ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ድምጺ ሰላም!
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ፣ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዑደት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ከምኡ’ውን ዝኽሪ 10ይ ዓመት መደረ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራትን ምኽንያት ኣብቲ ኣህጉራዊ ብዝተፈላለዩ መደባት ይጽምበል።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሎሚ ዓመት 2025 ዓ.ም. ኣብ ታሪኽ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሕቡራት ሃገራትን ሰለስተ ኣገደስቲ ዝኽርታት ዝጽምበል ብምዃኑ፣ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ፡ እዚ ድማ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1965 ዓ.ም. ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘካየድዎ ታሪኻዊ ምብጻሕ - መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1995 ዓ.ም. ናብ ሕቡራት ሃገራት፣ ከምኡ’ውን ኣብ 2015 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓፈሻዊ ጉባኤ ተረኺቦም ዘስምዕዎ መደረ ዝኽሪ 10ይ ዓመት ብዝተፈላለዩ መደባት ይጽምበል።
ነፍሲ ወከፍ እዞም ህሞታት እዚኣቶም ኣብቲ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝካየድ ንሰላምን ሰብኣዊ ክብርን ብዙሕነታዊ ምትሕግጋዝን ሓባራዊ ተወፋይነት ዘንጸባርቕ ክሌኣዊ ርክብ ዘቓልሑ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
22 May 2025, 16:46