MAP

2025.05.27 ሩፊኒ ኣብ ወንጌል ሱር ብዝሰደደ ኣገልግሎቶም ንናይ 2025 ሽልማት ጳውሎስ ብቑዕ ተባሂሎም 2025.05.27 ሩፊኒ ኣብ ወንጌል ሱር ብዝሰደደ ኣገልግሎቶም ንናይ 2025 ሽልማት ጳውሎስ ብቑዕ ተባሂሎም 

ሩፊኒ ኣብ ወንጌል ሱር ብዝሰደደ ኣገልግሎቶም ንናይ 2025 ሽልማት ጳውሎስ ብቑዕ ተባሂሎም

ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ፡ ኣብ ሮማ ንመራኸቢ ብዙሓንን ሓበሬታን ዝምልከት ስነ-ምግባር ብፍሉይ ንምጒላሕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፣ ጳውሎሳዊ ሽልማት ርክብን ባህልን 2025 ዓ.ም. ከም እተሸለሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 59 ዓለም ለኸ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን “ነታ ኣብ ልብኹም ዘላ ተስፋ ብልኡምነት ኣካፍልዋ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣማእኪሉ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሉምሳ መንበረ ጥበብ፥ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፣ ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ምስ ናይ ጋዜጠይናነት ስነ ምግባር ዝራኽብ ምዃኑ እቲ ናይ ዞባ ላዚዮ ማሕበር ጋዜጠናታት፣ ካቶሊካዊ ማሕበር መርበባዊ ሓበሬታን ብሓባር ዘዳለውዎ ዓውደ ጉባኤ ከም ዘስመረሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጋዜጠይናነት ብመንጽር መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዳግማይ ምሕሳብ

ኣብቲ ዕለት 27 ግንቦት ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፣ ሓደስቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘቕርብዎ ሓበሬታዊ ጸብጻብ ዝስዕብዎ ስነ-ምግባራዊ ብድሆታት ብምድህሳስ ተበጊሱ፡ ድሕሪኡ ንወንጌል ተኣማኒ ምዃን ነቲ ሞያ ክሳብ ክንደይ ክመርሖ ከም ዝኽእል ከም እተነጸረ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ናይ ማሕበር ርክብን ባህልን ጳውሎስ ኣደ መንበር እናቴ ፓውላ ፎሶን ንጳውሎሳዊ ሽልማት ርክብን ባህልን 2025 ዓ.ም. ንዝተሓረዩ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ከም ዘረከባን፥ ዶክተር ሩፊኒ ነዚ ስልማት እዚ ብቑዕ ካብ ዘበሎም ምኽንያታት ብቐንዱ፣ “ንሓሳብ ምልውዋጥ ዘጉልሕን ንወንጌላዊ መልእኽቲ እሙንን ውሁድን ንማንም ዘይንጽል - ሓቋፊ ቅዲ ዝኽተሉ” ዝብል ምዃኑ ነቲ ስልማት ዘረከባ እናቴ ፎሶን ኣብ ዘስመዖኦ መደረ ከም ዝገለጻ ኣፍሊጡ። ሕመረት ናይቲ ዓውደ ጉባኤ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ “ኣጽዋር ዝፈተሐን ካብ ዓመጽ ዝረሓቐን ርክብ” ኣገዳሲ ምዃኑ ዘቕረብዎ ጻውዒት ከም ዝነበረን - እዚ ብድሆ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ባዕሎም ዕለት 12 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ መላእ ሃገራት ዝተዋጽኡ ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጠይናትትን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ “ልሳንና ዕጥቒ ኣፍቲሕንና ንምድሪ ኣብ ምፍትሕ ዕጥቂ ንደግፋ” እንክብሉ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ ሓበሬታ ሕያውነት

ሕያውነት ብቐዳምነት ኣብ ቋንቋ ዝውዕል ኢዩ። እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ማሕበር ካቶሊካዊ መርበብ ሓበሬታ ዝዓዩ ኣባ ፓውሎ ፓውሊኒ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዝበልዎ፣ ጭብጥታት ብጽኑዕን ንሓቂ ብሓቀይና ጻዕርን ምምርማርን ቆራጽ ምዃኑ የድሊ። ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ መራኸቢ ሰበኻ ሮማ ኣባ  ስተፋኖ ካስዮ፣ ጋዜጠይና "ምምሕልላፍ ሓበሬታ ጥራይ ዘይኰነስ ንዝተን ርክብ ዚኸውን ሰብኣውን እደ ጥበባውን ባህልታትን ቦታን ዘቕውም እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሓላፍነት ጋዜጠይናታት

ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካን ኣንድርያ ቶርኒየሊ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብቕልጡፍ ዝተዘርግሑ ናይ ሓሶት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽታት መሰረት ገይሮም፣ ናይ ሓሶት ዜና ዘስዕቦ መዓት ዘርዚሮም፣ ናይ ሓሶት ሓቤሬታ ከመይ ገርና ከነለልዮ ከም እንኽል መገዲ ከም ዝሓበሩ ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ንመልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምጥቃስ፣ ጋዜጠይናታት “ኣብ ማእከል ዘቕርብዎ ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዘለዎም ውልቃውን ሓባራውን ሓላፍነት ከቐምጡ” ኣተሓሳሲቦም፣ ንሓቀይና ምትሕልላፍ ክውንነት ንምግልጋል ውልቃዊ ረብሓታትን ዝክረ ነገራትን ብምቅዋም - ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቐሊሉ መደናገሪ ከይከውን ክንጥንቀቕ ኣሎና” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣገዳስነት ሞያዊ ስነ-ምግባር

ጋዜጠይናታት ክውንነት ንምጥዋይ ዝግበር ፈተናታት ክብድሁ ኣለዎም፣  ነዚ ንምፍጻም፣ ምስ “መንፈስ ወንጌል” ዝሰማማዕ ሓያል መጋበርያ ሕግን ስነ- ምግባርን መሰረት ምግባር ዝሓትት ምዃኑ ካርሎ ባርቶሊ ናይ ኢጣሊያ ማሕበር ጋዜጠይናታት ኣቦ መንበር እንከመላኽት፣ ናይ ዞባ ላዚዮ ማሕበር ጋዜጠይናታት ኣቦ መንበር ጉይዶ ዱባልዶን ናይ ቤት ምኽሪ ዞባ ላዚዮ ኣባል ሮበርታ ፈሊዚያኒን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሕጊ ጥራሕ ዘይኮነስ ስነ-ምግባር ከም ንጡፍ ማዕቀፍ መራኸቢ ብዙሓን ክኸውን ከም ዘለዎ ከም ዘጒልሑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ። በዚ መንገዲ እዚ ልኡምነት ከም ትኩር ምስማዕ፡ ጥንቁቕ ምምዝዛን፡ ንምክብባርን ካብ ስንባደ ነጻ ዝኾነ ዛንታ ምዝንታውን ማለት ምዃኑ ፈሊዚኒ ከም ዘብረህትን እቲ ርክብ ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ግብረ ሰናይ ጨንፈር ኢጣሊያ ምኽትል ኣማሓዳርን ናይቲ ጨንፈር ካሪታስ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ሰርጆ ታላሞ ብዘስምዖ መደረ ከም እተዛዘመ ኣፍሊጡ።

28 May 2025, 16:22