ሰለስተ ሓደስቲ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሓንቲ ጓለንስተይትን ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ዝርከብዎም - ሓደስቲ ናብ ቅድስና ኣዋጅ ዘሰንይ ቀዳማይ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዝብል መጸውዕ ዝወሃቦም ደቂ ቤተ ክስቲያን ናይ ሰላም ሰባት ቢልካ ክትገልጾም ዝከኣል ኮይኑ፣ እዞም ናይ እምነት ሰማእታት ክልተ ካብኣታቶም ምእንቲ እምነት ሰማእት ከም ዝኾኑን እዚ ድማ ናይ ደቀባት ህይወት ኣብ ምክልኻል ዝተቐትሉ ምዃን ክሕበር እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣገልግልቲ እግዚኣብሔር ዝብል ስያመ ክወሃቦም ዕለት 22 ግንቦት ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማርቸሎ ሰመራሮ ዘቕረቡሎም ሰነድ ይኹንታ ከም ዝሃብሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ወንጌላዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ጳጳስ
ኣሌኻንድሮ ላባካ ኡጋርተ፡ ኣብ ሰሜናዊ ስጳይና ኣብ እትርከብ ከተማ ቤይዛማ ኣብ 1920 ዓ.ም. ዝተወልደ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ናይ ልኡካነ ወንጌል ጸዋዕታ ዝስምዖ ዝነበረ፣ ኣብ 1937 ዓ.ም. ኣባል ማሕበር ካፑቺን ኣሃው ኮይኑ ማኑኤል ዝብል ናይ ገዳማዊ መጸውዕ ስም ዝተዋህቦ፣ ኣብ 1945 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ምስ ዝተቐበለ ብናይ ማሕበሩ ኣሕሉቕ - ናብ ቻይና ዝተላእከን፣ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ፡ ንሱን ካልኦት ልኡካነ ወንጌልን ካብ ቻይና ምስ ተሰጎጒ ብድሕሪኡ ናብ ኢኳዶር ብምኻድ ቆሞስ ኮይኑን ክሳብ ሓዋርያዊ መስተናብር ተሰምዩ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓዋርያዊ ጉስነት ዘገልገለ፣ ንህዝቢ ሁዋኦራኒ ኣብ ስብከት ወንጌል ብንጥፈት ዝሃነጸ ምዃኑ እቲ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሰመራሮ ቕረብዎ ሰነድ ዘመልክቶ ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ 1984 ዓ.ም. ሓው ማኑኤል ጳጳስ ተሰምዩ ኣብ መንጎ ደቀባት ተልእኾኡ ከም ዝቐጸለን ኣብቲ እዋን ምስቶም ዝተፈላለያ ነዳድን ጸሊም ወቅርን ዝድህስሳን ዘውጽኣን ብዝነበራ ነዚ ንምዕዋት ድማ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሓምላይ ሃብትን ኣግራብን ዘባድማ ብዝነበራ ኢንዳስትሪታት ንኸቢድ ማሕበራዊ ስቓይ ምስ ዝተቓለዔ ክፍሊ ደቀባት ብሄር ታጋሪ ጽኑዕ ምትእስሳር ዝፈጠረን ንዞም ክፍሊ ሕብረተሰብ ጠበቓ ብምዃን ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ምስሕሓባት ንምሽምግል ብርቱዕ ጻዕሪ ዝገበረን እዚ ጻዕሪ እዚ ድማ መሰል ደቀባት ዘቐደመ ክኸውን ኣለዎ ዝበለን ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ እንከሎ ምስ እናቴ ኢነስ ከም እተራኸበ እውን ይሕብር።
ኣባል ማሕበር ሰብ ውፉይ ህይወት እናቴ ኣብ መንጎ ደቀባት
እናቴ ኢነስ ኣራንጎ ቬላስኩዝ፡ ኮሎምቢያዊት ኣብ 1937 ዓ.ም. ኣብ ከተማ መደሊን ዝተወልደት ኣብ 1955 ዓ.ም. ኣባል ማሕበር ካፑቺን ሳልሳይ ማሕበር ፍርንቸስካውያን ደናግል ቅድስቲ ስድራ ቤት ኮይና፣ ኣብ 1977 ዓ.ም. ጓል ኣርብዓ ዓመት እንኮላ ኣብ ኤኳዶር ከተገልግል ከም እተላእከትን፣ ድሕሪ ኣብ መደብ ህንጸት ተዋፊራ ከተገልግል ምጽናሕ፡ ኣብ ኤኳዶር ናብ ዝተፈላለየ ማሕበረሰባት ኣናበጸሕት ኣብ መደብ ሕንጸት ተገልግል ከም ዝነበረትን ደሓር እውን ኣብ ኤኳዶር ናይ ማሕበር ካፑቺን ሳልሳይ ማሕበር ፍራንቸስካውን ደናግል ቅድስቲ ስድራ ቤት ሓለቓ ኮይና ከም እተሰመየትን ንደቀባት ሁዋኦራኒ ብምግልጋልን ወንጌል ኣብ ምስፋሕን ተወፈያ ዘገልገለትን ኣብቲ እዋን ዝተፈላለያ ነዳድን ጸሊም ወቅርን ንምድህሳስን ንምውጻእን ኣሚተን ዝተዋፈራ ናይቲ ከባቢ ሓምላይ ሃብትን ኣግራብን ዘብርሳ ዝነበራ ዓበይቲ ኢንዳስትሪታት ብምቅዋም መሰል ደቀባት ክሕሎን ክኽበርን ንፍትሕን ሰላምን ውፍይቲ ተባሂ እትግልጸ ከም ዝነበረት ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሰመራሮ ዘቕረብዎ ሰነድ ጠቒሱ የመላኽት።
ንትሑታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ምክልኻል ዝተቐትለ
ከም ጳጳሳ ሓው ማኑኤል ምስ ደቀባት ብውልቂ ዘተ ብምጅማር ምስተቶም ካብተን ዓበይቲ ኢንዳስትሪታት ኩባንያታት ዝመጹ ዕሱባት ዝካየድ ዝነበረ ዓመጽ ንኽውገድ ዝሸምገለን ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ እናቴ ኢነስ ተጸምቢራ - ናብ ሓደ ደጋፊ ተጻባኢ ምዃኑ ዝፍለጥ ቀቢላ ምቕራብ ዘስዕቦ ሓደጋታት ምሉእ ብምሉእ ዝፈልጡ እውን እንተነበሩ - ዕለት 21 ሓምለ 1987 ዓ.ም. ንግሆ ብሄሊኮፕተር ናብ ዝተመደበ ናይ ኣኼባ ቦታ ተጓዒዞም። ንጽባሒቱ ካልእ ሄሊኮፕተር ክትወስዶም ምስ መጸት ሬሳታቶም ጥራሕ ከም እተረኽበን ቤተ ክስቲያን እውን ሰማእትነቶም ኣፍልጦ ብምሃብ ኣገልግልቲ እግዚብሔር ቢላ ብር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበ 14 ከም ዝሰመየቶም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ጳጳስን ገባሬ ሰላምን ኣብ ህንዲ
ታሪኽ ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር እንክብሉ ዝሰመይዎ ህድናዊ ሜትዩ ማኪል ጳጳስን መስራቲ ማሕበር ደናግል ምብጻሕ ቅድስት ድንግል ማርያምን ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ 1851 ዓ.ም. ኣብ ማንዡር ካብ ክርስትያናዊት ስድራቤት ዝተወልደን፡ ኣብ 1865 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበለን፣ ክሳብ 1889 ዓ.ም. ዓቃቤ መንበር ኮዮኑ ዝተሾመን ቀንዲ ተልእኾኡ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ክመህራን ዝብል ገይሩ፣ ኣብዚ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት እዚ እንከሎ ድማ ነዚ ደቂ ኣንስትዮ ምህናጽ ዝብል ኣገልግልት መሰረታዊ ኣገልግሎተን ገይረን ዝዋፈራ ማሕበር ደናግል ከም ዝመስረተን፣ ኣብ 1896 ዓ.ም. ናይ ሰበኻ ጋንጋናጸሪ ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ኮይኑ ከም እተሾመን ኣብ መደብ ሕንጸት ጥራሕ ዘይኮነ ኣንጻር ድኽነት ብምቅላስ ቀንዲ ናይ ኣገልግሎት ሕመረት ሕንጸት ኣብ ቃልሲ ጸረ ድኽነት ዝገበረ ምንባሩ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘቕረቦ ሰነድ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ “ሰሜናውያን” (ንርእሶም ከም ዘርኢ ናይቲ ብቅዱስ ቶማስ ሃዋርያ ዝተመስረተ ማሕበረሰብ ቢሎም ዝገልጹን)፣ “ደቡባውያን” (ንርእሶም ከም ተካእቲ መሶጶጣምያውያን ስደተይናታት ገይሮም ዝገልጹ ዝነበርን) እቲ ዞባ ዝፍጠር ብዝነበረ ከባብያዊ ግጭታት ተስፋ ከይቆረጸ፣ በቲ “ኣምላኽ ተስፋይ እዩ” ዝብል ናይ መንበረ ጵጵስናኦም መርሕ ቃል መሰረት ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ዘተባበዐ ምንባሩ ኣመላኺቱ፣ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ተቐናቐንቲ ማሕበረሰባት ሰላም ንምምጻእ ከይተሓለለ ከም ዘገልገለን። ጻዕሩ ኣብ 1911 ዓ.ም. ደቡብን ሰሜንን ናብ ክልተ ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ክፍለ ዘቕረቦ ሓሳብ ናብ ቅድስቲ መንበር በጺሑን ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ዓስራይ ተቐባልነት ከም ዝሃቡልን ፒዮስ ዓስራይ ንቪካርያ ቻንጋናቸሪ ኣብ ክልተ ፍሉያት ሰበኻታት ክምስረታ ከም ዝገበሩን፣ ጳጳስ ሜትዩ ማኪል ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ወርሒ ጥሪ 1914 ዓ.ም. ከም ዝዓረፈን ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ሊዮን መበል 14 ኣገልግላሊ እግዚኣብሔር ዝብል መጸውዕ ከም ዝሃበቶ ኣፍሊጡ።