ሰበስልጣንን ሰራሕተይናታትን ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት ቃለ ማሕላ ዕቃበ ምስጢር ፈጺሞም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 5 ግንቦት ሰዓት 17፡30 ኣብቲ ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ጳውሎሳዊ ቤተ ጸሎት እቶም ምስቲ ዕለት 7 ግንቦት ዝጅመር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርጽ ዕጹው ጉባኤ ኣብቲ ዕጽው ጉባኤ ዝሳተፉ እውን ኣይኹኑ ብዝተፈላለየ መገዲ ግና ምስቲ መስርሕ ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት ዘራኽብ ሓላፍነት ዘለዎም ሰበ - ስልጣንን ሓላፍትን ሰራሕተይናታትን ከምቲ ዕለት 22 ለካቲት 1996 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እተኣወጀ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምምራጽ ዝካየድ መስርሕ ዘመሓድር ሓዋርያዊ ቅዋም መሰረት ነቲ ዕለት 7 ግንቦት ዝኽፈት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓርይ መስርሕ ዕጽው ጉባኤ ቅንዕና ንምርግጋጽ ቃለ ማሕላ ዕቃበ ምስጢር ከም ዝፈጸሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ጳውሎሳዊ ቤተ ጸሎት ናይ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት ቃለ ማሕላ ዕቃቤ ምስጥር ዘመሓደሩ ብሰለስተ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ካርዲናላት ዝተሰነዩ ናይ ሮማዊት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዓቃቤ መንበር ካርዲናል ኬቪን ፋረል ከም ዝኾኑን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ ማሕላ ዓቃቤ ምስጢር፡ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ምስ ምምራጽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተተሓሓዙ ጉዳያት፣ ብምስጢር ምዕቃብ ዝብል ጽኑዕ መብጽዓ ዘጠቓልል ኮይኑ፣ ብሓድሽ ዝተመርጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወይ ተኸተልቶም ብግልጽን ብወግዕን ፍቓድ እንተዘይተዋሂብዎም ንዘልኣለም እቲ ምስጢር ክዕቅብዎን ብተወሳኺ ዝኾነ ይኹን ናይ ድምጽን ምስልን ቀረጻ ክይገብሩ ብመሰረት እቲ ንሓዋርያዊ መንበር ዝተሓዝኣ ስልጣን መሰረት ብመቕጽዒ ሕጊ latae sententiae excommunication - ቅጽበታዊ ምስጓግ ትሑዛት ከም ዝኾኑ ኣፍሊጡ።
እዚ ስነ - ስርዓት እዚ ቤተ ክርስቲያን ንመስርሕ ምርጫ ር.ሊ.ጳጳስ ዘለዋ ተወፋይነት ዘመልክት ኮይኑ፡ ኩሎም ሓገዝቲ ኣባላት ምስጢራውነትን ቅድስናን ናይቲ ጉባኤ ከም ዝድግፉ ዘረጋግጽ እዩ።