ዓመት ኢዮቤል ዘምሥራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን፦ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምስራቓዊ ሶርያዊ ሥርዓት
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሓደ ኻብቶም ቅድሚ ትማሌ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኻየዱ በቶም ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ነጋድያን፣ ልጅዕ ሰዓት 1 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መንበረ ታቦት ዘቅዱስ መንበር ኣብ ዚሊቃ ቅዱስ ጴጦስ ብምኽንያት ኢዮቤል ተስፋ ዘምሥራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ብሶርያዊ ሥርዓተ ኣምልኾ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓሪጉ። እቶም ኣባኡ ድማ ብፓትርያርክ ከለዳውያን ዝተመርሐ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቍርባና ተኻየዱ ብዙሓት ኣገልገልቲ ጳጳሳትን ካህናትን ውን ተሳተፍዎ።
ኣብ ድሮ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ዘምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን፣ በቶም ወርቃዊ ኣልባሳት እተኸድኑ ተወከልሲ ሥርዓታት ሰርጽን ሲርዮ ማላባርን ብዓቢይ ዓጀባ ተካይዱ።
እዞም ደቀ መዛሙርቲ ሓዋርያ ቶማስ ዝነበሩ ታዴዎስ ብዓል ኤዴሳን ማሪን ዘዳለውዎ ጥንታዊ ጸሎተ ኣኮቴተ ቍርባን ኣዳይን ማሪን ብምኽታል ድማ እቲ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተኻይዱ።
ዓቢይ ሊቀጳጳሳት ታቲል ፦ ዓመት እልልታ ህያው ሕብረት ኢዩ
እቶም ዓቢይ ሊቀጳጳሳት ሊቀ-ጳጳሳት ሲሮ-ማላባር ዝኾኑ ብፁዕ ወቅዱስ ማር ራፋኤል ታቲል ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ "እዚ በዓል እዚ ምልክት ናይቲ እተዓቀበ ውርሻ ጥራይ ዘይኰነስ ህያው ሕብረት ኢዩ" ክብሉ ዘለዎም ተስፋ ገለጹ።
ዓቢይ ሊቀ-ጳጳሳት ታቲል ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "ከም ሓንቲ ምሕዋይ ንዘድልያ ዓለም ተስፋ እትእውጅ ነጋዲት ቤተ-ክርስትያን መጠን ብሕብረት ምብራቕን ምዕራብን ንቕድሚት ንምስጓም ዘሎና ባህጊ ይሕደስ ኣሎ” ክብሉ ውን ዝለዎም ተስፋ ገለጹ።
ብጹዕ ወቅዱስ ታቲል ወሲኾም ዓመተ ኢዮኔል ዝኽሪ ጥራይ ዘይኰነትስ ናይ መንፈስ ሓጐስ ንምርካብን፣ ክርስቶስ ህያው ከም ዝዀነን ምስ ቤተ-ክርስትያኑ ኸም ዝጕዓዝን ኣብ ዓለም ንምምስካር ዚግበር ውዕዉዕ መንፈሳዊ ስምዒት ምዃኑ ውን ኣጕልሑ።
ሓድነት፣ ብመሰረት ጭርሖ ሊዮ መበል 14
ነቶም ደኺመ ኸይበሉ ንጉዳይ ድኻታት ዝጣበቑ ዝነበሩን፣ ንማሕበረሰብ ኣብ እተፈላለየ ባህልታት ንኽሰምዖን ንኽቕበሎን ዝጽውዑ ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ውን ይዝክሩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንቤተ-ክርስትያን ኣብ መገዲ ትሕትናን ዘሐጕስ ኣገልግሎትን ከም እትመርሕ ገይሮምዋ ኢዪም፣ ሕጂ ድማ የዒንቲ ምእመናን ናብ ንልቢ እቲ ሓድሽ ተስፋ ዝመልኦ ሓድሽ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ልዮን መበል 14 ኣቢለን ዝጥምታ ኣለዋ።
በዚ ከምዚ ሓድነት እተሃንጸ ኩነት ዘይኰነስ ብፁዕነቶም ከም ዝገለጽዎ፣ የግዳስ ካብቲ ሓደ ኣካል ዝገብረና ውህበት መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ውን ይዝክሩ።
"ስለዚ ነዚ መሥዋዕተ ቅዳሴ እዚ ምጽንባል ኪበሃል ከሎ፣ ንሓደ ባህ ዜብል ነገር ንምድነቕ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ናብቲ በበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልይ ዝሓቘፈ ኣድማሳዊ ሓቂ ዝዀነ ኩነት ቤተ-ክርስትያን ምእታው ማለት እዩ" ውን በሉ።
ካርዲናል ጉጀሮቲ ፦ ሚስዮናውያን ኣብያተ ክርስትያን ኩኑ
እቲ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሓሳባቶም ዘካፈሉ ብፁዕ ካርዲናል ክላውድዮ ጉጀሮቲ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሥራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ፣ ልኡካነ ወንጌል ዝኾኑ ኣብያተ-ክርስትያን ምዃነን እንታይ ማለት ምዃኑ ኣጕልሑ።
ብፁዕ ካርዲናል ጉጀሮቲ ኣብ ዝለገስዎ ቃል፣ ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ነዘን ኣብያተ-ክርስትያን እዚኣተን ከም ዝዳኸማ ዝገብረን ዘሎ ምክፍፋልን ስደትን ሰማእትነትን ዘለወን ታሪኽ ዘከሩ። "ግናኸ እንሆ መሰኻኽር እቲ ሕማማት ክርስቶስ ከም ምዃንኩም መጠን ብእምነት መሊእኩም አለኹም። ስለቲ ወኪልኩምልና ዘለኹም ከመስግነኩም እደሊ እየ ። ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ስለ ዘይተዛዘመ ልኡካነ ወንጌል ካብ ምዃን ኣይተቋርጹ" ብምባል ውን ኣትሪሮም ተዛረብዎም።
ናይ ዘመና ኩነተ ስደት ናይ ብሓቂ ዘሕዝን ፍጻመ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ስጕምቲ ኽወስዱ ከም ዘለዎም ውን ኣተባብዕዎም፣ ከመይሲ "ኣምላኽ ንተልእኾ ስብከተ ወንጌል ሓድሽ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ኣሎ። ንስኻትኩም ሎሚ ልኡካነ ወንጌል ኢኹም፣ ከከም ባህልኻ ኣብ ትውፊታትኩም ምቕጻል ። ንዘጥፋእኩምዎ ከአ ምትክኡ ዘይከኣል ኣገዳሲ ኽፋል ቤተ-ክርስትያን ኢና እንስእን ድማ በሉ"።
ብፁዕ ካርዲናል ጉጀሮቲ በዚ ኣረኣእያ እዚ "ብሕብረት ብምዃን ሕጉሳት" ምእንቲ ኽንከውን እዚ እተፈላለየ መንነትና እዚ፣ ኣብ ኵሉ ሰናይ ነገራት ምእንቲ ክድልድልን ቡርኬ ጐይታ ኣማለዱ።
ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብፁዕ ካርዲናል ጉጀሮቲ "ስም ኣምላኽ ሓድነትን ፍቕርን ስለ ዝዀነ ሓድነትና ዓቅብ" ዝብል ትእዛዝ ኣመሓላለፉሎም።