MAP

ዓሰርተታት ኣሽሓት ነጋድያን ኣብ ኢዮቤል ኣባይቲ ስድራ ትጽቢት ይግበር ዓሰርተታት ኣሽሓት ነጋድያን ኣብ ኢዮቤል ኣባይቲ ስድራ ትጽቢት ይግበር  (ANSA)

ዓሰርተታት ኣሽሓት ነጋድያን ኣብ ኢዮቤል ኣባይቲ ስድራ ትጽቢት ይግበር

ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ካብ 120 ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 60 ሽሕ ነጋድያን ንመዓልቲ ኢዮቤል ኣባይቲ ስድራ፡ ህጻናት፡ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣብ ሮማ ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ካብ ዕለት 30 ግንቦት - ዕለት 1 ሰነ 2025 ዓ.ም. ንኣባይቲ ስድራ፡ ንህጻናት፡ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን እተወፈየ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ መዓልቲ ኢዮቤል፡ ብናይ ጸሎት፡ ኣስተንትኖን፡ ጽምብልን ምክፋልን ህሞታት ዝተሰነየ ከም ዝኸውን ናይ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቤት ጽሕፈት ኣወሃሃዲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዕለት 29 ግንቦት ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ መግለጺ ኣስዒቡ፣ ልዕሊ 60 ሽሕ ነጋድያን ናብ ሮማ ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር ምህላዉን፣ እቶም ተሳተፍቲ ካብ 120 ሃገራት ዝመጹ ምዃኖም የመላኽት።

ብርክት ካብ ዝበሉ ሃገረ ስብከታትን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ካቶሊካውያን ዝተዋጽኡ ጉጅለታት ኣባይቲ ስድራ ክሳተፉ ከም ዝኾኑን፣ ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ኢዮቤል ኣባይቲ ስድራን፡ ህጻናት፡ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዕለት 30 ግንቦት ካብ ሰዓት 8፡00 ክሳብ ሰዓት 17፡00 ናብ ቅዱሳን ኣፍደገ ጳጳሳዊ ባዚሊካታት ንግደት ክካይዱ እዮም፣ ሰዓት 10፡00 ንግሆ ከምቲ ሕጂ ልሙድ ዝኾነ መደብ “ዘተ ምስ ከተማ ሮማ - ኣብ ዓበይቲ ታሪኻዊ ቅርዓት ሮማ፡ ብዝተፈላለዩ ትካላት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ምስ ጉስነት ስድራቤት ዝተኣሳሰሩ፡ ንዓለማዊ መዓልቲ ህጻናት ዝሓልይ ጳጳሳዊ ሽማግለ፡ ማሕበር ኣባይቲ ስድራን ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ምስ ተፈጸመ፣ ባህላውን ስነ ጥበባውን መንፈሳውን መርሃ ግብርታት ክካየድ ምዃኑ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣወሃሃዲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዕለት 31 ግንቦት ንግደት ናብ ቅዱሳን ኣፍደገታት ካብ ሰዓት 8፡00 - 17፡00 ክቕጽል እዩ። ካብ ሰዓት 9፡30 ክሳብ ሰዓት 17፡30፡ ዝተፈላለየ መደባት ጽምብልን ትምህርትን ንጥፈታት ክካየድ እዩ፣ ኣብ መወዳእታ ካብ ሰዓት 18፡30 ክሳብ ሰዓት 20፡00 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ “ጽምብል ስድራ ቤትን፥ ጸሎትን ዋዜማን ክካየድ እዩ፣ ወርሒ ግንቦት ንማርያም ዝተወፈየ ብምዃኑ ድማ ብጸሎት መቑጸርያ ክዛዘም ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቤት ጽሕፈት ኣወሃሃዲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. መግለጺ ኣተሓሒዙ፣ እዚ ጽምብል ብመዝሙርን ምስክርነትን ዝተሰነየ ከም ዝኽውንን ኣብ ኣፍደገታት ቅርዓት ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ 10 ሽሕ ብቋንቋ ጣልያንን እንግሊዘይናን ስጳይናን ፖርቱጋልን ዝተተርጎመ ሓድሽ ሕታም “መጽሓፍ ቅዱስ ክዕደል እዩ። ኣብ መዛዘሚ ንስድራቤታት፡ ንህጻናት፡ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል መዛዘሚ ሰንበት ዕለት 1 ሰነ ሰዓት 10፡30 ንጉሆ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናትን ኣባይቲ ስድራን ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

29 May 2025, 16:08