MAP

ዋዕላ ቫቲካን ኣብ ክንክን መንሽሮ ዘይምዕሩይነት ምውጋድ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጉሊሑ ዋዕላ ቫቲካን ኣብ ክንክን መንሽሮ ዘይምዕሩይነት ምውጋድ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጉሊሑ 

ዋዕላ ቫቲካን ኣብ ክንክን መንሽሮ ዘይምዕሩይነት ምውጋድ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጉሊሑ

ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ - ፍልጠት ፕሮፌሰር ዮኣኪም ፎን ብራውን ኣብ ክንክን መንሽሮ ንዘሎ ዓለማዊ ዘይምዕሩይነት ንምምካት ካብ ሊቃውንቲ ስነ - ፍለጥትን ሓንጸጽቲ ሕግታትን ቤተ ክርስቲያንን ስሙር ስጉምቲ ክውሰዱ ይላቦ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ - ፍልጠት (PAS) ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ክኢላታት ዝዓደመ "ምርምር መንሽሮ፡ ክንክን ጥዕናን ምክልኻልን፡ ምውዳብ ትርጉማዊ ምርምር መሃዝነት ንምዕባይን ዘይምዕሩይነት ንምውጋድን" ብዝብል ኣርእስቲ ንኽልተ መዓልታት ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዕለት 22 – 23 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብቲ ናይቲ ጳጳሳዊ ተቕዋም ህንጻ ኣብ ዘሎ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ከም እተኻየደን፣ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ማሕበረሰባት ኣብ ክንክን መንሽሮ ዘሎ ጋግ ንምንካይ፡ ሊቃውንቲ ስነ - ፍልጠትን ሓንጸጽቲ ሕግታትን ከመይ ገይሮም ብሓባር ክሰርሑ ከም ዘለዎም ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ዝኽእሉ እውን ዘተሓሳሰበ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ - ፍልጠት (PAS) ኣቦ መንበር ፕሮፌሰር ዮኣኪም ፎን ብራውን ምስ ዜና ቫቲክን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፣ ዕላማ እቲ ጉባኤ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ሕክምናን ምክልኻልን መንሽሮ ዝረአ ዘሎ ከቢድ ዘይምዕሩይነት ንምጉላሕን ምላሽ ንምሃብን ምዃኑ ኣብሪሁ፣ "ብዘመናዊ ኣገባብ መንሽሮ ንምክልኻልን ንምፍዋስን መብዛሕትኡ ብድኻታት ሃገራትን ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብን ጸይብጻሕ ኮይኑ ኣሎ . . . ንኣብነት ኣብ ኣፍሪቃ ዞባ ትሕተ - ሰሃራ ሓደ ካብቲ ብብዝሒ ዝተሃስየ ዞባታት ዓለም ምዃኑ ገሊጹ፣ ኣብኡ ድማ ኣስታት 10% ሕሙማት ጥራይ እዮም "ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ፍወሳታት ንሕክምና መንሽሮ" ዝረኽቡ . . . ኣብ ትሑት እቶት ዘለወን ሃገራት፡ ገለ ካብቶም ዝበዝሑ ዓይነታት ከም መንሽሮ ጡብ ሓዊስካ፡ መሰረታዊ መሳርሕታት መርመራን ሕክምናታትን ዝተፈፈላለየ መንሽሮታት ምርካብ ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ ኣስተብሂሉ፣ ይኹን እምበር፡ እቲ ዘይምዕሩይነት ኣብ ገለ ኣብተን ዝሃብተማ ዞባታት ዓለም እውን ከምዘሎ ኣነጺሩ፡ ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳ፡ ኣብ መንጎ ምብራቕን ማእከላይን ኤውሮጳ ዝርአ ዘይምዕሩይነት ጠቒሱ ምስ ኣመላኸተ፣

