማእከል ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ህዝቢ ተላልዮም ድሕሪ ዘስምዕዎ ቃል፣ ሰላም ለኪ ኦ ማርያም ዝብል ጸሎት ብሓባር ንድገም እንክብሉ፣ ኣብታ መዓልቲ እትዝከር ዝነበረት ቅድስተ ማርያም ዘፖምፐ - ቅድስተ ማርያም ዘሮዛርየም ዘቕረብዎ ዕድመን ዘስምዕዎ ቃል ድማ እቲ ንካርዲናላት ኣብ ዘስምዕዎ ስብከቶም፣ “ብሓገዝ ሓላዪ ኣማላድነት ማርያም ኣደ ቤተ ክርስቲያን” ዝተሓተተ ጸጋ ይዛዝሙ።
ሎሚ ከም ትማሊ ዕለት 7 ግንቦት ድሕሪ “ብጀካ መረጽቲ ካርዲናላት ካልኦት ኵላትኩም ውጹ” ድሕሪ ዝብል ትእዛዝ፣ ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ብሰብኣዊ ስነ - መጐት ወይ ስርዓታት ምሉእ ብምሉእ ክግለጽ ዘይክእል ነገር ኣጋጢሙ። እቶም 133 ካርዲናላት፣ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ምድሪ ዝመጹ፣ ብዙሓት ካብኣቶም ቅድሚ ሕጂ ተራኺቦም ዘይፈልጡ፣ ኣብ ውሽጢ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት ንጳጳስ ሮማን ጓሳ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ክመርጹ ምኽኣሎም ጽቡቕ ምልክት ሓድነት እዩ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ድኻም ፍራንቸስኮን ኣብ ናይ መወዳእታ ናይ ፋሲካ ቡራኬኦምን ንህዝቢ ዝደመቐ ምስክርነት ተካኢ ጴጥሮስ፣ ሕጂ ናብ ሓደ ለዋህ ልኡኽ ወንጌል ዝኾኑ ጳጳስ ወዲ ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ሓሊፉ ኣሎ። ቤተ ክርስቲያን ህያው እያ ምኽንያቱ ኢየሱስ ህያውን ህልውን ስለ ዝኾነ፣ ብተኣፈፍቲ ንሱ መታን ልዕል ክብል ገዛእ ርእሶም ትሕት ከብሉ ፍቓደይና ብዝኾኑ ደቀ መዛሙርቲ ኣቢሉ ይመርሓ፣ እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።
(Andrea Tornielli)