ካርዲናል ፓሮሊን ሽልማት ማሕበር መገዲ ሰላም 2025 ዓ.ም. ተቐቢሎም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 19 ግንቦት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ነቲ ካብ 1991 ዓ.ም. ብናይ ሽዑ ሊቀ ጳጳሳት ረናቶ ራፋኤል ማርቲኖ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ዝተመስረተ ማሕበር መንገዲ ሰላም በቢ ዓመቱ ዝወሃብ ሽልማት - 2025 ዓ.ም. ከም እተቐበሉን፣ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ናይ ስልማት ስነ - ስርዓት፡ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፣ “ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ማሕበር መንገዲ ሰላም ምቕባለይ ኣዝዩ ክብሪ ይስመዓኒ” ብምባል ብኡንብኡ እቲ ስልማት ንዓዖም ጥራይ ከም ዘይኮነ ድማ ገሊጾም፣ “ብስም ቅድስቲ መንበር፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ብስም እቲ ኣብ ዓለምና ንጉዳይ ሰላምን ፍትሕን ንምስጓም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሮማን ብስሞምን ከይተሓለለ ዝሰርሕ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ወኪለ እቕበሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ካርዲናል ፓሮሊን “ሎሚ ምሸት ዝተዋህበ ክብሪ ክንየው ብሕታዊ ኣብዛ ንሕውየትን ዕርቅን እትጭድር ዓለም ንቅዱስ ተልእኾና ዝድግፍ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ዘንጸባርቕ እዩ - ቢሎም - ኣብ ሕመረት ተልእኾ ቅድስቲ መንበር ስዒቦም ዝመጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነታ ግጭት ዘይብላ ዓለም ንምሕናጽ ዚገብርዎ ጻዕሪ ኣፍልጦ ዝህብ ምዃኑ ኣጕሊሖም፣ 2025 ዓ.ም. መበል 60 ዓመት ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝገበርዎ ታሪኻዊ ምብጻሕን መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝገበርዎ ካልኣይ ምብጻሕ ከምኡውን ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓፈሻዊ ባይቶ ተረኺቦም ዘስምዕዎ መደረ ዓስራይ ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ እዋን ምዃኑ ድማ ኣመላኺቶም፣ ብዛዕባ እዚ ታሪኻዊ ህሞት እዚ ብምስትንታን፣ "ነፍሲ ወከፍ ር.ሊ.ጳጳስ ሰገር ዶባት ዝኾነ ጥበብ ብምቕራብ ናብ ዝያዳ ቅንዕናን ሰላምን ዝዓሰላን ዓለም ዚመርሕ መገዲ ዘብርህ እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ቃላት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ጀሚሮም ነባሪ ሰላም “ኣብ መንፈሳውን ግብረ ገባውን ተሓድሶ ሱር ዝሰደደ” ክኸውን ከም ዘለዎ ኣብ 1965 ዓ.ም. “ብንጹር ትቢታዊ መንፈስ” ኣመላኺቶም ከም ዝነበሩ ካርዲናል ፓሮሊን ዘኪሮም፣ "ብዘይ ስነ - ምግባር ዝርአ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ንደቅሰብ ኣብ ሓደገይና ዅነታት ከም ዘእትዎም" ድማ ገሊጾም፣ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓታትን ግጭትን ዝነበሮም ተመክሮ መሰረት ገይሮም፣ ንህልቂትን ካልኣይ ውግእ ዓለምን “ከም ታሪኻዊ ፍጻመታት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ክሳብ ሕጂ ምላሽና ዝጠልቡ ቀጻሊ ግብረ ገባዊ ብድሆታት እያቶም” ከም ዝበሉ ዘኪሮም፣ ኣስዒቦም ኣብ 2008 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ሰብኣዊ መሰላት ምድጋፍን ንሰብኣዊ ኽብረት ምጥባቕን ከም ናይ ምሉኡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሓላፍነት ጌርካ ኺርአ ኸም ዘለዎ ኣትሪሮም ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም፣ ናብቶም ናይ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምልስ ቢሎም ድማ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ "ኣብ መንጎ ኣከባብያዊ ዕቝባን ማሕበራዊ ፍትሕን ዘሎ ምትእስሳር" ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ "ተጠቂምካ ምብድርባይ ዝብል ጓሓፋይ ባህሊ" እንክብሉ ዘቕረበዎ ሓያል ነቐፌታ ኣጉሊሖም፣ ሕጂ ድማ፡ “እዚ ትውፊት እዚ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ይቕጽል ምህላዉ፣ “ኣጽዋር ዝፈትሕን ዘይዕጥቃዊ” ሰላም ክህሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘረጋግጾ ሓቂ እዩ፡ እቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣብዛ “ብግጭትን ምግምማዕን ዝተበታተነት” ዓለም “እወታዊ ሓይሊ እዩ ምስ በሉ፣ ብተወሳኺ ር.ሊ.ጳ. ዝመረጽዎ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መጸውዕ ስሞም ኣስተቢሎም፣ ነቲ ሎሚ ንሰብኣዊ ክብርን ፍትሕን ዚፈታተን ዘሎ ቕልጡፍ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ - ክርስትያን ንምጉላሕ ዝኣመተ እዩ እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅድስቲ መንበርን ሕቡራት ሃገራትን: ምትሕብባር ንሰላም
በዚ መንጽር እዚ ሽልማት "ማሕበር መገዲ ሰላም፣ ነቲ ቅድስቲ መንበር ሓድሓደ ግዜ ነቐፌታዊ እኳ እንተዀነ፣ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ርክብ ኣፍልጦ ምሃብ ከምኡውን ንዅሎም እቶም ንጳጳስ ሮማ ኣብ ተልእኾኦም ዝሕግዙ ውፉያት ሰባት ክብሪ ምሃብ" ማለት ምዃኑ ገሊጾም፣ "መገዲ ሰላም ብትዕግስትን ብጽንዓትን ብትብዓትን ብምህዞን ክስጉም ከም ዘለዎ ር.ሊ.ጳጳሳት ኣርዮምና እዮም - ምስ በሉ - ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ብማሕበራዊ ደረጃ ጥራይ ዘይኰነስ ብስነ - ምግባራውን መንፈሳውን ደረጃ እውን ገዛእ ርእሱ ከሐድስ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ እቲ ሓቀይና ጽልዋ ናይዚ ጻዕሪ እዚ፣ "ኣብ ውዕላት ወይ ሓባራዊ ውሳነታት" ዘይኰነስ፣ “ልቢ ወዲ ሰብ ናብ ዝዓበየ ፍትሕን ርህራሄን ንክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ዚግበር ሓቀይና ምልዋጥ እዩ - ምስ በሉ - ማሕበር መገዲ ሰላም ነቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎ ተልእኾ ስለ ዝድግፍን ከምኡውን ኣብ ተልእኾ ሰላም ቤተ - ክርስትያን ቀጻሊ ኣበርክቶ ስለ ዝገብር ኣመስጊኖም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።