ቅድስቲ መንበር ዳግመ ዕጥቂ ትቃወም፣ ሰብኣዊ ሕጊ ክኽበር ትጽውዕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ቅድስቲ መንበር ንኣጠቓቕማ ብዘይ - ኣፈላላይ ኣጽዋር፣ ነተጉትን ተፈንጀርቲ ቦምብታትን መወዳእታ ምግባር፣ ከምኡ’ውን ህዝቢ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢታት ምውፋር ነታጒ ኣጽዋር ደው ምባል ኣገዳሲ ምዃኑ ተተሓሳስብ። እዚ ምስ ምቁራጽ ምፍራይን ምዕቃብን ኣጽዋር ተደሚሩ፣ ኣብ ዕጥቃዊ ግጭታት ንዝሓሸ ሓለዋ ሰላማዊ ህዝቢ” ዝወስድ ጭቡጥን ህጹጽን ስጉምትታት እዩ” እንክብሉ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ትዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቻ፣ ዕለት 22 ግንቦት ኣብቲ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ሓለዋ ሰላማውያን ሰባት ኣማእኪሉ ኣብ ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ሓሳብ ምዃኑ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፣ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፣ “ብዛዕባ ኣብ መላእ ዓለም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብዝሕን ጽዑቕን ዕጥቃዊ ግጭታት፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዓሚቝን ዘይተመጣጠነን ስቓይ ዘውርድ ክንየው ዝፈጥሮ ዓሚቝ ሻቕሎት፣ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ብፍላይ ድማ ንውዕላት ጀነቭን ተወሳኺ ስምምዕ ውሳኔታት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባትን ምኽባር ህጹጽ” ምዃኑ ዘጒልሕን እዩ፣ ሓቅንትን ህጹጽነትን እዚ ጉዳይ እዚ ኩሉ ክርእዮን ከስተውዕሎን ኣለዎ: እቲ ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ መዓት፣ ንመላእ ሰላማዊ ህዝቢ ዝጎድእ ዘሎ መጥቓዕቲ፣ ብፍጹም ምኽንያታዊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ዩክሬንን ካልኦት ክፋላት ዓለምን ዝተረስዐ ውግኣት ኣብ ዝካየደሉ ከባብን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ምኽንያታዊ ክኸውን ኣይክእል እዩ።
“ንደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናትን ሰብኣዊ ሰራሕተይናታትን ሓዊሱ ንሰላማውያን ሰባት ኮነ ኢልካ ዒላማ ምግባር፤ ከም ኣባይቲ ሕክምናን፣ ኣብያተ ትምህርትን ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ትሕተ ቅርጽታት ምዕናው፤ ከምኡ’ውን ህጹጽ ኣድላይነት ሰባት ንግብኡ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ምላሽ ከይረክብ ምኽልካል ዘሰኽፍ ምዃኑ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክም ዝገለጹን፣ “እዚ ግህሰታት እዚ ዓቢ ሰብኣዊ መዓት እኳ እንተኾነ፡ ንመሰረታት ኣህጉራዊ ድሕነት ግን ከቢድ መጥቃዕቲ ዝውክል እዩ።” ዕለት 23 ግንቦት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ጳጳሳት ጉባኤታት ሽማግለ ኣበ መናበርት (COMECE) ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፣ “ዝያዳ ትኹረት ወጻኢታት ኣጽዋር ብዋጋ ደገፍ ነቶም ኣዝዮም ጽጉማትን ተቓላዕትን ዝሽፈን ከይከውን ዝብል ዘለዎም ስግኣት ከም ዝገለጹ፣ ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዘስመሩሉ ቶርኒየሊ የመላኽት።
ቅድም ክብል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ዕለት 19 ግንቦት ወከልቲ ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያናትን ዓቕለስያዊ ማሕበረሰባትን ካልኦት ሃይማኖታትን ተቐቢሎም፣ ኣብዛ ብዓመጽን ግጭትን እትሳቐ ዘላ ዓለም፡ ነፍሲ ወከፍ ካብቶም ኣብዚ ዝተወከሉ ማሕበረሰባት፡ ንጽቡቕ ሰብኣውነትን ምክልኻል ናይ ሓባር ገዛናን ናይ ገዛእ ርእሶም ፍሉይ ጥበብን ርህራሄን ተወፋይነትን የበርክቱ። ኣብ ስምምዕን ካብ ስነ - ሓሳብን ፖለቲካዊ ኩነታትን ነጻ እንተኾይንና ንኲናት 'ኣይፋል' ንሰላም 'እወ'፣ ንውድድር ኣጽዋር ‘ኣይፋል’፡ ንምፍርጋፍን ምፍታህን ኣጽዋር ድማ ‘እወ’፤ "ኣይፋል" ንሰባትን ናይ ሓባር ቤትናን ዘድክም ቁጠባ፡ "እወ" ንኹሉ ዝሓቁፍ ልምዓት፣” ኣብ ምባል ኣድማዕቲ ክንከውን ከም እንኽእል ርግጸይና እየ ከም ዝበሉ ቶርኒየሊ የዘካኽር።
እዚ ቃል ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ዓስራይ ዓመት ስቡሕ ኣንተ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብ ዝዝኸረሉ እዋን ዓለም ንጥሜትን ድኽነትን ንምቅላስ ክትጥቀመሉ ዝኽእል ሃብቲ ኣብ እትምንዝዓሉ እዋን ኣዚዩ ኣገዳሲ ይኸውን እንክብል ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝም።
(Andrea Tornielli)