MAP

ማቴዮ ብሩኒ፡- ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ዝመርጽዎ ስም ንተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ዘጉልሕ እዩ! ማቴዮ ብሩኒ፡- ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ዝመርጽዎ ስም ንተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ዘጉልሕ እዩ!  (AFP or licensors)

ማቴዮ ብሩኒ፡- ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ዝመርጽዎ ስም ንተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ዘጉልሕ እዩ!

ዋና ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜናን ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ማቴዮ ብሩኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ብተወሳኺ ዝሓረይዎ መጸውዕ ስሞም ኣብ ዘመናዊ መዋእል ንማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ንጹር መወከሲ ምዃኑ ዘጉልሕ እዩ እንክብል የስተብህል።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ደድሕሪ እቲ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ተሓረዩ ምስ ተኣወጀ ነዊሕ ከይጸንሐ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ "ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀዳማይ መደረ ሰሚዕና እንክብል ብፍላይ ድማ ዘይተዓጠቐን ዕጥቂ ዘፍትሕን ሰላም” ዝብል ዘስመሩሉ ቃላት ዘኪሩ።

ብሩኒ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ዘተ ከም እተዛረቡን፣ እቲ ናይ መጀመርታ ቡራኬኦም ነቲ ቕድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ሰንበት በዓል ትንሳኤ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ "ኣምላኽ ይከናኸነና ንዅላትኩም የፍቅረኩም እከይ ድማ ኣይክዕወትን ኢዩ" ዝበልዎ መልእኽቲ ከም ዝዘከሩ እውን የስተብህል።

ብሩኒ ናብቲ በቲ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተመርጸ ስም ምልስ ቢሎም፣ እቲ ናይ ር.ሊ.ጵጵስና መጸውዕ ስሞም ሊዮን መበል 14 ክኸውን ዝወሰድዎ ውሳነ፣ ነቶም ናይታ Rerum Novarum - ሓደስቲ ነገራት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ 1891 ዓ.ም. ንዘመናዊ ማሕበራዊ ትምህርቲ ሰረተ እምነት ቤተ ክርስትያን ዘአንፈተ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝለገሱ ሊዮን መበል 13 ንጹርን ብፍልጣን ዝተመርጸ መወከሲ ምዃኑ ኣረጋጊጹ፣ እቲ ሓደስቲ ነገራት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ሊዮን መበል 13 ንዘመናዊ ማሕበራዊ ትምህርተ ሰረተ እምነት ቤተ ክርስትያን ዘአንፈተ ምዃኑ እውም የዘኻኽር።

“እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ዋላ’ውን ኣብቲ ብሰብ ሰርሖ ኣስትውዕሎ ዝልለይ ዘመን፡ ንህይወት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፣ ንስራሖም ብንጹር ዝምልከት እዩ” እንክብል ብሩኒ ኣተሓሒዙ የረጋግጽ።

ዝመጽእ ፍጻመታት

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 11 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ ካብ ማእከል ሰገነት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ክደግሙ እዮም፣ ዕለት 12 ግንቦት ሰዓት 10፡00 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ምስ ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓን ክራኸቡ ምዃኖም ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14፣ ዕለት 9 ግንቦት ዓርቢ ሰዓት 11፡00 ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲን ብጉባኤ ካርዲናላት ተሰንዮም መስዋዕተ ቅዳሴ ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን ከም ዘዕረጉን ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ንግስተ ሰማይ ክምዝመርሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 May 2025, 16:38