MAP

ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርጽ ዕጹው ጉባኤ ተኸፊቱ

እቶም 133 መረጽቲ ካርዲናላት ብኽብሪ ናብ ቤተ ጸሎት ሲስቲን ኣትዮም፡ ነቲ ዝቕጽል መበል 267ን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝመርጽ ዕጹው ጉባኤ ጀሚሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 7 ግንቦት ድሕሪ ቀትሪ፡ እቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም 133 ካርዲናላት ናብ ቤተ ጸሎት ሲስቲን ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ምምራጽ ጥንታዊ ስርዓት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብወግዒ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣቐዲሙ ኣብ ከባቢ ሰዓት 10 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ካርዲናላትን ጳጳሳት ሊቀ ጳጳሳትን ልዕሊ ሓሙሽተ ሺሕ ዝግመቱ ምመናን ዘሳተፈ Missa pro eligendo Romano Pontifice  - መስዋዕተ ቅዳሴ ንምርጫ ሮማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዑደት ናብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና

ብድሕሪኡ ከባቢ ሰዓት 15፡45 እቶም መረጽቲ ካርዲናላት ኣብ ጳውሎሳዊ ቤተ ጸሎት ተኣኪቦም፡ “ሊታኒያ ቅዱሳን” ቀጺሎም ድማ “ንዓ ፈጣሪ መንፈስ” ዝብል ጸሎት ብዜማ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኦም ክወርድ እናጸውዑ መስቀል ኣምሪሖም እናጸለዩ ናብ ቤተ ጸሎት ሲስቲን ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብቱ ዑደት መዘምራን፡ ድሕሪኡ ድማ ናይቲ መምህር ስነ - ስርዓት ጽምብላት ተራዳእቲ ካህናት። ብድሕሪኦም ጸሓፊ ናይቲ ዕጹው ጉባኤ መራጺ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ስዒቦም እቶም ድሕሪ እቲ ምርጫ ዝገብርሉ ቤተ ጸሎት ምስ ተዓጽወ ነቲ መራጺ ዕጹው ጉባኤ ብዘስምዕዎ ኣስተንትኖ ክኸፍቱ ሓላፍነት ዝተዋህቦም ካርዲናል ካንታላመሳ፣ መረጽቲ ካርዲናላት ብመስርዕ ተኸቲሎም፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ሓለቓ ስነ - ስርዓት ጽምብል ከም ዝነበሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ከምቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትውፊት ዝእዝዞ ኣብ መስርዕ ዑደት መረጽት ካርዲናላት መጀመሪ ዲያቆን ካርዲናላት ስዒቦም ካህናት ካርዲናላት ድሕሪኦም ድማ ጳጳሳት ካርዲናላት ከም ዝነበሩ ይሕብር።

ድሕሪ ቃለ ማሕላ 133 መረጽቲ ካርዲናላት ብጀካኦም ኩሉኹም ውጹ ዝብል ትእዛዝ ተሰምዐ 

ኣብ ውሽጢ ቤተ ጸሎት ሲስቲን ምስ ኣተዉ ነፍሲ ወከፍ ካርዲናል ደው ኢሎም ኢዶም ኣብ ልዕሊ ወንጌል ብምንባር ኣብ እዋን ዕጹው ጉባኤን ድሕሪኡን ኣብቲ ምርጫ ዝተኻየደ ኩሉ ብምስጢር ክዕቅቡ ዝኣስሮም ማሕላ በቢ ትራ ምስ ፈጸሙ፣ ማዕጹ ቤተ ጸሎት ሲስቲን “Extra omnes - ኩሉኹም ውጹ” ብዝብል ኣዋጅ ምስ ተዓጽዉ - ኩሉ ሰብ ወጺኡ - ልሂቅ ስባኬ ቤተ ጳጳስ ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላሜስ ኣስተንትኖ መኽፈቲ ዕጹው ጉባኤ ኣቕሪቦም፣ መረጽቲ ካርዲናላት ቅድሚ ምይይጥ ምጅማሮም ንካርዲናላት ጸሎትን መመያን ናብ ዝግበረሉ ቦታ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስነ ስርዓት ድምጺ ምሃብ

ሕጂ ድማ “cum clave - ብመፍትሕ (ኣብቲ ብመፍትሕ ዝተዓጸወ) ቤተ ጸሎት ሲስቲን ዘለዉ ካርዲናላት መበል 267 ተካኢ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ ቅዱስ ስራሕ ጀሚሮም፣ ኣብቲ ዝካየድ ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ ስርዓት ክልተ ሲሶ ዝበዝሐ ድምጺ እዩ፣ ስለዚ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምምራጽ እንተወሓደ 89 ድምጺ የድሊ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ክሳብ ኣርባዕተ ዙርያ ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ ስረዓት ክካየድ ዝከኣል እውን እዩ፣ ጸሊም ትኪ ር.ሊ.ጳ. ከም ዘይተመረጹ ዝሕብር ምልክት፣ ጻዕዳ ትኪ ብድምጺ ደወል ዝተሰነየ እንነተራእየ ድማ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምሕራዮም ዝሕብር ይኸውን።

እዚ ጉባኤ እዚ ኣብ ታሪኽ ካብ ዝተኻየዱ ዝተፈላለየ ዕጹው ጉባኤ፣ ካብ 70 ሃገራት ዝመጹ መረጽቲ ዘለውዎ - ነጸብራቕ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ውክልና ንምስፋሕ ናይ ዝገበርዎ ጻዕሪ ውጽኢት እውን እዩ።

ማሕላ ዕቃበ ምስጢር

ኣብ ውሽጢ መናድቕ ቤተ ጸሎት ሲስቲን መረጽቲ ካርዲናላት ዘካይድዎ ዘተን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምምራጽ ዝካየድ ዕማም ዘበለ ኩሉ ብማሕላ ዕቃበ ምስጢር ዝተሓዝ እዩ። ከምኡ እውን ብዝተፈለየ ናይ ስራሕ ሓላፍነት መሰረት ኣብዚ ጉዳይ ዝሳተፉ ዓለማውያንን ኣባላት ሰብ ውፉህ ህየትን - ሰራሕተይናታት ሕክምና፡ ሓገዝቲ ስርዓተ ቅዳሴ፡ ሰራሕተይናታት ገዛ - ከይተረፉ ማሕላ ዕቃቤ ሚስጢር ከም ዝፈጸሙ ዝዝከር ኮይኑ፡ latae sententiae excommunication - ብቐጥታ ውጉዝ ኣንተ ብዝብል መቕጽዒ ሕጊ መሰረት ማሕላ ዕቃቤ ምስጢር ከኽብሩ ትሑዛት እያቶም። ቫቲካን ጽኑዕ ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ስርዓታት እውን ኣብ ግብሪ የውዕል፣ እቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምምራጽ ዝካየድ ቅዱስ መስርሕ ካብ ዝኾነ ደጋዊ ምትእትታዋትን ጫውጫው ናይ ደገ ዓለምን ዝተሓለወ ክኸውን ድማ ካብ ናይ ስልክን ናይ ኢድ ተለፎንን ኢንተርነትን ዝኣመሰሉ ካልእ ናይ መራኸቢ ብዙሓን መሳርሕታት እውን ናጻን እቲ ዕጽው ጉባኤ ዝካየደሉ እውን ካብ ናይ መራኸቢ መስመራት ናጻ ኮይኑ ካብ ኩሉ ዝተዓጸወ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 May 2025, 16:37