እቲ ዘይምዕሩይነት ኣብ ድኽነት ጥራሕ ዝድረት ኣይኮነን፡ በዚ መሰረት ድማ ገለ ካብቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ክንክን መንሽሮ ዘጋጥመን ዕንቅፋታት ምህላዉ ገሊጹ፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዙርያ መንሽሮ ጡብ ብዝፍጠር ጸለመን ግጉይ ሓበሬታን ተወሳኺ ብድሆታት ከምዘጋጥመን ሓቢሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ፍርሒ መጥባሕትን ማሕበራዊ ጸቕጥን ብኣግኡ ሕክምናዊ ምትእትታው ከይደልዩ ይገብሮም፣ እዚ ድማ መጠን ሞት ክብ ዘብል እዩ . . . እዚ ብድሆታት እዚ እናሃለወ፡ ንዅሉ እቲ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣቐዲምካ ምርመራን ምክልኻልን ዝግበር ጻዕርን ዘሎ ፍልልይን ድማ ኣስሚሩ፣ "ንኣሽቱ ኣዋልድ ምኽታብ ዝተወሰኑ ዓይነታት መንሽሮ ክከላኸል ይኽእል'ዩ፡ መንሽሮ መዓንጣ ብኣግኡ ኣብ ምፍላጥ ድማ ርኡይ ምምሕያሽ ተራእዩ እዩ።” ይኹን እምበር እዚ ጥቕምታት ናብ እኹል ክፍሊ ሕብረተሰብ ይበጽሕ ከም ዘየሎ ኣውን ኣስተብሂሉ፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ፡ ንሕክምና መንሽሮ ዘድልይ መጋበርያን መርመራን፡ ሕክምናን መሕወዪ ክንክንን ዘወሃህዱ ዘይመግንስትውያንን ሃይማኖታውያንን ትካላት ዝሳትፍ ማእከላት መንሽሮ ምፍጣር ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰበ ሓቢሩ፣ ምስዚ ተኣሳሲሩ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ጻዕሪ ክትጻወቶ እትኽእል ልዑል ግደ ኣስሚሩ፡ ነቶም ብሕማም መንሽሮ ዝሳቐዩ ሰባት፡ ከምኡ’ውን ንስድራቤቶም ኣገዳሲ ደገፍ ክትህብ ስለ እትኽእል፡ ኣበርክቶኣ ካብ ምዕባይ ንቕሓት ንላዕሊ ዝኸይድ እዩ - ቢሉ - "መንሽሮ ድሕሪ ደጊም ከም ናይ ሞት ፍርዲ ገርካ ምርኣይ ክተርፍ ኣለዎ - ብኣግኡ ዘድሊ ሕክምናን መርመራታትን ተበጻሒ እንተዳ ኮይኑ” ምስ በለ፣ ኣብ ዓመት ኣስታት 20 ሚልዮን ሓደስቲ ሕሙማት መንሽሮ ከም ዝረኣዩን፡ 10 ሚልዮን ድማ ከም ዝሞቱን ኣመልኪቱ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ዓለማዊ ቅልውላው ጥዕና፡ ከም ኮቪድ - 19 ኣዝዩ ዝዛይድ እዩ።

ኣብዚ ኵነት እዚ፡ ቤተክርስትያን ማሕበረሰባት ነቲ ስምዒታውን መንፈሳውን ጽልዋ መንሽሮ ክምልሱ ክትሕግዞም ከምእትኽእል ዘለዎ እምነት ገሊጹ፣ "ስነ - ፍልጠታዊ ምህዞታት፡ ደገፍ ሕግታትን ተሳትፎ ሕብረተሰብን ከነወሃህድ ኣለና፣  "ቤተክርስትያን ድማ ብፍላይ ኣብዚ ዓመት ኢዮቤል ናይ ተስፋ መልእኽቲ ከተምጽእ ትኽእል እያ . . . ተልእኾኣ እውን እዩ” ኣንክብል ዘካየዶ ቃለ መሕትት ዛዚሙ።

24 May 2025, 15:58